ተርእዮም ዘይፈልጡ፡ ምስልታት ኣብ ውቅያኖስ
ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።

ሰማያዊ ፕላኔት-II፡ ቅድሚ ሕዚ ተርእዮም ዘይፈልጡ፡ ምስልታት ህይወታውያን ኣብ ውቅያኖስ

ተሸላሚ ቢቢሲ፡ 'ሰማያዊ ፕላኔት' ዝስመ ናይ ተፈጥሮ ዶክሜንታሪ፡ ድሕሪ 16 ዓመታት፡ ምስ ሓዲሽ ተኸታታሊ መደባቱ ብቢቢሲ ክቐርብ እዩ።

ጉጅለ 'ሰማያዊ ፕላኔት' ነዚ ሓድሽ መደብ ብሓድሽ ቴክኖሎጂ ንምቕራፅ ፡ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ባሕሪ ኣሕሊፎም እዮም። ካብቲ ኣብ ኢንግሊዝ ብልዑል ሃንቀውታ ዝረአ ስሙይ ምርኢት ቴሌቬዥን፡ እቲ ብሉጽን ፍትዉን ቅፅበታዊ ምስልታት እነሆ።