መስራትን ወናንን ፌስቡክ፥ ብፕሬዚደንት ትራምፕ ዝተውሃበ ርእይቶ ኣይተቐበሎን

መስራትን ወናንን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወናኒ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ "ትራምፕ ፌስቡክ ኣንፃረይ'ዩ ይብል። ሊበራል ድማ ንትራምፕ ሓጊዝናዮ ኢና ይብል። "

ፕሬዚደንት ትራምፕ፥ ኣብ ትዊተር ገፆም፥ ፌስቡክ ፀረኦም ጠጠው ዝበለ ማሕበራዊ ሚድያ ምዃኑ ብምኸሳስ ፡ ውዲት ``ጸረ-ትራምፕ`` ክብኡ ድማ ሰምዮምዎ።

ብተመሳሳሊ ትራምፕ ኣንጻር ኒው ዮርክ ታምስን ዋሺንግተን ፖስትን ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቦም።

ኣብ ቀረባ ፌስቡክ 3,000 ፖለቲካዊ ምልክታታት (ኣድቨርት) ንመርመርቲ ኣባላት ባይቶ ብምሃብ፥ ኢድ ኣእታውነት ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ክምርምሩ ዘኽእሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ከም እምነት እቲ መርበብ ገጽ ድማ፥ እቲ ፖለቲካዊ ምልክታታት ብገለ ሩስያውያን ቅድምን ድሕርን፥ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ 2016 ዝተዓደገ ክኸውን ይኽእል ኢሉ።

ፌስቡክ፡ ቱዊተርን ጉግልን ብሓደ ጥቅምቲ ኣብ ቅድሚ ቋሚ ኮሚቴ ጸጥታ ሴኔት ብምቕራብ ብዛዕባ እቲ ናይ ሩስያ ኢድ ኣእታውነት ቃሎም ክህቡ ተሓቲቶም ኣለው።

ፌስቡክን ጉግልን መጸዋዕታ ከምዝቐረበሎም ኣፍሊጦም፡ እንተኾነ እዘን ክልተ ጎብለል ማሕበራዊ ገጻት ኣብቲ ዕለት ምድማፅ ቃል ከምዝርከባ ክሳብ ሐዚ ኣየፍለጣን።

ትንተና

ዴቭ ሊ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ሳንፍራንሲስኮ እቲ ጉዳይ ከምዚ ይትንትኖ፥

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዘይፈትዎም ብንጹር ገሊጹ ነይሩ፥ ይብል።

ኣነ ከምዝመስለኒ እቲ መግለጺ ሕርቆት ከምዘሎ ኢዩ ዘርኢ። ምስቲ ፕሬዚደንት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሃዋሁው ኣብ ዙርያ ፌስቡክን፡ ዝውሃብ ዘሎ ርእይቶታት፡ ኣብ እቲ ናይ ምርጫ መስርሕን ዋላ`ውን ኣብቲ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን።

ማርክ ብናቱ ኣረኣእያ፡ ፌስቡክ ስጋብ ሐዚ ዝገበሮ ኩሉ ጽቡቕ ነገራት ከርኢ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ።

ማርክ፡ ከም ሰብ እሞ ብጭብጥን (ዳታ) ብኣገባብን (መትሪክስ) ዝኣምን ሰብ፡ ነቲ ኣብቲ 2 ቢልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ መርበቡ፡ ብሩስያ ዝተደገፈ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ዜናን ምልክታትን ከም ንእሽቶ ኣካል ናይቲ ምርጫ ጸገማት ኢዩ ዝርእዮ።

እቲ ጉዳይ ዓቐን ኣይኮነን ዘካትዕ ዘሎ፡ እቲ ናይ ማርክ ንናይ ህዝቢ ሻቕሎት ክምልስ ዘይምፍታኑ እዩ። ንምሽፋኑ ወይ ድማ ዘይምግዳሱ እዩ ዘርኢ።

ብሓቂ ሐዚ ማርክ ዙከርበርግ ናይ ተጠቀምቱ ሻቕሎት ክምልስ ከምዝግብኦ ዝተረደአ ይመስለኒ፡ ዋላ`ካ ኣይይእመነሉ። ጌጋታቱ ኣዝዩ ከቢድን ዋጋ ዘኽፍል ክኸውን ይኽእል፡ ክብል ገሊጹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቢቢሲ ፓናሮማ፡ ፌስቡክ ካብ ናይ ሓሶት ዜናታት ኣታዊ ይረክብ ዶ ዝብል ፡ ንዙከርበርክ ሓቲቱ ኣሎ።

ፌስቡክ ካብ ናይ ሓሶት ዜናታት ኣታዊ ከምዝገበሩን ዘይገበሩን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፓናሮማ ዳራግ ማክሊንተይር ሓቲቱዎም።

ማርክ ከምዝበሎ እቶም (ፕሬዚደንታዊ) ተወዳደርቲ ንመቃልሒ እቲ ምርጫ ኣማኢት ሚልዮናት ኣብ ኢንተርኔት ኣጥፊኦም ኢሉ።

እቲ ወዲ 33 ዓመት ማርክ፡ ድሕሪ ምርጫ ትራምፕ - ጽላለ እዩ - ዝበሎ ከምዘጣዕሶ ገሊጹ።

ፌስቡክ ንኹሉ ህዝቢ ዝጥርንፍ "ኮም" ክምስርት ድማ ቃል ኣትዩ፡ ልዕሊ ኹል ድማ ኣንጻር እተን ጌጋ ሓበሬታ ዘቃልሓን ኣብ ኣዋን ምርጫ ድማ ዕግርግር ክፈጥራ ዝፈተናን ሃገራት ክምክት ቃል ኣትዩ።

ዙከርበርግ ኣብ ፌስቡክ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ጥራይ ኣስታት 65,000 ሰባት ንርእይትኡ ድጋፎም ኣርእዮም።

ብዝኾነ ክረምሊን (መንግስቲ ሩስያ) ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ዝኾነ ኢድ ከምዘይነበሮ ገሊፁ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ`ውን፡ ኣብ ጎኒ ምስ ሩስያ ዘይቅኑዕ ርክብ ነይርዎም ተባሂሎም ዝተጠቀኑ ደው ኢሉ።

እንተኾነ፡ ስለያ ትካላት ኣሜሪካ ከምዝበልኦ፡ መንግስቲ ሞስኮ (ሩስያ) ነቲ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ንረብሓ ትራምፕ ክዘዙ ገይሮም ኢለን። ኮሚቴታት ባይቶን ሓደ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካልን (ኤፍቢኣይ) ድማ ነቲ ኩነታት ይምርምርኦ ኣለዋ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት