መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣይመለስኩን" ይብል

ካቴና Image copyright Andrew Brookes

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከም ዝጨዊ ዝሕብር ክሲ ነፀጉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ንዝሓተቱ ዜጋታቱ ብምጭዋይ ተኸሲሱ ይርከብ።

'ሁማን ራይት ዎች' ተባሂሉ ዝፍለጥ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ውድብ ከምዝበሎ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ከም በዓል ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብምጭዋይ ንሃገሮም ድሕሪ ምምላስ ከምዘሳቕዮም ገሊጹ።

እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተሓለቕቲ ጉጅለታት፡ ናይ ዓለም ሕጊ ብምጥሓስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታቱ ግዳይ ይገብር'ዩ ብምባል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸሱ።

ሓደ ኣብ ኬንያ ዝነብር ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ድሕነት ኣባላት'ዮም ዝበሎም ሰባት ጨውዮም ብሓይሊ ንኢትዮጵያ ክመልስዎ ከምዝሓሰቡ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ብሰንኪ ፓለቲካዊ ኣረኣእይኡን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብምንባሩን ስለ ዝተኣስረን ዝተሳቐየን፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሙ። ኣብ ኬንያ'ውን ብዙሕ ግዜ ክሕዝዎ ከምዝፈተኑ ይገልጽ።

"ኣካያዲ ቤት ምግቢ [ማናጀር] ኮይነ እንዳሰራሕኩ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ኢትዮጵያ ሰላዪ ምስ ናይ ኬንያ ፓሊስ ኮይኖም ክኣስሩኒ መጺኦም። ንምንታይ ኣይተረደኣንን።

እይታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቲተዮም። ምኽንያቱ፡ እንተድኣ ንሓደ ሰብ ክትኣስሮ ኮይንካ፡ መእሰሪኡ ክፈልጥ መሰል ኣለዎ። ብስርቂ ድዩ፡ በዚን በትን ገበናት ክትብሎ ኣሎካ።

"ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ዘሎና ፓለቲካዊ ጸገማት ውሕስነት ጸጥታና ንመንግስቲ ኬንያ ኣረኪብናዮ ኢና። ናይ ስደተኛታት ውዕል ፈሪሞም'ዮም፡ ስለዚ ክሕልዉና ኣለዎም" ይብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ አንዳርጋቸው ጽጌ

ሁይማን ራይትስ ዎች ነዚ ዝመሳሰል ብዙሕ ጉዳያት ሰኒዱ ከምዘሎ ይገልጽ። እቲ ኣዝዩ ጎሊሑ ዝረአ ጉዳይ ናይቲ ኣብ 2014 ኣብ የመን ዝተኣስረ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ዝኾነ ኣንዳርጋቸው ጽጌ እዩ።

እቲ እንኮላይ ናይ እንግሊዝ ዜግነት ዘለዎ እንዳርጋቸው፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበን ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ ከምዝኽእልን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ መቓድሾ ንሓደ ናይ ሶማል ዜግነት ዘለዎ ሰብ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂቡ። ካብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተጨውዩ ኣባላት ተቓውሞ ከምዘለዉ'ውን ጭብጥታት ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክስታት ብምክሽማሽ ነጺግዎ'ሎ።

"ንዝኾነ ሰብ ናብ ኬንያ ምውሳድ ይኹን ካብ ኬንያ ምምጻእ ዘእቱ የብልናን" ይብል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ፡ ኣቶ ዲና ሙፍቲ። እቲ ዝበሃል"ልቢ ወለድ'ዩ"። ድማ ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ መራሕትን ኣባላትን ተቓወምትን ብምህዳን ወትሩ ምስተኸሰሰ'ዩ። እንተኾነ ግና፡ ንዕቑባትን ሓተቲ ዑቕባን ግዳያት ብምግባሩ ዓለምለኻዊ ሕጊ ይጥሕስ ኣሎ ክብሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት