ሓድሽ ኮኾብ ኣትሌት ኢትዮጵያ፡ ጉየ ኣዶላ መን'ዩ?

ኣትሌት ኣዶላ - ኣብ መዛዘሚ ወድድር ጉያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉየ ኣዶላ ኣብ ማራቶን በርሊን ዘመዝገቦ ክብረ ወሰን ቅልጣፈ፡ ሓድሽ ተሳታፊ ማራቶን ካብ ዘመዝገቦ ካልኣይን ዝቐልጠፈን ኮይኑ

ከተማ በርሊን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ማራቶን ከተአንግድ እንከላ ብዛዕባ ኣትሌት ጉየ ኣዶላ ዋላ ሓደ ዝተብሃለ ነገር ኣይነበረን።

እቶም ዝወሃቡ ዝነበሩ ግምታት ኣብ ቀነኒሳ በቀለን፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ዊልሰን ኪፕሳንግን ኤሉድ ኪፕቾጌን ዘድሃቡ ነይሮም።

ብርግፅ ጉየ ኣዶላ ኣብ ውድድር ማራቶን ተሳቲፉ ኣይፈልጥን'ዩ። ኮይኑ ግን እቲ ውድድር ምስተዛዘመ ኩሉ ብዛዕብኡ ክዛረብ ተቐሲቡ። ቀነኒሳን ኪፕሳንግን ነቲ ጉያ ምውዳእ እንትኣብዮም ጉየ ግን ነኪፕቾጌ ፈተና ኮይኑ ቀሪቡ።

እግሪ እግሩ ብምስዓብ ድማ ኣብ ታሪኽ፡ ሓድሽ ተሳታፊ ማራቶን ኣመዝጊብዎ ዘይፈልጥ ካልኣይ ክብረ ወሰን ቅልጣፈ ኣመዝጊቡ።

ካብ ኢትዮጵያውያን እውን ካልኣይ ክብረ ወሰን ቅልጣፈ ዘመዝገበ ኣትሌት ኮይኑ።

ጉየ ኣዶላ ግን መን'ዩ?

እዚ ወዲ 26 ዓመት ኣትሌት ብሃንደበት ካበይ ተኸሲቱ?

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጊጂ፡ ቢሉ ኣብ ዝተብሃለት ገጠር'ዩ ተወሊዱ።

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት፡ ገና ኣብ ትምህርቲ እናሃለወ'ዩ ጉያ ጀሚሩ። ዝሓሸ ስልጠና ንምርካብ ድማ ወዲ 17 ዓመት ኮይኑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ማራቶን በርሊን ካልኣይን ሳልሳይን ወፂኦም

ኣሰልጣኒ'ታ ብከተማ ኣምቦ እትፍለጥ ጋንታ ኣትሌቲክስ- ተፈሪ መኮነን፡ ከም ጎያዪ ክቕጽልን ክብርትዕን፡ ኣብ ምግባር ዓብዪ እጃም ከምዝነበሮም ይዛረብ። ናብዚ ሕዚ ናብ ዝበፅሐሉ ደረጃ ክሰግር ዝኸኣለ ግን በታ ተጠርኒፉ ዝርከበላ ጋንታ ኣትሌቲክስ ስርሕቲ ማይ ኦሮሚያ ኣቢሉ'ዩ።

  • ዝተወለደሉ ዕለት፡ 20 ጥቅምቲ 1990
  • ትውልዲ ቦታ፡ ቢሉ-ኦሮሚያ
  • ሙሉእ ስም፡ ጉየ ኣዶላ ኢደማ
  • ቁመትን ክብደትን፡ 1.80ሜ፣ 60ኪ.ግ
  • ወኪል፡ ዴማዶና ኣትሌቲክስ ፐሮሞሽንስ (ጣልያን)
  • መዋሊ(ስፖንሰር)፡ ኣዲዳስ

ንመጀመርያ ግዜ ብ2014 ኣብ ሞሮኮ ማራካች ኣብ ተኻይዱ ናይ ፍርቂ ማራቶን'ዩ ተሳቲፉ። እቲ ውድድር ድማ ሙሉእ ዓመት ኣብ ዝተኻየዱ ካልኦት ተመሳሰልቲ ርሕቐታትን 10 ኪሎ ሜትሮን ፅቡቓት ዓወታት ንከመዝግብ ወኒ ኣስኒቕዎ።

ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ግን ውፅኢቱ ቁሩብ ቀኒሱ ነይሩ።

"ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙኒ መግቢ ምብላዕ ስኢነ ነይረ" ዝብል ጉየ፥ "ከይተመገብካ ክትጎይይ ኣይትኽእል፤ ኣብ እግረይ እውን ማህሰይቲ ኣጋጢሙኒ ነይሩ" ኢሉ።

