ሃገራዊ ማሕበር ጠበንጃ ኣሜሪካ ኣንጻር ብረት ሓድሽ ሕጊ ክድንገግ ጠሊቡ

ጠበንጃ ዝገጥም ሰብኣይ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣሜሪካ ጉዳይ ምውናን ዓይነታት ጠበንጃን ሽጉጥን የዘራርብ ኣሎ

እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፡ ኩሉ እቲ ሓውሲ-ኣውቶማቲክ ዝኾነ ብረት ናብ ምሉእ-ኣውቶማቲክ ንምቕያር ምስዝድለ በቲ ተወሳኺ ሕግታት ክትቅየድ ኣሎካ።

ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ዋላ'ኳ ኣንጻር ምቁጽጻር ብረት ንዓመታት ኪቃወሙ እንተጸንሑ፡ ነቲ ዓይነት ብረት ግን ክእግድዎ ድልየት ከምዘለዎም ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ባይቶ ነቲ ዓይነት ብረት ንምእጋድ ኣኼባ ከካይዱ መደባት ከምዘለዎም ተፈሊጡ።

እቲ ሃገራዊ ናይ ጠበንጃ ማሕበር ብሓሙስ 5 ጥቅምቲ እቲ ተወሳኺ ሕጊ፡ ነቲ ዓይነት ብረት በቲ ፈደራላዊ ሕጊ ከምዝቕየድን ዘይቅየድን ብቕልጡፍ ዳግመ-ገምጋም ኪግበረሉ ጠሊቡ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ከምዝበሎ ድማ ምምሕዳሩ ነቲ ብረት ''ኣብ ቀረባ እዋን'' ንምእጋዱ የጽንዖ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፈፃሚ ቅትለት ላስቬጋስ ቪድዮ ካሜራታት ገጢሙ ነይሩ

ማሪሎ ዳንለይ፡ ብጭካነ መጻምድታ ምሕዛና ገሊጻ

ድሕሪ'ቲ እኩይን ጨካንን ናይ ላስ ቬጋስ መጥቃዕቲ፡ ሓለፍቲ እቲ ማሕበር ወይን ላፐይርን ክሪስ ኮክስ ከምዝበሉዎ ኣሜሪካውያን ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ኩነታት ከይድገም ፍታሓት የናድዩ ኣለው።

እዞም ሰባት፡ ነቶም ምቁጽጻር ብረት ዝጠልቡ ፖለቲከኛታት ብምውቃስ፡ ''ብሰንኪ ሓደ ገበነኛን ዕቡድን ሰብ ብረት ምእጋድ ንመሰላት ናይቶም ብሕጊ ዝቕየዱ ኣሜሪካውያን ዝጻረርን'ዩ፤ ኣብ መጻኢ ድማ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንከይፍጸም ኣይከላኸልን ኢዩ'' ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ናይ ሰንበት 1 ጥቅምቲ ህይወት 58 ሰባት ዝቐዘፈን ኣስታት 500 ሰባት ዘቑሰለን ናይ ላስ ቬጋስ መጥቃዕቲ ኣብዝሃብዎ መግለጺ፡ እዚ ዓይነት ብረት ብቤት ጽሕፈት ኣሎኮልን ትምባኾን ብረትን ናይ ምምሕዳር ናይ ፕሬዚደንት ባራክ ኦባማ ኢዩ ተፈቒዱ ኢሎም።

ናይቲ ማሕበር መደባት ንጹር ኢዩ።

ትንተና ኣንቶንዮ ዙርከር ኣባል ቢቢሲ ካብ ዋሽንግቶን

እቲ ማሕበር ነቲ ናይ ላስ ቬጋስ ቅትለት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ፡ ስትራተጂኡ እንታይ ከምዝኾነ ክንጸር ጀሚሩ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጠበንጃታት ዝግበር ዳግመ ምትዕርራያት ንቕልጡፍን ኣድራጋ ተኹሲን ዝዓለመ እዩ

ብመሰረት እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ገለ ኣባላት ምምሕዳር እቲ ማሕበር ንሕጋውነት ናይቲ ብረት ክግምግምዎን፡ ሓሳባቶም ድማ፡ እቲ ጉዳይ ብምምሕዳር እምበር ብሕጋዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣይኮነን ድልየቶም።

እንተድኣ ባይቶ (ኮንግረስ) ሓድሽ ሕጊ ክሕንጽጽ ጀሚሩ፡ እቲ ማሕበር ነቲ መስርሕ ንምቁጽጻር ከጸግሞ ኢዩ። ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራሲ ድማ ብዛዕባ ሕጊ ምቁጽጻር ብረት ኣብ ባይቶ ክካትዑሉ ዕድላት ከናድዩን ጸኒሖም፡ ሕጂ ድማ እቲ ዕድል ረኺቦም። በንጻሩ ድማ ሰልፊ ሪፓብሊካን ነቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ክደቑስዎ ክፍትኑ ኢዮም። እንተኾነ ከም ናይ ካዝና ዝሕዞ ጠያይቲ ዓቕን፡ ወተሃደራዊ ዓይነት ብረትን ካልእ ረቛሒታትን ግና ንኽትዕ ዕድላት ክረኽቡ ኢዮም።

እዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት፡ በቲ ህዝቢ ቅቡላት ክኾኑ እንከለው፡ በቲ ናይ ጠበንጃ ማሕበርን ደገፍቶምን ኣብ ባይቶ ገና ልዑል ተቓውሞ ከጋጥሞም ኢዩ። ስለዚ ድማ እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ባይቶ፡ ብገለ ዓቃባውያን ደገፍ ክረክብ ኣሸጋሪ ክኸውን ኢዩ።

ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካን (ዋይት ሃውስ) ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ (ኮንግረስ) ሰልፊ ሪፓብሊካን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ''ክመያየጡን'' ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ''ክርእይዎን'' መብጽዓታት ይህቡ ኣለው። እንተኾነ፡ እቲ መብጽዓ ካብቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ።

ስለዚ ኣብዚ እዋን እቲ ማሕበር ካልእ ኣማራጺታት ክህሉ ሓሳባት የቕርቡ ኣለው።

ኣፈኛ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሳራ ሳንደርስ፡ ቅድሚ እቲ ማሕበር መግለጺ ምሃቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ''ኣባላት ክልቲኡ ሰልፍታትን ካልኦት ማሕበራትን ብዛዕባ'ዚ ዓይነት ብረት ክመያየጡ መደባት ከምዘሎን ንሕና (ቤተ መንግስቲ) ድማ ነቲ መደባት ከምንቕበሎን ኣካል ናይቲ ዝርርብ ክንከውን ድልየትና ኢዩ'' ኢላ።

እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ ንኣባላት ባይቶ (ኮንግረስ) ነቲ ዓመታት ዘወሰደ እማመ ንሃገር-ለኸ መሰል ምሓዝ ብረት ዘጠቓልል ክኸውን ጠሊቡ።

እቲ ዜጋታት ኣሜሪካ ብረት ክሕዙ ዝጉስጉስ ማሕበር፡ እቶም ፈቓድ ዘለዎም ወነንቲ ብረት፡ ብረቶም ሒዞም ካብ ሓደ ኣውራጃ ኣሜሪካ ናብ ካልእ ክንቀሳቐሱ ክፍቀደሎም ድማ ድልየቱ ገሊጹ።

ካልእ ናይቲ ማሕበር ድልየት ድማ፡ ቅድሚ ናይ ላስ ቬጋስ መጥቃዕቲ፡ ባይቶ ኣወንዚፍዎ ዝጸንሐ ጉዳይ ናይ ድምጺ-ኣልቦ መሳርሒ (ሳይለንሰር) ኣብ ብረታት ምግጣም ዳግማይ ክርአ ጠሊቡ። እቲ እማመ ብኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን ቀሪቡ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግን በቶም ኣባላት ባይቶ ተሳሒቡ።