''ኣብ ዝሓዝናዮ መለለዪ መንነት ምልክት ኦዳ እንትርእዩ የፈራርሑና"፥ ተወለድቲ ኦሮሞ

ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ Image copyright FACEBOOK/JIGJIGA UNIVERSITY
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 60 ተወለድቲ ኦሮሞ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣይንምለስን ኢሎም

ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝተወልዐ ጎንፂ ህይወት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ገይሩ እዩ።

ካብ ክልቲኡ ወገን፥ ብውሑድ 40 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ልዕሊ 50 ሽሕ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ጎንፂ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዓንቀፍቀፋት እናፈጠረ ይርከብ። ምስዚ ተኣሳሲሩ፥ ብፍላይ ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ዘሎ ምስሕሓብ ከሪሩሎ።

ካብ ተምሃሮን መምህራንን ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፥ ካብ ባሕቲ መስከረም ጀሚሩ ንድሕንነቶም ዝሰግኡ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ መምህራን'ቲ ዩኒቨርሲቲ ነናብ ዝመፁሎ ተመሊሶም።

ተምሃሮ እውን ኣብ ቀረባ ንዝጅመር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ናብቲ ዪኒቨርሲቲ ምምላስ ኣስጊኡና'ሎ ይብሉ።

Image copyright FACEBOOK/JIGJIGA UNIVERSITY
ናይ ምስሊ መግለጺ ተምሃሮን መምህራንን ኦሮሞ ናብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ምምላስ ዘስግኦም ኣብ ቀረባ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ እዩ

"አቋሪፅና ወፂናለና" መምህራን

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ሓደ መምህር ከምዝገለፆ፥ ኣባላት ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ መምህራን መጥቃዕቲ እናፈፀሙ እዮም።

"ብ5 መስከረም 2010 ኣብ ቀፅሪ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛና ክንወፅእ ምስተገበረ፥ ደቅና ሒዝና ከቢድ ዝናብ እናወቕዐ ኣብ ጭቃ ኮፍ ክንብል ተገይርና። ሞባይል ስልክና መንጢሎም ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወስዱና እንትዳለው ኣባላት ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ መፂኦም ኣትሪፎምና" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ተግባር እንትፍፀም ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ምክልኻል ሃገርን ብስቕታ ይዕዘቡ ምንባሮም እውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብ ብድሕሪኡ ኩሎም ተወለድቲ ኦሮም ምምህራን ንዝረኸብዎ ኣማራፂ ብምጥቃም ክምለሱ ተገዲዶም እዮም።

ነቲ ፀገም ንከረድኡ ዝወከልዎም ኣካላት ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያን ሚንስቴር ትምህርቲን ልኢኾም።

ድሕሪ ሕዚ'ውን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምለሱ ከምዘይክእሉን ኣብ ክልሎም ናብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ክቕየሩን ሕቶ ኣቕሪቦም።

ዝለኣኽዎም ተወከልቲ ኣብ ሚንስቴር ትምህርቲ ዝነበሮም ፃንሒት 'እዛ ሃገር ብስርዓት ፌደራሊዝም እትመሓደር ብምዃና ዝኾነ ዓይነት ፀገም እንተጋጠመ'ውን ንመምህራን ካብ ሓደ ቦታ ኣልዒልካ ናብ ካልእ ምቅይያር ኣይከኣልን" ዝብል መልሲ ከምዝተውሃቦም ሓቢሮምልና።

ከምኡ ምግባር ማለት ነቲ ስርዓት ከም ምፍራስ ማለት ምዃኑ'ውን ከምዝተዛረቡዎም ወሲኾም ገሊፆም።

Image copyright FACEBOOK/JIGJIGA UNIVERSITY
ናይ ምስሊ መግለጺ መምህራንን ተምሃሮን ክርከቡ እንተዘይኪኢሎም ኣብ ምጅማር ከይዲ ምምሃር ምስትማሃር ምትእጉጓል ክፍጠር ይኽእል

ብኻልእ ወገን እቶም መምህራን ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ምስ ተምሃሮ መግቢ ክምገቡ፥ ነናብ ዝመፁሉ እንትምለሱ ድማ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝወስዳ መጉዓዝያ ክረኽቡ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ተምሃሮ

ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ ተምሃሮ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም እውን ዝተፈለየ ኣይኮነን።

ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ኦሊቃ (ንድሕንነቱ ክበሃል ሽሙ ዝተቐየረ) እንትዛረብ "ካብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ እንትንወፅእ ብተደጋጋሚ መለለዪ መንነትና (ታሴራና) ይሓቱና፥ ናይ ዩኒቨርሲቲ እንትነርእዮም ናይ ቀበሌኹም ይብሉና፥ ኣብ እንህቦም መለለዪ መንነት ምልክት ኦዳ እንትርእዩ ድማ ገልታዕታዕ የብሉና" ይብል።

"ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ መእተውን መውፅእን የስእኑና፤ ንኣብነት 'ኣብ ስልክኻ ባንዴራ ኦነግ ኣሎ' ዝብል ቀንዲ ምኽንያት እዩ" ዝብል እቲ ተምሃራይ ብሰንኪ'ዚ ክልተ ወርሕን ልዕሊኡን ዝተኣሰሩ ተምሃሮ ምንባሮም ኣዘኻኺሩ።

እዋን ትምህርቲ ከይጀመረ የጋጥሞም ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ድማ ጥርዓኖም የስምዑ።

'ኦሮሞ ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ' ብዝብል ኣብ ፌስቡክ ዝተኸፈተ ገፅ ከምዘመልክቶ ቁፅሪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ 4000 ከምዝበፅሕ ኦሊቃ ይዛረብ።

ጥርዓኖም ድማ ኣብ ክልልና ናብ ዝርከቡ ላዕለዎት ቤት ትምህርቲ ቀይሩና ዝብል እዩ።

እዞም መምህራንን ተምሃሮን መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ በቢእዋኑ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ዘርእይ ኣይኮነን በሃልቲ እዮም።

መልሲ ካብ መንግስቲ

ኣብ ሚንስቴር ትምህርቲ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ "እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከበሉ ክልል ሶማሌ-ኢትዮጵያ ተረጋጊዑ'ዩ፤ እቶም መምህራን ኣይንኸይድን ስለዝበሉ ጥራሕ ናብ ካልእ ቦታ ኣይምደቡን" ክብላ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ''መምህራን ስለዝደለዩ ጥራሕ ዝቅየር ነገር ከምዘይህሉ ሚንስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ መምህራኑ አንሄድም ስላሉ ብቻ ሌላ ቦታ አይመደቡም''

ወይዘሮ ሃረጓ፥ "ብብርኪ ክልል ክትመሓደር ምኽኣል ማለት ደሴት ሰሪሕካ ምንባር ማለት ኣይኮነን፤ ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ብዛዕባ ስርኣት ፌደራሊዝም እኹል ግንዛበን ፍልጠትን ንክህልዎ እናሰራሕና ኢና" ኢለን።

ነቲ ፀገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሩ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ምፅራይ ይግበር ምህላውን ኣብዚ ሕዚ ግን ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ወፃኢ ዝኾነ ፀገም ከምዘየለን ተዛሪበን።

ኩነታት ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ሓለፍነት ንመምህራንን ተምሃሮን'ቲ ዩኒቨርሲቲ ጥራሕ ዝግደፍ ዘይኮነስ፥ ንካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ውን ከምዝምልከት ዝሓበራ እተን ዳይሬክተር፥ ሰብ-ሞያ ሚንስቴር ቤት ዕዮአን'ውን ናብቲ ቦታ ይኸዱ ምህላዎም ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊን ንዘለው ጎንፂታት ዘብራህርሁ ሓሙሽተ ነጥቢታት

ተመሳሳሊ ዛዕባታት