ካብ ድኽነት ንምህዳም ምጉያይ ዝብል ሓሳብ ካብ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምስማዕ ዝተለመደ እዩ። ጉየ እውን ካብኡ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

"ናብራ ገጠር ንዝፈልጥ ኩሉ ኣነ እንታይ ከምዝመስል ምግማት ኣይጠፍኦን። ካብ ገጠር እየ። ስድራይ ድኻታት እዮም። ምጉያይ ካብ ዝጅምር ናብዚ ግን ለውጢታት ኣለው" ክብል ይዛረብ።

ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ጉያ ከድህብ ዝገበሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ቀነኒሳን ጥሩነሽን ዕውታት ክኾኑ ምስረኣየ እዩ።

ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 24,000 ዶላር ረኺቡሎ። እዚ ድማ ኣብ ውድድር ጉያ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ካልኣይ ዝዓበየ ኣታዊኡ ኮይኑ። ኣብ 2014 ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን-ደልሂ ሓድሽ ክብረ ውሰን ብምምዝጋብ ስለዝተዓወተ 35,000 ዶላር ተሸሊሙ ነይሩ።

ካብዚኦም ወፃኢ ተዓዊቱ ዝረኸቦም ሽልማታት ውሑድ ገንዘብ ዝረኸበሎም እዮም።

ጣልያናዊ ተወካሊኡ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ በርሊን ድሕሪ ዝረኸቦ ዓወት ዝንኡን ኣታዊኡን ክውስኽ'ዩ ኢሎም።

Image copyright Guye Adola
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉየ ኣዶላ፡ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ማራቶን ክሳተፍ ትፅቢት ይግበረሉ

"ከም ብሉፅ ተወዳዳሪ ስለዘይቆፀርዎ፡ ንተሳትፍኡ ጥራሕ ውሑድ ገንዘብ እዮም ዝኸፍልዎ" ዝብሉ ጊያና ዴማዶና፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ግን ፅቡቕ ከምዝኽፈሎ ተዛሪቦም።

ኣብ መጻኢ ዝካየድ ውድድር ማራቶን

ኣትሌት ጉየ ኣዶላ፡ ሓዳር የብሉን፡ ወናኒ ገዛ እውን ኣይኮነን። ንዓወት ማራቶን በርሊን ስዒቡ ግን ክሓስበሉ ክጅምር እዩ። ዴማዶና፡ ቀፃሊ ዓብዪ ቆላሕታ ጉየ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ማራቶን-ለንደን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ንምንታይ ዳአ ቅድም ኢሉ ኣብ ማራቶን ዘይምተወዳደረ?

ጉየ ከምዝብሎ፡ ፈፂሙ ድልየት ኣይነበሮን። ብኣሰልጠንቱ ግን ብተደጋጋሚ ሓሳባት ይቐርበሉ ነይሩ። ንሱ ግን ንኽንድቲ ዝኣክል ርሕቀት ክወዳደር ዕድሚኡ ከምዘይኣኸለን ድልው ከምዘይኮነን ይገልፅ።

ሕዚ ግን ብዘይ ገለ ጥርጥር ጎያዪ ማራቶን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ በርሊን ዘመዝገቦ ቅልጣፈ ዝነኣድ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ካብ (2:03:46) ዘሎ ክብረ ወሰን ዓለም ብ 49 ሰከንዳት ጥራሕ ይድንጒ።

ጊያና ዴማዶና እቲ ኣትሌት ገና ኣብ ልምምድ ኣናሃለወ ብዘመዝግቦም ሰዓታት ይግረሙ ምንባሮም ገሊፆም። "ብጣዕሚ ተገሪምና፡ ን2:03:46 ዘይኮነስ ን2:05 ወይ ድማ 2:06, ኢና ተፀቢና" ኢሎም።

ሐጋዚ ኣሰልጣኒኡ ዝኾኑ ካሊል ኣማን ከምዝኣምንዎ፡ ጉየ ንነዊሕ ርሕቀት ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ኣትሌት እዩ። "ዝጎየሉ ኣገባብን ኣለዓዕላ ኣእጋሩን፡ ሓይሉ ብግቡእ ይጥቀም ምህላው የረድኡ። ነዚ ድማ እዩ ቀልጢፉ ዘይደክም" ይብሉ።

ኣትሌት ጉየ ኣብ መዋእሉ ሓደ መዳልያ ጥራሕ'ዩ ረኺቡ። ንሱ ድማ ብ2014 ዴንማርክ ኣብ ዘእንገደቶ ሻምፒዮና ፍርቂ-ማራቶን ዓለም ነይሩ። ሽዑ ነሓስ ረኺቡ። ሕዚ ንዝረኸቦ ዓወት ስዒቡ ድማ፡ ዓርሱን ደገፍቱን ኣብ መፃኢ ልዑል ትፅቢት ክገብሩ ጀሞሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት