ካታሎናውያን ብድምጾም ናጽነት ከምዝእውጁ ይገልጹ

ተቓውሞ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቓወምቲ ኣብ ደገ ኣፍ ፖሊስ ጣብያ ዝርከብ ጽርግያ ዓጽዮም

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካቶሎንያ ነጻነታ ክትእውጅ ምዃና መራሒ'ታ ነጻ ምምሕዳር ብሰሉስ 3 ጥቅምቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቻርለስ ፕዩግዲሞንት፡ መራሒ ናይታ ነጻ ምምሕዳር፡ ብዛዕባ ናይ ሰንበት ህዝበ ወሳነ (ረፈረንደም) ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት፡ "መንግስቱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ወይ ድማ መጀመርታ ናይ ዝመጽእ ሰሙን ስጉምቲ ክውስድ ኢዩ" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ናይ ስፐይን ንጉስ ፍሊፕ ሻዱሻይ እቶም ወደብቲ ናይቲ ህዝበ ውሳነ "ካብ ሕጊ ወጻኢ ኢዮም ነይሮም" ኢሉ። እቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኩነታት ድማ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ኢዩ ድሕሪ ምባል ንሓድነት ህዝቢ ጸዊዑ።

ኣማኢት ኣሽሓት ደቂ ካቶሎንያ ኣንጻር እቲ ፖሊስ ኣብ ግዜ ምድማጽ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ታቓውምኦም ኣስሚዖም። ኣስታት 900 ዝኾኑ ድማ ተሃስዮም። ናይቲ ከባቢ ኣባላት ሕክምና ከምዝበልዎ ድማ 33 ኣባላት ፖሊስ ኣብ እዋን ምርጫ ከምዝተጎድኡ ገሊጾም።

እንተድኣ መንግስቲ ስፐይን ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ አእትዩን፡ ንኹሉ ምንቅስቓስ መንግስቲ

ካቶሎንያ ክቆጻጸሮ ፈቲኑን መንግስቱ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝብል ሕቶ ቢቢሲ ክምልስ ከ'ሎ፡ ፕሬዚደንት ካቶሎንያቻርለስ ፕዩግዲሞንት፡ "ከምኡ እንተድኣ ገይሮም እቲ ጌግኦም ንኹሉ ነገራት ክቕይሮ እዩ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ማድሪድን መንግስቱን ዝኾነ ርክብ ከምዘይተኻየደ ኣረጋጊጹ።

ምስቲ ብሰኑይ 2 ጥቅምቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብ ካቶሎንያ ዘሎ ኩነታት ውሽጣዊ ጉዳይ ስፐይን እዩ ዝበልዎ ከም ዘይሰማማዕ ድማ ገሊጹ።

Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንሓድነት ዝጽውዕ መደረ ንጉስ ፈሊፔ ኣብ ተሌቭዥን

ፕረዚደንት ፕዩግዲሞንት ቅድሚ ናይ ስፐይን ንጉስ መደረ ኢዩ ነዚኹሉ ኢልዎ።

ንጉስ ፊሊፕ ኣብ ቴሌቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡እቶም ነቲ ህዝበ ውሳነ ዝወደቡ መራሕቲ ካቶሎንያ "ንሕገመንግስቲ ናይ ስፐይን ዝኾነ ክብረት ኣየርኣይዎን" ድማ ኢሉ። "ንዴሞክራስያዊ መትከላትን ንግዝኣተ ሕግን ድማጥሒሶም" ድማ ኢሉ።

"ሎሚ ሓድነት ህዝቢ ካቶሎንያ ነቒዑ ኢዩ" ዝበለ እቲ ንጉስ፡ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ንቑጠባ ናይታ ብልጽግቲ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕን ንብምልእታ ስፐይንን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ስፐይን ከም ሃገር "ነቲ ሽግር ክትምክቶ ኢያ" ኢሉ።

እቲ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ ዘይሕጋዊ'ዩ ብምባል ኣይተቐበሎን።

እቲ ንጉስ ዘየልዓሎ ጉዳያት

ንጉስ ፊሊፕ መደርኡ ምስወደአ፡ ኣብ ባራት ዝነበሩ ተቐማጦ ካቶሎንያ፡ ነቲ ጣውላታት ናብ ከበሮ ብምቕያር ክድስቕዎን ብምስትንዓቕ ድማ ከፋጽዩን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ንቡር ዝርርብ ኣትዮም፡ ንጉስ ፊሊፕ ነቲ መደረ ክገብሮ ኣይነበሮን ድማ ኢሎም።

ብፍላይ፡ ብዛዕባ ናይ ፖሊስ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ኣድመጽቲ ዘካየዶ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝመልኦ ማህረምትን፡ መንግስቱ ምስ ካቶሎንያውያን ኣብ ዘተ ዘይምእታውን፡ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ጽምኢ ናጽነት ህዝቢ ካቶሎንያን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ሕጋዊ ህዝበ-ውሳነን ዘየምዝራቡ ነቲ ህዝቢ ኣደንጽይዎ።

በንጻሩ እቲ ንጉስ ብዛዕባ መርገጺ እቲ መንግስትን፡ ጽኑዕ ተቓውሞ ኣንጻር እቲ ምርጫን ድሕሪ ምግላጽ፡ መራሕቲ ካቶሎንያ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኢዩ ኢሉ።

ናይ ህዝቢ ስፐይን ብደሞክራሲ ብሓባር ናይ ምንባር ውሕስነት ድማ ብመንግስቲ ስፐይን ኢዩ ዝውሰን ኢሉ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ባር ዝነበረ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ነቲ ንኽልቲኡ ወገን ናብ ዝርርብ ዘእቱ ዕድላት ተሳሒቱ ኣሎ ኢሉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ 'ሓይልታት ዓፈና ይውጹልና' ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ተቃወምቲ መንግስቲ ስፐይን ኣብ ጽርግያ

ካልእ ከምዝበሎ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዝበሎ ነቲ ኩነታት ዝሕግዝ ኣይነበረን። ብወገነይ እቲ ንጉስ ጨሪሱ ጣልቃ ክኣቱ ኣይነበሮን፡ ብውሕዱ ግና ብዛዕባ እቲ ህውከት ገለ ክብል ነይርዎ ኢሉ።

ኣብ ምሉእ ካቶሎንያ ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ቀንዩ።

ኣብ ባርሶሌና ጥራይ ኣስታት 700,000 ህዝቢ ዝተኻፈሎ ሰልፊ ተኻይዱ። ናይታ ከተማ ፖሊሲ ንኤኤፍፒ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝሓበርዎ። እዚ ድማ ብናይ ማድሪድ ሰበስልጣናት ተረጋጊጹ'ዩ።

ኣጥፋእቲ ሓዊ`ውን ምስ ህዝቢ ብምጽንባር ተቓውምኦም ገሊጾም።

ኣብታ ከተማ ዝተተኽሉ ልዕሊ 50 ዝኾኑ መዕጸዊ ጽርግያታት ድማ ምጽቕቓጥ መካይን ፈጢሩ።

ማሕበራት ሰራሕተኛታተ ከምዝበልኦ፡ ኣብ ወደብ ባርሴሎና ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣይተራእየን።

ናይ ቱሪስት ምስሕብ ዝብሃላ ቦታታት ድማ ተዓጽየን፡ እንተላይ እቲ ፍሉጥ ቤተ ክርስትያን ሳጋርዳ ፋሚሊያ። ማርካባርና ዝተባህለ ዓቢ ናይ ዕዳጋ ቦታ`ውን ጨሪሱ ተታኺሱ'ዩ፡ ዳርጋ 700 ዝኾና ትካላት ቤት መግቢ እውን ተዓጽየን ነይረን።

እንተኾነ፡ ቀንዲ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ - ኤልፕራትን ታክሲታትን ግና ንቡር ኣገልግሎት ይህባ ነይረን። ብሰንበት ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ትካላትን`ውን ተዓጽየን ነይረን።

ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኮለጃትን ናይ ጥዕና ትካላትን ተዓጸየን ወይ ድማ ትሑት ኣገልግሎት ጥራሕ ይህባ ነይረን። ድሕሪ እቲ ብሰንበት ዝተራእየ ልዑል ምግሃስ መሰላት'ዩ ድማ እቲ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ዝተጸወዐ።

ገለ ኣባላት ፖሊስ ናይ ጎማ ጥይት ክትኩሱን ናብ ናይ መድመጺ ንቑጣታት ብምእታዎ ንደቀንስትዮ ብጸጉረን ክስሕብወን ተራእዮም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ መጓዓዝያ ባቡር ባርሴሎና ዝህቦ ግልጋሎት ክንኪ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ስለምንታይ ናይ ካቶሎናውያን ስምዒታት ጫፍ በጺሑ

ቀዳማይ ምኒስተር ስፐይን ማርያኖ ራጆይ እቲ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተኻየደ "ባጫ" ኢዩ ኢሎም።

ትማሊ ሰሉስ ከኣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኩዋን ኢናስዮዞውድዮ፡ ነቲ መንግስቲ ካቶሎንያ፡ ነቲ ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ብምልዕዓል ነቲ ህዝቢ ናብ ሽግር ይሸምዎም ኣለው፡ ብዝኾነ ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ንከታትሎ ኣሎና ኢሎም።

መንግስቲ ድማ ኣንጻር'ቲ ዝርአ ዘሎ ዘየድሊ ምንቅስቓሳት ኩሉ ኣድላዪ ዝብሃል ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሶራያ ሳይንዝ ዴ ሳንትማሪያ ነቲ "ማፍያዊ" ጠባያት እቶም ተቓወምቲ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ቅድሚ እቶም ፖሊስ ስፐይን አዕሪፎምሉ ዝነበሩ ሆቴላት ዘርእይዎ ጠባያት ኮኒኖም፤ ካብቲ ቦታ ድማ ከልግሱ ጠሊቦም።

ብሰንበት፡ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ'ዩ ኣብቲ ህዝበ-ውሳነ ኣድሚጹ። ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ዕላዊ መግለጺ እንተዘይተዋህበ፡ መንግስቲ ካቶሎንያ ዳርጋ 90% ንናጽነት እዮም ኣድሚጾም ኢሎም።

እንተኾነ እቲ ድምጹ ክህብ ዝወጽአ ኣዝዩ ትሑት'ዩ ነይሩ። ከምቲ ዝብሃል ዳርጋ 42% ናይቲ ህዝቢ ኢዩ ከድምጽ ወጺኡ። እዚ ድማ ንመንግስቲ ፕዩግዲሞንት ብኣሉታ ክሃስዮ ኢዩ ይብሃል።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀንዲ መከፋፈሊ ሸቐጣ መቐጥ ባርሴሎና ብሰንኪ እቲ ዓመጻት ተዘሓሒሉ

ዝኾነ ኾይኑ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ነቲ ጉዳይ መዓልቦ ክረኽብሉ ይጽዕሩ ኣለው።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ፕዩግዲሞንት፡ ምስ መንግስቲ ማድሪድ ሓድሽ ምርድዳእ ክገብሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም ኣለዉ። እንተኾነ መንግስቲ ስፐይን ግና ነቲ ምምሕዳር ካቶሎንያ ከልግሶ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቶም ቡሪጅ ካብ ባርሴሎና ከምዝበሎ፡ ነቲ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ መስርሕ ምርጫን፡ ንናይቶም ከድምጹ ዝወጽኡ ቁጽርን ኣብ ግምት አእቲኻ እቲ ዝተዋህበ ቁጽሪ ድዕጺ ብዙሕ ዝእመን ኣይኮነ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት