ቻይና ኣብ ግዝኣታ ዝርከቡ ኩባንያታት ሰሜን ኮርያ ክትዓፁ ወሲና

ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ፡ ኣንፃር ኣሜሪካ ተደጋጋሚ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ምርኢታት ተካይድ

ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኩባንያታት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ክዕፀዉ እዮም።

ብሸርክና ቻይናውያንን ሰሜን ኮርያውያንን ዝውነኑ ኩባንያታት ድማ ተመሳሳሊ ዕጫ ይፅበዮም ኣሎ።

እቲ ውሳነ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘካየደቶ ሻድሻይ ፈተነ ኒኩሌር ስዒቡ ዝመፀ እዩ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ብ 11 መስከረም ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ብሙሉእ ድምፂ ሓድሽ ማዕቐብ ምንባሩ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ቻይና ኣብ ግዝኣታ ዝርከቡ ኩባንያታት ሰሜን ኮርያ፥ ትካላቶም ዓፅዮም ክወፁ ናይ 120 መዓልታት ገደብ ግዜ ምቕማጣ ሚንስቴር ንግዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰሜን ኮርያ ብመዳያት ፖለቲካን ቁጠባን ካብ ዓለም ተነፂላ ዝፀንሐት ሃገር እንትትኸውን፥ ዝዓበየ ንግዳዊ ርክባ ምስ ቻይና'ያ ክተካይድ ፀኒሓ።

መንግስቲ ቻይና እውን እንተኾነ፡ ከም ሰሜን ኮርያ ንዝኣመሰላ ጎረባብትን ፈተውትን ሃገራት ብምሕላቕ ይፍለጥ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ኒኩሌር ብትሪ ነቒፉ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እምኒ ሕመት (ከሰል)፣ ካብ ባሕሪ ዝፈርዩ መግቢታትን ሓፂነ መፂንን ካብ ሰሜን ኮርያ ኣታዊ ምግባር ነክያ ነይራ።

ሕዚ ድማ ብኣውርኡ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝኣትው ዓለባን ነዳዲን ናብ ሃገራ ከይኣትው ኣጊዳ።

ነዚ እገዳ ስዒቡ ቁጠባ ሰሜን ኮርያ ብሓይሊ ከምዝተጎድኣ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዝተፈጠረ ንሕንሕ ስዒቡ፥ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ዂናት ቃላት ክለዋወጡ ምፅነሖም ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት