ካሜሮን ሕቶ ምንጻል ኣብ ዘልዓሉ ከባቢታት ግልጋሎት ኢንተርኔት ዓጽያ።

Image copyright SEYLLOU
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ገለ ክፋል ካሜሮን ኢንተርኔት ተዓጽዩ።

መንግስቲ ካሜሮን ሕቶ ምንጻል ኣብ ዘልዓሉ ከባቢታት ግልጋሎት ኢነትርኔት ዓጽዩዎ'ሎ።

መንግስቲ እታ ሃገር ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ከካይድዎ ድሕሪ ዝቐነዩ ተደጋጋሚ ተቓውሞ ምንጻል ሲዒቡ'ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንናጽነት ደጊፎም ሰልፊ ዘካየዱ ሰባት ብዘወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 8 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ከተማ ባመንዳ፡ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሰባት ኮነ መካይን ከምዘየለ ሪፖርተር ቢቢሲ ካብቲ እቲ ከባቢ ጸብጺቡ።

ሰብ መዚ ካሜሮን ቅድሚ ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ግልጋሎት ኢንተርኔት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዓጺዮሞ ምንባሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሓይልታት ጸጥታ፡ ብውሑዱ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ዝገልጽ መራሒ ተቓውሞ ጆን ፍሩ ኒዲ፣ ብሰንኪ እቲ ናይ ሰንበት ጎንጺ 50 ሰባት ቆሲሎምን ኣስታት 200 ሚኢቲ ድማ ከምዝተኣሰሩን ገሊጹ።

ወዲ 84 ዓመት ፕሬዚደንት ካሜሮን ፓውል ብያ ነቲ ተቓውሞ ብምኹናን ተቓወምቲ ሓሳባቶም ብልዝብ ንክፈትሑ ጸዊዖም።

ሃገራት ማእኸላይ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎአን ምፍንጫል ከጋጥመን ዝጀመረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስ ኣኽተመ'ዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን 8 ሰባት ቀቲሎም

ካሜሮን፡ ብጀርመን ክትግዛእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስተዛዘመ ድማ ተዓወትቲ እቲ ኵናት ንዝነበራ ኢንግሊዝን ፈረንሳይን ተዋሂባ።

ብ1961 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ድማ ክተወሃሃድ ኪኢላ።

ካብዚ ግዜ ጀሚሩ'ዩ እምበኣር ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኢንግሊዝ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ካሜሮናውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ይጓነዩ ከምዘለዉ ተቓውሞኦም እናስምዑ ዝመጽኡ።

ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ካሜሮናውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ" ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ፍርድን ብቋንቋ ፈረንሳይ ክመሃሩን ክዳነዩን ይግደዱ ከምዘለዉ ተቓውምኦም እናስምዑ ጸኒሖም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል መበል 56 ዓመት ውህደት ካሜሮን፡ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኻዱ ተቓውሞታት ዝተኣሰሩ ሰባት ንኽፍትሑ ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

ኣውራ ወሃቢ ግልጋሎት ኢንተርኔት ካሜሮን ኤምቲኤን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣጋምሸት፡ ንዓማዊሉ ጸገም ኢንተርኔት ከምዘጋጠሞ ብመልእኽቲ መቐበሊ ኣቢሉ ሊኢኹ።

ይኹን እምበር መብዛሕትኦም፣ በቲ ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ ስግኣት ዝሓደሮ መንግስቲ እታ ሃገር ኮነ ኢሉ ከምዝዓጸዎ ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት