ፖሊስ፡ እቲ ቀታሊ፡ ነቲ ገበን ክፍፅም ዘለዓዓሎ ምኽንያት ክምርምር ጀሚሩ

ሰባት ድምፂ ተኹሲ ሰሚዖም እንትሃድሙ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ቁፅሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን እናወሰኸ መፂኡ

ፖሊስ ጠንቂ ናይቲ ህይወት 59 ሰባት ዝቐዘፈን ካልኦት 527 ዘቑሰለን ጃምላዊ መጥቃቲ ብረት ላስ ቬጋስ ንምጽራይ ይሰርሑ ኣለዉ።

ወዲ 64 ዓመት ስቴፈን ፓዶክ ዝተባህለ ዕጡቕ፡ ብሰንበት 01 ጥቅምቲ፡ ኣብ መበል 32 ደርቢ ህንጻ ማንዳለይ በይ ዝተባህለ ሆቴል ኣብ ዝነበር ናይ ሙዚቃ ምርኢት'ዩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙዎ። ድሕርቲ መጥቃዕቲ፡

ፖሊስ ኣብ ናይ ሆቴል ክፍሉ 16 ብረት ኣብ ናይ ኔቫዳ ገዝኡ ከኣ ካብ 18 ዝበዝሕ ብረታት ረኺቦም። መበገሲ ናይቲ መጥቃዕቲ ግን ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።

እቲ ንባዕሉ እስላማዊ መንግስቲ (እስላሚክ ስተይት) ኢሉ ዝጽውዕ ባእታ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ'ኳ እንተሓበረ፡ መርመርቲ ፖሊስ ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ግብረ ሽበራ ዘተኣሳስር ነገር ኣይረኸቡሉን።

ገለ መርመርቲ፡ ምስ ናይ ኣእምሮ ሽግር'ኳ እንተተሓሓዙዎ መረጋገጺ ግን ኣይተረኽቦን።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ (ቤተ መንግስቲ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ውጹእ ሰይጣናዊነት" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ።

ብዛዕባቲ ቀታሊ እንታይ ንፈልጥ?

ስቴፈን ፓዶክ ኣብታ ሰሜን ካብ ላስ ቬጋስ እትርከብ መስኪዩት ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ዝርከብ መንበሪ ኣበይቲ እዩ ዝነብር ነይሩ። ምስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጃፓን እትርከብ ማሪሉ ዳንሊ ዝተባህለት ሰበይቲ ይነብር ከምዝነበረ ድማ ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣዛዚ ፖሊስ ላስ ቬጋስ ጆሴፍ ሎምባርዶ ከምዝሓበሮ፡ ፖሊስ ተወሳኺ 18 ብረታትን ገለ ተተኮስትን ብኣሽሓት ዝቑጸር ጠያይትን ከምኡውን አለክትሮኒካዊ መሳርሕታትን ኣብቲ ገዛ ረኺቦም ይምርምርዎ ኣለዉ። ኣሞኒየም ናይትሬት ዝተባህለ ንጥረ ነገር'ውን ኣብ መኪና ፓዶክ ረኺቦም።

እቲ ስዋት ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ፖሊስ ድማ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኔቫዳ ዝርከብ ካልእ ገዛ ንምፍታሽ መጻወድያታት ከይህሉ ኣቐዲሞም የጻርዩ ኣለዉ።

Image copyright Paddock family
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕጡቕ ተጠርጣሪ ስቴፈን ፓዶክ - ዝፀንሐ ምስሉ

ሓደ ካብቶ ኒው ፍሮንቴር ኣርሞርይ ዝተባህለ ሓይሊ ዝኾነ ዴቪድ ፋሚግሌቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ፓዶክ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ኣብ ሰሜናዊ ላስ ቬጋስ ካብ ዝርከብ መሸጢ ብረት ብረታት ገዝኡ ምንባሮ ሓቢሩ።

ነዚ ክገብር ድማ ኩሉ ሕጋዊ ቅጥዕታት ዋላ'ቲ ናይ ኤፍቢኣይ ናይ ድሕረ-ባይታ መጽናዕቲ ከይተረፈ ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ይብል ንሱ፡ እቲ ፓዶክ ዝገዝኦ ሾትጋን ዝበሃል ዓይነት ብረት ብዘይ ገለ ምምሕያሻት (ሞዲፊኬሽን) ነዚ ዝረኣናዮ ዝሰማዕናዮን ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝኽእል ኣይኮነን ኢሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ላስ ቬጋስ ጆሴፍ ሎምባርዶ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "በይኑ ናይ ዝሃድን ተኹላ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

እስላማዊ ስቴት፡ ፓዶክ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሃይማኖት ምስልምና ከምልኽ ከምዝጀመረ ብምግላጽ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምስኡ ብምትሕብባር ከምዝፈጸሞ ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ጉጅለ ዝሃቦ መረጋገጺ የለን። እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ኸምዝሃበ ይፍለጥ።

