መንግስቲ ስዑዲ ደቀንስትዮ መኪና ክዝውራ ኣፍቂዱ

ደቂ ኣንስትዮ ስዑድ ዓረብ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ስዑድ ዓረብ ንደቂ ኣንስትዮ መዘወሪ ፍቓድ ክትህብ'ያ

ንጉስ ሱዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፡ ንፈለማ እዋን ደቀንስትዮ መኪና ክዝውራ ዘፍቅድ ሕጊ ከምዘጽደቐን እቲ ትእዛዝ ኣብ ሰነ 2018 ከምዝትግበርን ማዕከን ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንግስታውያን ምኒስትሪታት ነቲ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንምትግባሩ ጸብጻባቶም የጻፍፉ ኣለው። ኣብ ዓለም፡ ስዑድ ዓረብ ጥራሕ'ያ ደቀንስትዮ መኪና ንከይዝውራ ክትእግድ ጸኒሓ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደቂተባዕትዮ ጥራይ ኢዮም ፍቓድ መምርሒ መኪና (ባቴንቲ) ክሕዙ ዝፍቀደሎም፡ መኪና ክዝውራ ዝተረኽባ ደቀንስትዮ ግን ማእሰርትን ካልእ ከቢድ መቕጻዕትን የጓንፈን ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ሕጊ ድማ ብዙሓት ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ኣባላት ስድራ ቤቶም ዘመላልሱ መራሕቲ መካይን ክቖጽሩ ይግደዱ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዓመታት ደቀንስትዮ መኪና ክዝውራ ጎስጊሶም። ነቲ ሕጊ ዝተቓወማ ገለ ደቀንስትዮ ድማ ተኣሲረን።

እቲ ንጉሳዊ ኣዋጅ፡ ኩሉ ናይ ትራፊክ ሕግታትን ስርዓታትን ዝትግብር ኮይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ፍቓድ መምርሒ መኪና፡ ክውሃቡ ዘፍቅድ ክኸውን'ዩ ኢሉ እቲ ናይ ስዑዲ ናይ ዜና ማዕከን።

ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሕቡራት ኣሜሪካ፡ ልኡል ኻልድ ቢን ሳልማን ከምዝበሎ "ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሎሚ ታሪኻውን ዓቢ ዕለትን ክኸውን ከሎ እቲ ኣዋጅ ኣብ ሰዓቱ ዝተኣወጀ ቅኑዕ ውሳነ ኢዩ" ኢሉ።

ናይ ስዑዲ ቀዋሚ ልኡኽ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዝተገብረ ኣረጋጊጹ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ደቀንስትዮ ሃገርና ፍቓድ መምርሒ መኪና ንምሓዝ ካብ ደቂተባዕትዮ ኣዝማደን ፍቓድ ኣይከድልየንን ኢዩ።

ኣብ ዝኾነ ስዓትን ቦታን ድማ መኪና ክዝውራ እየን ኢሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንደቂ ኣነስትዮ መዘወሪ ፍቃድ መኪና ዘይትህብ ሃገር ስዑድ ዓረብ ጥራሕ'ያ

ርእይቶ ህዝቢንታይ ነይሩ?

ናይ ሕቡራት ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ነቲ ብመንግስቲ ስዑዲ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ፡ ዓቢ ስጉምቲ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ድማ ኢልዎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጽሓፊ ኣንቶንዮ ጉትሬስ ድማ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተባህለ ደጊሙ ኣቃሊሕዎ።

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ሉጀይን ኣል-ሓታሉል ነቲ ሕጊ ብምጥሓሳ ኣብ 2017 ን73 መዓልታት ተኣሲራ ዝነበረት ድማ ድሕሪ እቲ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ - ትዩተር- "ተመስገን ኣምላኽ" ኢላ።

ማናል ኣል-ሰሪፍ፡ ደቀንስትዮ መኪና ክመርሓ ትጉስጉስ ዝነበርት'ሞ ነቲ ሕጊ ብምቅዋማ ተኣሲራ ዝነበረት'ያ። ንሳ ኣብ ትዩተር ፡"ድሕሪ ደጊም ስዑድ ዓረብ ከምቀደም ኣይክትከውንን ኢያ" ኢላ።

ተጣባቒት ሳሃር ናሲፍ እውን ኣብ ጂዳ እናተሰራሰረት ንቢቢሲ "ኣዝየ ኣዝየ ተሓጊሰ" ክትብል ታሕጓሳ ገሊጻ።