ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪኢላታት ምጽራይ ገበናት ኵናት ንየመን ክሰድድ ይሰማማዕ

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ብሳላ ህጹጽ ሓገዝ ሂወት ገሊኦም ህጻውንቲ ቀጺሉ'ሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብታ ሃገር ብኹሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ገበናት ኵናት ተፈጺሙ'ሎ ዝብል ክሲ ዘጻርዩ መርመርቲ ክሰድድ ተሰማሚዑ።

ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ምርኡያት' ኪኢላታት ዘለውዎ ጉጅለ ንምቛም ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ውሳነ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ናይ ኣዕራብ ሃገራትን ብዙሕ ውረድ-ደይብ ዝተገብረሉ'ዩ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን፡ ብማእከላይ መንግስቲ የመን ዝእዘዙ ሓይልታት ኣንጻር ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሑቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት ይድግፍ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ መጋቢት 2015 ጥራይ፡ ኣብቲ ኵናት 60% ካብኦም ሰላማውያን ሰባት ዝኾኑ ልዕሊ 8,530 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 48,800 ድማ በቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብን ኣብ መሬት ዝካይድ ዘሎ ረጽሚን ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ግጭት፡ ንኣስታት 20.7 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ጌርዎም ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ምግቢ ህጹጽ ረዲኤት ዘድለየሉ ኩነታት ከምዝፈጠረን፡ ካብ ሚያዝያ ኣትሒዙ ልዕሊ 700,000 ንለበዳ ሕማም ሾሮኽ ከምዝቃልዑ ጌርዎም'ዩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 8,500 ሰባት 60% ካብኣቶም ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ጀኔቫ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓደ ናይ "ምርኡያት ዓለምለኻውያንን ዞባውያንን ኪኢላታት" ጉጅለ፡ "ንኹሎም እቶም [ኣብ የመን] ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ዓለምለኻውያን ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጻትን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝተሓሓዙ ጉዳያት" ከጻሪ'ዩ።

እቲ ጉጅለ፡ "ምስቲ ተፈጹሙ ዝበሃል ግህሰትን ዓመጽን ዝተሓሓዙ ሓቅታት ብምጥላል ነቶም ፈጸምቱ ከለሊዮም" መዝነት ከምዝተዋህቦ ተሓቢሩ።

እቲ ውሳነ፡ ድሕሪ'ቲ ብገለ ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ካናዳን ኣጻራዪ ሽማግለ ክምስረት ዘቕረብዎ እማመ ድሕሪ ምስሓቡ፡ ዝጸደቐ'ዩ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብጉጅለ ናይ ኣዕራብ ሃገራት ዝቐረበ ኣማራጺ ሓሳብ፡ ሃገራት ኣዕራብ ባዕለን ሓደ ሰለስተ ኣባላት ዘለውዎ ሽማግለ ክለኣኽን ምስቲ መንግስቲ የመን ባዕሉ ዘካይዶ ምጽራይ ክተሓጋገዝን ዝብል እማመ'ውን፡ ተሳሒቡ'ዩ።

እታ እተጻሪ ኮሚሽን ከይትምስረት ኣጸቢቓ ዝጎስጎሰት ሱዕዲ ዓረብ፡ ነተን ነቲ ኮምሽን ክምስረት ዝደገፋ ሃገራት ናይ ንግዲ እገዳ ክትገብረለን ከም እትኽእል ከም ዘፈራረሕትን፡ ድሕሪ'ቲ ውሳነ ንዓዲ እንግሊዝ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳን ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምድጋፈን ከምዘመጎሰተን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ድኹም ውሳነ ንብዙሓት ኣጻራዪ ኮምሽን ክምስረት ዝጠለቡ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከጉህዮም ከምዝኽእል፡ ወኪል ቢቢሲ ኢሞገን ፎልከስ ካብ ጄነቫ ሓቢሩ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኣብቲ ኩናት ዝተሳተፉ ወገናት ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሶም እዮም

ኣብ የመን፡ ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንጻር ሰብን ብዘይ ዝኾነ ተሓታትነት ይፍጸሙ ኣለዉ ብምባል፡ እቶም ተሓለቕቲ ይኸሱ። እቲ ንብዙሓት ተንኪፉ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሾሮኽ'ውን ብሰንኪ'ቲ ግጭት ዝሰዓበ'ዩ ይብሉ።

በዓል መዚ ሰባዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይድ ራድ ኣል ሑሴን'ውን፡ ርትዓውነት እቲ ብመንግስቲ የመን ክካይድ ዝኽእል ምጽራይ ዘተኣማምን ክኸውን ዘለዎ ምጥርጣር ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣጻራዪ ኮምሽን ክምስረት ሓቲቱ ነይሩ።

ዓርቢ፡ ቅድሚ እቲ ውሳነ ምሕላፉ፡ ዓለምለኻዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 'ኣዝዩ ዓቢ" ዝኾነ ቁጽሪ ሰላማውያን ሰባት ብኹሎም ኣብቲ ኵናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ይቕተሉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ቀይሕ መስቀል ከምዝበሎ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ የመን ሰባዊ መቕዘፍቲ ይካየድ ከምዘሎ ከም ዘጠንቀቕን፡ ብሰንኪ'ዚ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት'ዚ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ሾሮኽ ዝተጠቕዑ ሰባት ናብ 900,000 ክብ ክብል'ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት