ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ኣብ እትዓፅወሉ እዋን ልዕሊ 130 ሚሊዮን ዶላር ትሰእን

ሞባይል ዝሓዙ ሰባት
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ፈተናታት ተሰሪቖም እናወፅኡ እዯም ብዝብል ኣብ እዋን ፈተና ኣገልግሎት ኢንተርኔት ትዓፁ።

ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ኣብ እትዓፅወሉ እዋን ልዕሊ 130 ሚሊዮን ዶላር ምስኣና፡ ዓለም-ለኸ ምትሕብባር ፖሊሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

በቲ ዓለም-ለኻዊ ትካል ዝተኻየደ መፅናዕቲ፥ ስጉምቲ ምዕፃው ኢንተርኔት ኣብ ቁጠባ ሃገራት ዘስዕቦ ጉድኣት ብዝተፈላለዩ መዕቀኒታት'ዩ ዝመዝን። በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ን36 መዓልታት ኢንተርኔት ብምዕፃዋን ንሸውዓተ መዓልታት ጥራሕ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ምቁርራፅ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብድምር ልዕሊ 132 ሚልዮን ዶላር ስኢና ይብል።

ኢንተርኔት ኣብ ዝተቋረፀሎም እዋናት ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ዶላር ከምኡ'ውን መልእኽቲ መመሓላለፊ ኣፕሊኬሽናት ኣብ ዝተቖራረፁሉ እዋን ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 870 ሽሕ ዶላር ምስኣና ይግመት።

ኣብ 2015 ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኢንተርኔት ብምዕፃወን፡ እቲ ክፋል ኣፍሪካ ልዕሊ 237 ሚልዮን ዶላር ስኢኑ።

እቲ ትካል ከምዝሓበሮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፥ ንመዓልታት ዝኣክል ኢንትርኔት ክዕፆ ዝገበራ ሃገራት፡ ኣብ ቁጠበአን ዝገድፎ በሰላ ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ እዩ።

ኣብ 12 ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ፡ ኢንተርኔት ናይ ምዕፃው መንግስታዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ካብ ሞንጎአን ኣብተን 10 ጥራሕ ምርመራ ከምዝተገበረን ኣፍሊጡ።

ስጉምቲ ምዕፃው ኢንትርኔት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝውሰድ እኳ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ከአ ፈተና ከይስረቕ ብዝብል'ዩ ተዓጽዩ ነይሩ።

ቻድ፣ ጋቦን፣ ጋምቢያ፣ ኮንጎ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክን ኡጋንዳን ከኣ ንጉዳይ መረፃ ኣመኽንየን ኢንተርኔት ዝዓፀዋ እየን።

ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝለዓሉ ተቓውሞታት ኣብ ዝውሰድ ስጉምቲ ምዕፃው ኢንተርኔት እውን፡ ስም ኢትዮጵያ ተደጊሙ ተፀሪሑሎ (ተረቚሑ) ። ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰዳ ድማ ብሩንዲ፣ ማእኸላይ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ካሜሩን፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ማሊ፣ ኒጀርን ቶጎን እየን።

ካሜሩን ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ን93 መዓልታት ኢንተርኔት ከትዓፁ እንከላ ኢትዮጵያ ድማ ን36 መዓልታት ዓፅያ'ያ።

ምዕፃው ኢንትርኔት ተበፃሕነት መረዳእታን መሰላት ምዝራብን ብምፅቃጥ፥ መሰረታውያን መሰላት ዜጋታት ከምዝጥሕስ መፅናዕቲ ዘካየደ ትካል ገሊፁ።

ቁፅሪ ብዘይመረዳእታ ዘይርከብ ብምዃኑ ድማ ቁጠባዊ ምዕባለታት ምፅብፃብ ዝኸበደ ይኸውን።

ብምዃኑ'ውን ምዕፃው ኢንትርኔት ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ከምዝተኣጓጎል ይገብር። ኣብ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዘሎ ምትእምማን ከምዝንኪ ይገብር። ነቲ ስጉምቲ እትወስድ ሃገር ንሓደጋ ናይ ምቅላዕ ዕድ ዝለዓለ ምዃኑ ዘርእይን ክትግምገም ዝገብርን ምስሊ ይፈጥረላ። ከምኡ'ውን መዓልታዊ ንጥፈታት ደቂ-ሰባት የተዓናቕፍ።

ዓለም-ለኸ ምትሕብባር ፖሊሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ' ዝተብሃለ መፅናዕቲ ዘካየደ ትካል፡ ኣብ ምጥቃም ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ኮምፒተርን፡ ንምስላጥን ልምዓት ምንካይ ድኽነትን ኣድሂቡ ይሰርሕ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት