ጉዳይ ቁጽሪ እኩብ ሰብ ውዑይ ኣርእስቲ'ዩ።

ካታሎናውያን ኣብ ዓርሰ ውሳነ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዝሒ ኣብ ሓደ ቦታ ዝእከብ ህዝቢ ምግማት ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እዚ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ጽንብል ናይቲ ስልጣን ብወግዒ ዝተረከበሉ ዕለት ዝተኣከበ ህዝቢ ንመራኸቢ ብዙሃን ከሲሱ ነይሩ።

እዚ ዝኾነሉ፡ ብዝሒ ተሳታፋይ ጽምብል ናይቲ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኦባማ ካብ ናቱ ዝበዝሕ ምንባሩ ዘርኢ ንጹር ስእሊ ስለዘውጽኡ'ዩ።

ብመሰረት ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን፡ እቲ ትራምፕ 1.5ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ነይሩ ኢሉ ዝገለጾ፡ ካብ 500 000 ዝሓልፍ ከምዘይነበረ'ዩ ዝፍለጥ። ከመይ ጌሮም ግን ክግምግምዎ ኪኢሎም?

ኪኢላታት ከም ዝብልዎ እኩብ ህዝቢ ምግምጋም ብፍላይ ኣብ ፓለቲካዊ ኣጋጣሚታት ናይ ብሓቂ በደሂ ነገር'ዩ። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ብዝሒ ሰብ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀሙሉ ስለዝደልዩ።

ኣብ ምንቅስቓስ ዘሎ ህዝቢ'ውን ብተመሳሳሊ ክትግምግሞ የጸግም'ዩ። ይኹን'ምበር እቶም ኪኢላታት ገምጋም ንምግባር ይሕግዙ'ዮም ዝብልዎም ኣገባባት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡

1. መሰረታውያን ሕቶታት ምሕታት

ስፓርታዊ ውድድራትን ምርኢታትን (ኮንሰርት) ብቐሊሉ ክትግምግሞም ዝከኣል'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ ሜዳታትን ቅርዓታትን (ኣረና) ግቡእ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ስለዝግበረሎም፡ መእተዊ ትኬታት ቁጽሮም ድሩት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ህዝቢ ብመእተዊ ኣፍደገታት ክሓልፍ እንከሎ'ውን ክትቆጽሮ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ከምዚ'ዩ ማለት ኣይኮነን።

2. ዓቐን (ስፍሓት) ናይቲ ቦታን ጻዕቂ ሰብን ምፍላጥ

ዓቐን ናይቲ ህዝቢ ተኣኪቡሉ ዘሎ ቦታ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። እዚ ኣብ ካርታ ወይ ድማ ቅድሚ ይኹን ድሕሪ እቲ ጉዳይ ብኣካል ኬድካ ነቲ ቦታ ብምዕቃን ክግበር ይከኣል። ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ፡ መጠን ናይቲ ዝተታሕዘ ቦታ ምግምጋም የድሊ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ማዕኸናት ዜና ዓለም ቁፅሪ እኩብ ህዝቢ ንምንፃር ዝተፈላለዩ ኣገባባት ስለዝጥቀማ ኣዘራራቢ ጉዳይ ይኸውን

3. "ጃኮብስ ክራውድ ፎርሙላ" ዝበሃል ቀመር (ኣገባብ) ምጥቃም

እዚ ነቲ ዝተታሕዘ ቦታ ናብ ትርቢዒታት (ግሪድ) ምምቃልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርብዒቶ ዘሎ ጻዕቂ ሰባት ክትግምግም ምኽኣልን የማልእ። እዚ ብዓውደ ጋዜጠኝነት ፕሮፌሰር ዝኾነ ሀርበርት ጃኮብስ ዝተማህዘ ቀመር (ፎርሙላ) ከምዝብሎ፡

ሓደ "ስሑው እኩብ" ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ ዝርከቦ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ "ጽዑቕ እኩብ" ዝበሃል ድማ 2.5 ሰባት ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ ዘለዎ'ዩ።

እቲ "ጥርኑቕ እኩብ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከኣ፡ ፍሕት መበሊ ዘይርከቦ፡ 4 ሰባት ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ ዝርከቡሉ'ዩ።

እቲ ትሑዝ ቦታ ክሳብ ክንደይ ከምዝሰፍሕን ጻዕቂ ናይቲ እኩብ ሰብ እንተድኣ ፈሊጥካ፡ ጽቡቕ ዝኾነ ገምጋም ናይ ብምልኡ እቲ እኩብ ሰብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

4. ስእልታት ምጥቃም

ዝለዓለ ንጽረት (ረዘሉሽን) ዘለዎ ናይ ኣየርን ሳተላይትን ስእልታትት'ውን ርእሲ ናይቶም እኩባት ሰባት ንምቑጻር ክሕግዝ ይኽእል'ዩ። ነዚ ብቐጥታ ክገብር ዝኽእል ረቂቕ ናይ ኮምቲተር ንዋት (ሶፍትዌር)'ውን ተማሂዙ'ሎ። እንተ ዘይኮይኑ'ውን ናይ ጃኮብስ ቀመር ምጥቃም ይከኣል።

እቲ ጸገም ናይ ስእልታት ምጥቃም ግን፡ እቲ ብእኩብ ሰብ ዝተታሕዘ ቦታ ዘይስሩዕን፡ ካብ ዓይኒ ካሜራ ዝተኸወለን ክኸውን ስለዝኽእልን'ዩ። ገሊኡ ብኣእዋምን ህንጻታትን ዝተኸወለ ይኸውን፡ ገሊኡ ድማ ጸልማት ክኸውን ይኽእል።

5. ተንቀሳቓሲ እኩብ ንምቑጻር "ሓደ ነጥቢ" (ዋን ፖይንት) ዝበሃል ኣገባብ ምጥቃም

እዚ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ እቲ ተንቀሰቓሲ ህዝቢ ዝሓልፈሉ ነቑጣ (ቦታ) ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ክንደይ ሰባት ከምዝሓልፉ ብምፍላጥ፡ ምስቲ ብምልኡ እቲ እኩብ ሰብ፡ በታ ነጥቢ (ቦታ) ክሓልፍ ዝወሰደሉ ድምር ግዜ ብምዝማድ፡ ቁጽሪ ናይቲ እኩብ ክግምገም ይከኣል።

ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ፡ መንቅብ ዘይብሎም'ዮም ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግና ነቲ ብዛዕባ እኩብ ሰብ ዝበሃል ደረቱ ዝሓለፈ መግለጺታት ንምቅላዕ ክሕግዙ ይኽእሉ'ዮም።