"መስቀል መሰረት ፍቕርን ሓድነትናን እዩ"

ጫፍ ጮምዓ መቐለ
ናይ ምስሊ መግለጺ ዳመራ ጮምዓ መቐለ ኣብ ጎቦ እንዳየሱስ ይኽበር

ህዝቢ መቐለ ዳርጋ ኣብ ገዝኡ ሰዳዲ ወረ ዝገደፈ ኣይመስልን። ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8 ኣትሒዙ እዩ ናብ ጮምዓ ደይቡ። ኣብቲ ፀድፊ ዝበዘሖ ጎቦ ዝድይብን ዝወርድን ዝነበረ ህዝቢ ተፀቓቒጡ ሓደጋ ከይፍጠር ብጣዕሚ ተሰጊኡ ነይሩ።

ሓይልታት ፀጥታ'ውን ኣብ ፅዑቕ ስራሕ ተፀሚዶም ይረአዩ ነይሮም።

ህዝበ ክርስትያን በዓል መስቀል ንምኽባር ኣብ ምሽብሻብ እዩ ቀንዩ። ትማሊ ኣብ ድሮ እቲ በዓል ዳመራ ንምንዳድ ገና ኣብ ቅንያቱ ሽግ ዓዲጉ።

ብፍላይ ኣብ ታሪኻዊ ጎቦ ጮምዓ መቐለ፥ ዝተሃነፀ ኣብ ኣፍሪካ ብንውሓቱ መሰታ ከምዘይተረኸቦ ዝተዘረበሉ መስቀል ንምብዓል ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ እዩ ተረኺቡ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ምርቃት መስቀል ጮምዓ

መስቀል ንምንታይ ይኽበር?

"መስቀል ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝወፃእናሉ፤ ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ዝተናገፍናሉ መድሕን እዩ" ይብል ድያቆን ሃብታሙ ፀጋይ።

ድምር ትርጉም መስቀል ድማ ኣብ ኣርብዓተ ተመዲቦም ከምዝግለፁ የስተምህር።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዲያቆን ሃብታሙ ፥ ትርጉም መስቀል ኣብ ኣርባዕተ ይትንትኖ።

መስቀል ፅንእነ (ፅንዓትና)፣ መስቀል በይዛነ (በይዛና)፣ መስቀል ሃይልነ(ሓይልና)፣ መስቀል መድሃኒት ነብስነ መድሓኒት ነብስና ዝብል ጥማርን ዘይፈላለን መልእኽቲ ከምዝሓዘ ድያቆን ሃብታሙ የረድእ።

ኢየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ተኣምር ይፍፅም ነይሩ። ኣይሁዳውያን ቀቢሮም ኣብ ልዕሊኡ ን260 ዓማውቲ ጓሓፍ የፍስስሉ ከምዝነበሩ ኣስተምህሮ እቲ ድያቆን ይትንትን።

"ቅድስቲ ኢለኒ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢሩዋ፤ መስከረም 17 ኳዕታ ተጀሚሩ፤ መጋቢት 10 መስቀል ካብቲ ዝተቐበረሉ ስፍራ ወፂኡ፤ ነዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓመታዊ ይዝክሮ" እንትብሉ ድማ ይገልፅ ድያቆን ሃብታሙ ፀጋይ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ምሩቕ ነገረ መለኮት መምህር ልሳነወርቅ ደስታ፥ መስቀል ዝኽበረሉ ቀንዲ ምኽንያት የረድኡ

ካብ ኣዲስ ኣበባ መፂኦም ኣብቲ ኣብ ዝባን ጮምዓ ዝተኸበረ በዓለ መስቀል ዝተረኸቡ ምሩቕ ነገረ መለኮት መምህር ልሳነወርቅ ደስታ ብግዲኦም "መስቀል መሰረት ፍቕርን ሓድነትናን እዩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንተ ሓደ ኣዳም በይዛ ኰይኑ ንዘርአዮ ፍቕርን ሓድነትን ኢና ንሕና እውን ብፍቕርን ሓድነትን ነኽብር ዘለና" ኢሎም።

ማሕበር መስቀል ጮምዓ መቐለ ኣባላቱ ሰስርሖም ኣትሒዙ ተጀሚሩ ክሳብ ዝምረቕ ብቐረባ እናተኸታተለ ህንፀት እቲ መስቀል ህያው ገይሩዎ። ሓደ ካብቶም ኣባላት እቲ ማሕበር ኣይተ ሰለሞን ኣለማየሁ "መስቀል ንዓይ ህይወተይ እዩ" ብምባል ብሓፂሩ ይገልፆ።

መራ ጮምዓ

ጮምዓ መዕረፊ ኣጋይሽ ንምግባር ካብ እንዳየሱስ፣ ካብ እንዳ ኪዳነምህረትን ካብ መሰቦን ናብ ጎቦ ጮምዓ ዘድይብ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ቅናት (ኤልክትሪካል ቤልት) ንምዝርጋሕ ኣንዊሑ ምትላሙ ገሊፆምለይ።

ናብ ጮምዓ ደይቦም መስቀል ብምኽባር ኣብ እግሪ ጮምዓ ዝርከቡ መንኣሰይ ማይ ሊሓም ብቐዳምነት ይፅርሑ። ልዕሊ 400 መንኣሰይ መቐለ ብፍላይ ድማ ደቂ ማይ ሊሓም ስርዓት ኣብ ምትሓዝ ነጢፎም እዮም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሽግ መስቀል ዝሓዙ መናእሰይ ኣብ ጮምዓ መቐለ

ኣብቲ ከባቢ መስቀል ምስተሃነፀ ትማሊ ደይባ ክትርእዮ ፋልማያ ምዃኑ ዝገለፀት ወ/ሪ ዛይድ ገብረህይወት፥ "ብስሩ እውን እቲ ቦታ ስሙ እንዳ መስቀል እዩ ዝበሃል፤

ኣብ ቦትኡ ድማ እዩ ተሃኒፁ ዘሎ፤ መስቀል ኣበየ ዓዱ እንተዝህነፅ ድማ ፀገም የብሉን፥ ጥራሕ እንተይኰነስ ግቡእ እዩ" ትብል።

ሓድሽ ካብ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ሐዚ 22 ዓመቱ ዓመታዊ ምስታፍ ኣብኲሩ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።

መንኣሰይ እቲ ከባቢ ካብቲ ዳመራ ዝወድቕ ዝነኸሰ ዕንፀይቲ ንምሓዝ ይመናጠሉ ነይሮም፤ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝነደደ ዕንፀይቲ ሒዞም ካብ ጮምዓ ብምውራድ ንቤተ ክርስትያን እንዳ ኪዳነ ምህረት ሰለስተ ሻዕ ይዘሩዎ።

ኣተሓባባሪ ፀጥታ ማሕበር ጮምዓ መስቀል መንእሰይ ኪዳነማርያም ፀጋይ ምስቲ ዝነበረ ብጣዕሚ ብዙሕ ህዝብን ከቢድ ፅቕቅጥን ክሳብ እታ መግለፂ ዝሃበኒ ዝወረደ ሓደጋ ኣይነበረን።

እንትኾነ ግና፥ ኪዳነማርያም ኣብ ዝባን ጮምዓ እሞ ድማ ኣብ እዋን በዓል መስቀል ባንድ ሰቒልካ ደርፍን ጓይላን ምግባር ኣይደገፎን። ጓይላን መስተን ኣብ ታሕቲ ኣብ ከተማ ክኸውን ይግባእ ነይሩ በሃላይ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ድሮ መስቀል ኣብ ጮምዓ መቐለ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣብ ጫፍ ጮምዓ ዝተተኽለ ታሪኽ

እቲ ኣብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ተተኺሉ ዘሎ መስቀል ንውሓቱ 52 ሜትሮ ክብደቱ ከኣ 53 ቶን'ዩ።

ነቲ መስቀል ንምህናፅ ልዕሊ 4 ሚልየን ቅርሺ ወፃኢ ተገይሩ።

ዲዛይን ናይቲ መስቀል ብመሃንዲስ ምስግና ገብርእግዚኣብሔር ተሰሪሑ፥ ብሰብ ሞያ ዊነር ኢንጅነሪንግ ድማ ደረጅኡ ብዝሓለወ ሓፂን ምህናፁ ምፅብፃብና ይዝከር።

ዝሓለፈ ሰንበት፥ ቅድሚ ፋዱስ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ማትያስ ባርኾት ሂቦም ነቲ መስቀል ብዕሊ መሪቖም።

ካብ ውሽጥን ወፃኢ ሃገርን ዝመፀ ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ናብ ጎቦ ጮምዓ ደይቡ ፅምብል ምረቓ መስቀል ኣኽቢሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዓብይ መስቀል ጮምዓ መቐለ

ኣብቲ ፅምብል ምረቓ መስቀል መኽፈቲ ዘረባ ዘቕረቡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ "መስቀል መመክሒ ኢትዮጵያውያን እዩ።

ነዚ መስቀል እዚ ንዘስረሐ ወድና ኣሸናፊ ሃይሉ ከኣ ህዝበ ክርስትያን ክፅልየሉ እልምን" ኢሎም።

ማሕበር መስቀል ጮምዓ መቐለ፥ ብሓፈሻ ስራሕቲ ህንፀትን ኣብ ክሊ እቲ መስቀል ዝስራሕ ዘሎ ንጥፈታትን ዘሳለጥ ዘሎ እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተጣየሸ ማሕበር ጮምዓ መስቀል መቐለ፡ ኣብ ዝባን ጮምዓ 36 ሄክታር መሬት ተረኪቡ'ሎ።

ኣብ ዝባን ጮምዓ ኣብ ክሊ እቲ መስቀል ትልሚ ዝተትሓዘሎም ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ትካላት ክህነፁ ፥ ትማሊ ሰረት እምኒ ተነቢሩ እዩ።

ትካላት ስራሕቲ ህንፀት ዛምራን ቦኽራን ቤተንባብን መዘናግዕን ክሃንፁ ተመፃቢዖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት