ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር ግቡኡ ኣይፈፀመን ተባሂሉ

ተመዛበልቲ ሮሂንጋውያን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኩሉ ነገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ብለይቲ ናብ ባንግላድሽ ዝጓዓዙ ሮሂንጋውያን

ኣብ ሚያንማር ዝርከብ ተወካሊ መሪሕነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ መሰል ሮሂንጋዊያን ንከይሕሎ ከምዘይተግሀ ቢቢሲ ዘካየዶ ምርመራ የረድእ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት በቲ ቅልውላው ኣዝዮም ናብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ሮሂንግያ ንኸይጎዓዓዝ እቲ ተወካሊ መሪሕነት፥ ጻዕርታት ከምዝገበረ'ውን ነባር መሪሕነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሮሂንጋውያን ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር መረበቶም ራሕሪሖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ባንግላድሽ ይርከቡ።

መሪሕነት ማይናማር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግና በቲ ጸብጻብ ፍጹም ከምዘይሰማማዕ ገሊጹ።

ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሮሂንጋውያን ናብ ባንግላድሽ ስደት ካብ ዝጀመሩላ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ብምቕራብ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ሰበ ስልጣናት በርማ ብምኹናን ድማ ብርቱን ተኸታተልታን መግለፂታት ኣውፂኡ ።

ምንጭታት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮኑ ኣባላት ካልኦት ትካላት ረድኤት ከምዝሕብርዎ፥

እቲ ቅልውላው ቅድሚ ምፍጣሩ፥ ኣብ ዘሎ 4 ዓመታት ውሽጢ፣ ብካናዳዊ ሬናታ ሎክ ደሳሊን ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ኣብ ማይናማር፤

  1. ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሮሂንጋዊያን ናብ ዘለውዎ ከባብታት ክይንቀሳቐሱ ኣተኣጓጒሉ።
  2. ኣብቲ ጉዳይ ህዝባዊ ግንዛበ ከይፍጠር ፅዒሩ።
  3. ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከይስዕብ ኢሎም ንዝተገደሱ ሰራሕተኛታት ክግለሉ ገይሩ።
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሮሂንጋውያን እንታወት'ዮም?

ቅድሚ 5 ዓመታት ኣብ መንጎ ኣመንቲ እስልምና ሮሂንግያን ኣመንቲ ቡዱሃ ራሂክንን ብዘጋጠመ ጎንጺ ልዕሊ 100 ሰባት መይቶም።

ልዕሊ 100 ሽሕ ሮሂንጋውያን ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ሲትዌ ተዓቝቦም ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ህልም ብልጭ ዝብል ጎንጺ ዝረአ እንትኸውን፥ ሓደ ዓማፂ ጉጅለ ሮሂንግያን ድማ ተመስሪቱ።

ብሰንኪ ቡዱሃ ራሂክን ናብ ሮሂንጋውያን ዝሓልፍ ረድኤት እናተዓናቐፈ መጺኡ'ዩ።

ኣብ ርእሲኡ መሰረታዊያን ሓገዛት ደቂ ሰባት ንዘቕርቡ እሞ ድማ ሓገዝ መንግስትን ማሕበረሰብ ብዱሃን ንዝጠልቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሬድኤትን ከቢድ ማሕለኻ ኮይኑ ዘሊቑ'ዩ።

ብተዛማዲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ሃገር ኣልቦነትን ሮሂንጋውያን ምዝራብ ንኣመንቲ ብዱሃ ከቐይም ይኽእል'ዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብንግላድሽ ምስ ስደተኛታት ሮሂንግያ ኣብ ግብግብ ትርከብ

ብመሰረት እቶም ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ መንቀልታት፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን፡ ወጥሪ ሮሂንጋውያን ሙስሊምን ኣመንቲ ቡድሃን ብዘላቕነት ክፍታሕ ዝኽእል ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ልምዓታት ብምግፋሕ'ዩ ናብ ዝብል ዘላቂ ፈታሕ በጺሖም።

ንሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሮሂንጋውያን ዓው ኢልካ ምዝራብ ዳርጋ ነውሪ ዝኾነሉ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ።

ሕሉፍ ሓሊፉ መንግስቲ በርማ ከም ህዝቢ ጥራሕ ኣፍልጦ ምሃብ ተሪፉ፥ ብሽሞም ሮሂንጋ ኢሉ ንኽጽውዖም ይጽየፍ። እንትደሊ ድማ 'ቤንጋሊስ' ኢሉ'ዩ የፅላእለኦም ነይሩ።

ብዙሓት ምንጭታት ኣብ ማይናማር ዝመደብረን ትካላት ረድኤት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡

ማይናማር ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ሮሂንጋውያን ክትሓትት ፍጹም ዘይሕለም ነይሩ።

ብሓጺሩ ኣብ ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት፣ ጸገማት ህዝቢ ሮሂንጋ ምውጋዕ ተቐባልነት ዘይብሉ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ሓደ ነባር ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ገሊጹ።

ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2015 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ፥ '' ዝተጸገሙ ምሕጋዝ ዶስ ዓፋኒ ስርዓት ምትብባዕ'' ብዝብል ርእሲ ተሓቲሙ ብምስጢር ኣብ ኢድ ቢቢሲ ዝኣተወ ጸብጻብ እንትምርመር፣ እቲ ውድብ ዝድህል ኮይኑ ተረኺቡ።

ብመሰረት እቲ ሕታም "ልዑል ጠመተ ዘድልዮ ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ዝነበሮም ኣካላት መንግስቲ ምርመራ ምክያድን" ዝብል ቀንዲ ዛዕባ ዕሽሽ ብምባል ጸገም እዞም ክልተ ህዝብታት ብዘላቕነት ዝፍተሐሉ ስትራቴጂ ጥራሕ ብምንጻር ሃሰው ዝብል ሰነድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ማይናማር ደሳሊን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሎም ሕቶ ነፂጎሞ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግና ኣብ ጉዳይ ራክሂን ምርመራ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቅድመ ምድላው ከምዝርከብ ሓደ ፍልፍል ሓበሬታ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት