ዉቁባት ሕብርታት ኣፍሪካ፥ ካብ 29 መስከረም- 5 ጥቅምቲ 2017

ናይዚ ሰሙን ሕሩያት ውቁባት ሕብርታት ኣፍሪካውያን ካብ ኣፍሪካን ካብ ካልእ ክፍልታት ዓለምን።

ሰንበት 1 ጥቅምቲ 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ቢሾፍቱ ህዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪኡ ኣብ ዘመስግነሉ ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ፥ ክልተ ፍቕረኛታት ብማይን ሰቲን እንትፃወቱ።
ቀዳም 30 መስከረም 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መበል 60 ዓመት መገዲ ኣየር ሞሮኮ ንምዝካር፥ ውግእ ነፈርቲ እታ ዓዲ ንምርኢት ዝፈነወኦ ፃዕዳ ቀለም ዘለዎ መዝናነዬ።
ቀዳም 30 መስከረም 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብተምልከቲ ዝተዓጀበ ተወሳኺ ወታሃደራዊ ምርኢት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሞሮኮ።
ዓርቢ 29 መስከረም፥ 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናድያ ኮዎንዳ ዝተብሃለት ሞሮኳዊት ተዋሳኢት ፊልሚ፥ ኣብ ሓደ ፊልም ንዘርአየቶ ፍሉይ ብቕዓት ኣብ ግብፂ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝተውሃባ ሽልማት እንትስዕም።
ሰንበት 1 ጥቅምቲ 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ በዓል ኢሬቻ ምዝዛም ወቕቲ ክረምቲ ዘመላኽት ኮይኑ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ በዓል ብዝተፈጠረ ሁከትን ምፅቕቓጥን ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሂወቶም ስኢኖም።
ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓለፍቲ ቦርዲ መረፃ እታ ሃገር ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ኣብ ኬንያ ኪሱሙ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተቓውምኡ ዝገልፅ መንእሰይ እምኒ እናወንጨፈ
2017 ረቡዕ 4 ጥቅምቲ 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪበራ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ሰፈር ዓምፃፃት ገዛውቲ (ሻውላት) ናይሮቢ፥ ሓደ ነባሪ ባዕሉ ንባዕሉ እንትስእል።
ዓርቢ 29 መስከረም 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ( ደበቡብ ኣፍሪካ) ሓደጋ ካብ ዝበፅሖ ፅዕነት መኪና ነበርቲ እቲ ከባቢ ንርእሶም ቢራ እንተጓዓዕዙ
ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ብግመ ዝተሸፈኑ፥ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ
ቀዳም 30 መስከረም 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 90 ኪ.ሜ ርሕቐት ርሒቓ ኣብ መሬት ዶብ ቱኒዝያ-ሊብያ እትርከብ ዋንነታ ናይ ጀርመን ዝኾነት መድሕን ሂወት፥ ኣብ ጀልባ ኾይኖም ዝፅበዩ ስደተኛታት።
2017 ዓርቢ 29 መስከረም 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ካርቱም (ርእሰ ከተማ ሱዳን) ንዝካየድ ውድድር ሻምፕዮን ቼዝ፥ ቅድመ ምድላው ልምምድ ዝገብሩ ተፃወትቲ

እዞም እትሪኡዎም ስእልታትን ምስልታትን ብሓልዮት ኤ ኤፍ ፒ፣ ኢ ፒ ኤ ከምኡድማ ሮይቶርስ ዝተረኸቡ እዮም።