ኣባል ኤፍቢኣይ ፍኩይ ኣጀንት ዝኾነ ኣሮን ራውስ "ክሳብ ሕጂ እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ምስ ዝኾነ ይኹን ዓለም ለኻዊ ውድብ ግብረ ሽበራ ርክብ ከምዘይብሉ ኣረጋጊጽና ኣለና" ክብል ንሮይቶርስ ሓቢሩ።

Image copyright BBC/Laura Bicker
ናይ ምስሊ መግለጺ ጥቓ ላስቬጋስ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ስቴፈን ፓዶክ

ንጂሃዳዊ ጉጅለታ እትከታተል ሚና ኣል ላሚ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ እዚ ናይ ኣይ ኤስ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ምውሳድ ብጣዕሚ ዘይለሙድ ነገር'ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ድሕረ-ባይታ ናይቲ ኣጥቃዓይ ምስ ባህርያት ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ኣይመሳሰልን እዩ ኢላ። ነብሰ-ቅትለቱ ድማ "ዘይእስላማዊ" ተባሂሉ ክግለጽ ይኽእል ትብል።

ጂሃዳዊ ነብሰ-ቅትለት እቲ ፈጻሚኡ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ህዝቢ ንምልካም ይዕልም።

እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ተበጊሱ?

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን እቲ ምርኢት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ።

ብመሰረት ፖሊስ ፓዶክ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ'ዩ፡ ማለት 28 መስከረም ኣብቲ ሆቴል ክፍሊ ሒዙ። ብስም ዳንሊ ከምዝተመዝገበ ድማ ይሕበር።

ላምባርዶ፡ ኣብቲ ክልተ መደቀሲ ዘለዎ ክፍሊ 10 ባልጃታት ከምዝተረኽበ ሓቢሩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከምዝበለዎ ቀዳም ምሸት ኣሽሓት ሰባት በቲ ብደራፋይ ጃሰን ኣልደያን ዝቐርብ ዝነበረ ምርኢት እናተደሰቱ እንከለዉ'ዩ ኣውቶማቲክ ቶኽሲ ተኸፊቱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣማኢት ዝግመቱ ዕዱማት'ቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ተኸታታሊ ተኹሲ ምስተሰምዐ ሓፁር እናዘለሉ ክሕብኡ ፈቲኖም

ኣማኢት ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ፡ ፓዶክ፡ ኣብ ሓደ ልዕል ዝበለ ቦታ ኮይኑ'ዩ ብጠያይት ተሳሂልዎም። ካብ ሓደ መስኮት ናብቲ ሓደ እናተዛወረ ድማ'ዩ ነቲ መጥቃዕቱ ቀጺሉዎ።

"ሓደ ኩሉ ነብሱ ብደም ዝጨቀወ ሰብኣይ ምስ ረኣኹ'የ ዓዲ ደሓን ዘይምዃኑ ዝፈለጥኩ" ክብል ማይክ ቶምፕሰን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት እንታዎት'ዮም?

ሰበስልጣን ገና መንነት ናይቶ 58 ግዳያት ኣየጻረይዎን ዘለዉ። ክሳብ ሕጂ ወዲ 23 ጆርዳን ማክልዱን ካብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ጥራይ ብሲቢኤስ ኒውስ ተለልዩ ኣሎ።

ከምኡውን ነርስ ሶኒ መልተን ካብ ቢግ ሳንዲ ተነሲስ ምዃና ተፈሊጣ'ላ።

ኔቫዳ እንታይ ዓይነት ሕጊ ናይ ብረት ኣለዋ?

ኔቫዳ ሓደ ካብቲ ዝተሓተ ሕጊ ብረት ናይ ኣሜሪካ ኣለዋ። ሰባት ከም ወነንቲ ብረት ከይተመዝገቡ ብረት ክሕዙ ይፍቀደሎም። ሰባት ብረት ኣብ ዝገዝእሉ እዋን ድሕረ-ባይታዊ ምርመራ ይግበረሎም፡ እንተኾነ ንኻልእ ሰብ ክሸጥዎ ድማ ይፍቀደሎም።

ንባዕሉ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ካብ መጥቃዕቲ ዝደሓነ ናይ ቀደም ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ገብሪኤላ ጊፎርድ፡ ፖለቲካውያን ሓለፍቲ፡ ጽኑዕ ቁጽጽር ብረት ከተኣታትዉ ጸዊዑ'ሎ።

በዓል ቤታ ማርክ ኬሊ ኣብ ዘንበቦ ናይ ክልቲኦም ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ ጸሎትን ምድንጋጻትን ዋይት ሃውስ ንዝቕጽል መጥቃዕቲ ክዓግቱ ኣይክእሉን እዮም ኢሉ።