ቅልውላው ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ሓድሽ ሕጋዊ መደብ ንኽሓስብ ኣገዲዱዎ

ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ሓድሽ ትልሚ፡ ብዘይሕጋውያን ደለልቲ ህይወቶም ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ሰባት እውን ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ዝትግበር፡ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምውሳድ መደብ ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ። ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ቀዳሞት ተጠቀምቲ እቲ እማመ ከም ዝኾና እውን ተገሊፁ።

ምክትል ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ፌዴሪካ ሞጌሬኒ፡ "እዚ መደብ ግዝያዊ መፍትሒ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ እዋን ዘሎ ቀንዲ ሕልኽላኽን ቀውስን ስደት ዝፈትሕ እዩ" ኢለን።

እዚ ትልሚ፡ ርክብ ናይተን ኣብቲ ሕብረት ዘለዋ 28 ኣባል ሃገራት ከየሐርፍፎ ግን ስክፍታ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት 160 ሽሕ ስደተኛታት ንምዕቛብ፡ ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ውጥን፡ ሓደ ሕምሲት ጥራሕ ብምትእንጋድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዛዘም እዩ።

ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ብፍላይ ፖላንድን ሃንጋሪን፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ፡ ዋላ እኳ እዚ ውሳነ ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ እንተኸዳ፡ ቤት ፍርድን ፍትሕን ሕብረት ኣውሮጳ ሕቶአን ነፂግዎ እዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ሓድሽ ትልሚ ንስደተኛታት ሕጋዊ ከለላ ዝህብ እንትኾን፡ ኣፍሪቃ እውን ዘካተተ እዩ።

እዚ ብ2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝጀመረ'ሞ ንክዛዘም ሒደት መዓልታት ተሪፉዎ ዘሎ ውጥን ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት፡ ናብ ኣውሮጳ ንዝኣተዉ 1.7 ሚልየን ስደተኛታት ዑቕባ ንምሃብ እዩ ተጀሚሩ።

እዚ ትልሚ፡ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ምሰ ወጽኡ ኣብታ ፈለማ እግሮም ዝረገጹላ ውሕስቲ ሃገር ዑቕባ ክሓቱ ኣለዎም ንዝብል ኣደማሳዊ ሕጊ ሃገራት ኣውሮጳ ዘትረፈ እዩ። እዚ ድማ ናብ ኣውሮጳ ንዝኣትዉ ስደተኛታት በሪ፡ ኣብ ዝኾና ሃገራት ጣልያንን ግሪኽን ዝነበረን ፅዕንቶ ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ተግባራዊ ዝነበረ ትልሚ ዕዉት ዘይኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ቱርኪን ሕብረት ኣውሮጳን ብዝተፈፀመ ስምምዕ፡ ብገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብምንካዮምን፡

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ትልሚ ካብ ዝተተሓዛ ሃገራት ወፃኢ ብምዃኖምን እዩ።

እዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ወፅዩ ዘሎ ናይ 2 ዓመት ሓድሽ ውጥን ፡ ሓደጋታት ካብ ዝበዝሐን ሃገራት ምብራቕን ቱርኪን ዝጠመረ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ንዜጋታት ሃገራት ምብራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ ትኹረት ዝሃበ እዩ።

እዚ ትልሚ ኣካል እቲ ብዘይሕጋውያን ደለልቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዝተሳጥሑ ሰባት፡ ሕጋውን ውሑስን ቦታ ንምሃብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓበሬታ/መተሓሳሰቢ፡ ቢቢሲ ስደተኛታት ዝብሎም፡ገና ኣብ ከይዲ ዘለዉን ፍቓድ መንበሪ ዘይረኸቡን ሰባት የጠቓልል። እዚ ድማ ከም ካብ ሶርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጸኡ ስደተኛታት፡

መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድል ዘለዎምን፡ ንዝሓሸ ስራሕን ኢኮኖምን ንዝስደዱ ስደተኛታት ዝጠመረ እዩ።

"ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ምጠሓልኩ ነይረ"