መራሕ እስላማዊ መንግስቲ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣስዒቡ

ኣቡበከር ኣልባግዳዲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሕቲ ሩስያን ኢራንን ኣዛዚ እስላማዊ ጉጅለ IS ከምዝሞተ ይገልጻ፡ ኣሜሪካ ግን ከምዘይሞተ ትገልጽ።

ዕጡቓት እስላማዊ መንግስቲ (ኢስላሚክ ስቴት) ናይ መራሒኦም ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ መልእኽቲ ብካሴት ኣመሓላሊፎም።

እቲ ናይ ኣል-ባቕዳዲ ድምጺ ዝጥዕም መልእኽቲ ድማ ብዛዕባ ናይ ሰሜን ኮርያ ምጉብዕባዕ ኣብ ልዕሊ ጃፓንን ሕቡራት ኣሜሪካን ዝምልከት'ዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ኩናት ኣብታ ናይ እስላማዊ መንግስቲ ቀንዲ ከተማ ዘኾነት ሞሱል፡ እሞ ኣብ ሓምለ ብሰራዊት ዒራቕ ዳግማይ ዝተታሕዘት`ውን ተዛሪቡ።

ኣል-ባቕዳዲ ካብ ሓምለ 2014 ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለዘይተራእየ ብዛዕባ ህላዊኡ ብዙሕ ኢዩ ክብሃል ጸኒሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ ንዕኡ ዘረከበ ወይ ድማ ዝቐተለ ናይ 25 ሚልዮን ዶላር ህያብ ከምትህብ ኣፍሊጣ ጸኒሓ።

ኣል-ባቕዳዲ ናይ መወዳእታ ግዜ ዝተራእየ፡ ዕጡቓት እስላማዊ መንግስቲ (ኣይ ኤስ) ንሞሱል ምስተቖጻጸርዋን ካሊፌት (ሃይማኖታዊ መራሒ) ምስተመርጸን ኣብታ ዓባይ መስጊድ ኣል-ኑሪ ክሰብኽ እንከሎ ኢዩ።

ኣፈኛ ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ርያን ዲሎን ብዛዕባ እቲ ዝተቐድሐ ካሴት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ዋላ'ኳ ብዛዕባ ሞቱ ከረጋገጽ ዝኽእል ጭብጢ እንተዘይብልና፡ ብሂወት ከምዘሎ ኢና ክንግምት ንኽእል ኢሉ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ድማ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ቅዳሕ ድምጺ ናይ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ክኸውን ይኽእል ንብል፡ ግና ጌና ነጽንዖ ኣሎና። ዋላ'ኳ ብሓቅነቱ እንተዘይተጠራጠርና፡ ዛጊት ግን ብጭቡጥ ኣየረጋገጽናዮን ድማ ኢሉ።

እቲ ሰላማዊ ህዝብን እሱራትን ብምቕታልን ብጨካንነቱን ዝተፈልጠ ኣይ ኤስ ቀስ ብቕስ ናብ ዒራቕን ሲርያን ይምለስ ኣሎ።

እታ ናይ 46 ደቓይቕ ቅዳሕ ድምጺ ዝሓዘት ካሴት ድማ ኣብ ባይታ መርበብ (ኢንተርኔት) ናይቲ ጉጅለ ኢዩ ተቓሊሑ። ድሕሪ ሕዳር (2016) ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ ድማ እቲ ጉጅለ ኣብ ካሴት መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

እቲ መዳራይ (ኣል-ባቕዳዲ)፡ ብዛዕብ ኩናት ሞሱል ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣብ ራካን ሃማን (ኣብ ሶርያ) ከምኡ ድማ ኣብ ሲርት ሊብያ ዝተኻየደ ኩናትን፡ እቲ ኣብኡ ዝፈሰሰ ደም ድማ ንኸንቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ብዛዕባ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተወደበ ናይ ሶርያ ናይ ሰላም ዘተ'ውን ተዛሪቡ። መብዛሕትኡ ትሕዝቶ ናይቲ ካሴት ግና ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢዩ ነይሩ።

ከምቲ ዝብሃል ኣል-ባቕዳዲ ምናልባት ኣብቲ ኣይ ኤስ ዝቆጻጸሮ፡ ብፍላይ ኣብቲ ንዒራቕን ሶርያን ዘዳውብ ቦታታት ተሓቢኡ ይህሉ ይብሃል።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ብ28 ግንቦት ዘካየዶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ይኸውን ኢሉ። ናይ መንግስቲ ኢራን ብዓል ስልጣን ግን ብርግጽ ድሕሪ እቲ ናይ ሩስያ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ'ዩ ኢሉ።

እንተኾነ ቅድሚ እዚ ናይ ሩስያ መግለጺ ብዛዕባ ሞቱ'ውን ተቓሊሑ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እዚ ናይ ኣል-ባቕዳዲ ሞት ብዓይኒ ምጥርጣር ክንሪኦ ኣሎና ድማ ኢሉ ሓደ ብዓልስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣልባቕዳዲ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ዘዳዉብ ከባቢታት ተሓቢኡ ከይህሉ ጥርጣረታት ኣለዉ።

ትንታነ፡ ሞራላዊ ደገፍ ንኣይ ኤስ

ስለዚ መራሒ ኣይ ኤስ ኣል-ባቕዳዲ ጌና ብህይወት ኢዩ ዘሎ፡ ወይ ድማ ስጋብ ነሓሰ (2017) ብህይወት ከምዝንበረ የርኢ።

ናይ ስለያ ትካላት ሃገራት ምዕራብን መንግስቲ ዒራቕን ኩሉ ግዜ፡ እቲ መንግስቲ ሩስያ ቀቲልናዮ ዝበልዎ ብዓይኒ ምጥርጣር ኢዮም ክርእይዎ ጸኒሖም።

ስለዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ብሂወት ኣሎ ዝብል ወረ፡ ንዕጡቓት ኣይ ኤስ፡ ነታ ኣብ ሶርያ እትርከብ ከተማ ራካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከጽንሕዋ ንእሽቶ ሞራል ክህቦም ኢዩ። እንተኾነ ዋላ ሓደ ስትራተጅያዊ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ።

ልክዕ ከም መራሒ ኣል ቓዒዳ፡ ዶክተር ኣይማን ኣል-ዘዋሂር፡ እዚ ናይ ኣይ ኤስ መራሒ ኣበይ ከምዝቕመጥ ብሚስጥር ኢዩ ዝትሓዝ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ብቐጻሊ መግለጺ ዘይህብ።

ብጀካ ነቶም ዕጡቓት ምብራኽ፡ ዝኾነ መምርሒታት ብዛዕባ ዝኾነ ስርሒት ዘይህብ።ሓድሽ ካሴት ናይ ኣል-ባቕዳዲ ተዘርጊሑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት