ኣፍሪካ ብምስሊ፡ ካብ መስከረም 22 - 28 /2010 ዓ/ም

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ዝነብሩ ኣፍሪካዊያንን ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያዊያን ዝምከቱ ሕሩያት ስእልታትን ምስልታትን እነሆ

ዕዱማት ካህናት፥ በዓለ መስቀል ዓጋመ- ዓድግራት። Image copyright ሓጎሰ ገብረማርያም

ዕዱማት ካህናት፥ በኣለ መስቀል ዓጋመ- ዓድግራት።

ኣብ በዓል መስቀል ዓጋመ ንምርኢት ዝቐረበ፥ 30 ሜትሮ ዝቑመቱ ሽግ። Image copyright ሓጎሰ ገብረማርያም

ኣብ በዓል መስቀል ዓጋመ- ዓድግራት ንምርኢት ዝቐረበ 30 ሜትሮ ዝቑመቱ ሽግ ዝተሸከሙ ሰባት።

ዕድምቲ ኪነጥበብ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ኬፕታውን። Image copyright AFP

ኣብ ወሰን ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪካ እትርከብ ከተማ ኬፕታውን ውሽጢ ዝተኸፈተ ማእከል ዓውደ ርእይ ኪነጥበብ፥ ዕድምቲ።

በዓል መስቀል ብድምቀት ካብ ዝኽበረሎም ከባብታት ኢትዮጵኣ ሓደ ኣብ ዝኾነ ጮምዓ መቐለ

በዓል መስቀል ብድምቀት ካብ ዝኽበረሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኣብ ዝኾነ ጮምዓ መቐለ፥ ተረኺቡ ብባህሊ መሰረት ምልክት መስቀል ኣብ ግንባሩ ዝገበረ መንእሰይ።

ፓስታር ማዋሪሬ መንግስቲ ፕረዚደንት ሙጋቤን ናይታ ሃገር ኣተሓሕዛ ቑጠባን ምንቃፎም ስዒቡ ዓመፅ ስለዝተልዓለ ተኸሲሶም፥ ኣብ ከተማ ኬፕታውን፥ ደቡብ ኣፍሪካ። Image copyright Reuters

ኣብ ወሰን ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪካ እትርከብ ከተማ ኬፕታውን ውሽጢ ዝተኸፈተ ማእከል ዓውደ ርእይ ኪነጥበብ ውሽጢ። ፓስተር ማዋሪሬ መንግስቲ ፕረዚደንት ሙጋቤን ናይታ ሃገር ኣተሓሕዛ ቑጠባን ምንቃፎም ስዒቡ ዓመፅ ስለዝተልዓለ ተኸሲሶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸብረ ባዓል መስቀል፥ ዘማርያን። Image copyright Reuters

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ዝተኸብረ በዓል መስቀል፥ ዘማርያን መዝሙር እንተቕርቡ።

ኣብ በዓል ደመራ ዝተዓደመ ነፋሒ ጥሩምባ። Image copyright Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኸበረ በዓል ደመራ ዕዱም ዝኾነ ቆልዓ ጥሩምባ እንትነፍሕ።

በዓል መስቀል፥ ሓቐኛ መስቀል ዃዒቱ ዝተረኸበሉ ምዓልቲ ንምዝካር ኣብ ኢትዮጵያ ትኸቢሩ ይውዕል። Image copyright Reuters

መስቀል፥ እቲ ሓቀኛ መስቀል ተዃዒቱ ዝተረኸበሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ዝውዕል ሃይማኖታዊ በዓል እዩ።

ኣብ መቓብር ቅድሚ 150 ዓመታት ካብ ጀልባ ጥሒሎም ዝሞቱ ሰባት፥ ዝተረኸበት ሴኔጋላዊት። Image copyright AFP/Getty Images

ኣብ ቅድሚ 150 ዓመታት ጁላ ካብ ዝተብሃለት ጀልባ ጥሒሎም ዝሞቱ ሰባት መቓብር ውሽጢ፥ ዝተረኸበት ሴኔጋላዊት።

ንፕረዚደንት ኣልበሺር፥ ኣቀባበል ዝገብራ ኣንሽቲ ምስ ዝተማላኽዑ ኣግማለን። Image copyright AFP/Getty Images

ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ሚልሻታት ንምርኣይ ዝመፁ ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ኣቀባብላ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዝተመላኽዓ ኣግማለን።

ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ምስ ዝወደቡዎ ምልሻ እቲ ኸባቢ። Image copyright AFP/Getty Images

ኣልበሽር እቲ ከባቢ ምልሻ ዝወደቡሉ ምኽንያት ፥ ዓመፅቲ ክዋግኡን ኣብ ዕግርግር ምስ እትርከብ ሊብያ ዘዋስኖም ዶብ ንምሕላው እዩ።

በለስ ብኻፈር ዝተሸከመ ቆልዓን ጥሕሎ እትሰርሕ ወይዘሮን ዘርኢ ቅርፂ፥ ኣብ ማእኸል ጎደና ዓድግራት። Image copyright ሓጎስ ገብረማርያም

በለስ ብከፈር ዝተሸከመ ቆልዓን ጥሕሎ እትሰርሕ ሰበይትን ዘርኢ ቅርፂ፥ ኣብ ማእኸል ከተማ ዓድግራት።

እቶም ምስልታት ካብ ኤኤፍፒን ሮይተርስን ዝተረኸቡ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት