ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ፥ ኣሜሪካ ንዝኣወጀቶ ኲናት ከሲሶም

ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ሪዮንግ
ናይ ምስሊ መግለጺ "ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኲናት ኣዊጁ እዩ"፡ ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ሪ ዮንግ

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ፡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ንዝኣወጅዎ ኲናት ከሲሶም፡ ፒዮንጋንግ ንነፈርቲ ኣሜሪካ ተኲሳ ናይ ምውዳቕ መሰል ከምዘለዋ ድማ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ሪ ዮንግ ሆ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ዋላ ካብ ክሊ ኣየር ሰሜን ኮርያ ወፃኢ ይሃሉዋ ተኲሶም ከምዝወቕዑወን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ክሲ ሰሜን ኮርያ "ዘይረብሕ" ኢልዎ ኣሎ። ፔንታጎን፡ ፒዮንጋንግ ንእተካይዶ ዘላ ምትኹታኽ ደው ክተብል ድማ ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ፡ እዚ ርሱን ምልልስ ናብ መዋፀኦ ዘይብሉ ህልኽ ከምርሕ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ሪ ዮንግ ነዚ ዝገለፁ፡ ትራምፕ፡ ኣብ ትዊተር ንዝለጠፉዎ፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ እንድሕር በዚ ቃላቱ ቀፂሉ ዕድመ ስልጣኑ ከሕፅር እዩ ንዝበልዎ፡ ግብረ መልሲ እዩ።

"መላእ ዓለም ብግልፂ ክፈልጦ ዝግባእ ነገር፡ ቀዲማ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኲናት ዝኣወጀት ኣሜሪካ ምዃና እዩ።" ኢሎም ሪ ዮንግ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዛዚሞም ንዓዶም እንትምለሱ።

ናይ ምስሊ መግለጺ "ሰሜን ኮርያ ዘቕረበቶ ክሲ ብሓቂ ዘይረብሕ እዩ"

"ዓርስና ንምክልኻል ኩሉ ዓይነት መሰል ኣለና፡ ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ካብ ክሊ ኣየርና ወፃኢ ዋላ ይኹና ወቒዕና ናይ ምውዳቕ መሰል ከይተረፈ። "

ሪዮ ዮንግ ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃብዎ ርሱን መደረ፡ " ዓርሱ ክንዲ እምባ ገይሩ ዝሓስብ ዕቡድ"፥ ምባሎም ስዒቡ እዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተሮም ግብረ መልሲ ዝለጠፉ ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ኮል ሮበርት፡ "ሰሜን ኮርያ ነገር ምድላያ እንተዘይኣቋሪፃ፡ ብርግፀኝነት ሰሜን ኮርያ ንምብዳህ ንፕሬዝዳንትና መማረፅታት ክነቕርብ ኢና ኢሎም። "

ኪም ጆንግ ኡን፡ "እቲ ዕቡድ ትራምፕ፡ ኒኩሌር ከም ዘድልየና ኣርእዩና"

ንብርክት ዝበሉ ሰሙናት እዚ ውጥረት እናጓሃረ ዋላ እኳ እንተኸደ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ቀጥታዊ ጎንፂ ከምዘይፍጠር ግና ሰብ ሞያ እናገለፁ ይርከቡ።

ሰሜን ኮርያ እውን፡ ማዕቐብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሸልል ብምባል፡ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፈተነ ኒኩሌርን ባላስቲክ ሚሳይልን ምክያዳ ቀፂላ ትርከብ።

ምውናን ኣፅዋር ኒኩሌር፡ ዓለም ንምጥፋእ ምብሃግ ጥራሕ እዩ ብምባል መራሕቲ ሃገራት እናኾነንዎ እዮም።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ወርሒ ከቢድ ፈተነ ኒኩሌር ምክያዳ ስዒቡ፡ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ማዕቐብ ምምንባሩ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት