ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ኤች.አይ.ቪ.ኤይድስ ዳግም ብደረጃ ለበዳ ይረአ ኣሎ

ሪቫን ኤች ኣይ ቪ Image copyright LAKRUWAN WANNIARACHCHI
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተፈጠረ ምዝንጋዕ ካብ ሞንጎ ምኽንያታት ዳግማይ ምግፋሕ ኤች ኣይ ቪ ኮይኑ

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ህይወት ኣሽሓት መናእሰይ ዝበልዐ፣ ንህፃናት ወለዲ ኣልቦ ዝገበረን ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ቅልውላው ዘስዓበ ኤች.አይ.ቪ. ኣብዚ ሕዚ እዋን''ውን ብመልክዕ ለበዳ ተከሲቱ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

መረዳእታ ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች.አይ.ቪ.ኤይድስ ፌደራል ከምዘመልክቶ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ብደረጃ ሃገር 1.18 ሚኢታዊት በፂሑሎ።

ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ ድማ ዝርግሐ ኤች.አይ.ቪ. ኤይድስ ልዕሊ ሓደ ሚኢታዊት ኣብ ዝኾነላ ሃገር ለበዳ ኣጋጢሙ ይበሃል።

ኣብ 1978 ዓ.ም ኣብ ደም ክልተ ሰባት ጥራሕ ዝርከብ ዝነበረ እዚ ቫይረስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ኣብ ልዕሊ 700 ሸሕ ሰባት ይርከብ ይብል ካብቲ ሚንስትር ቤት ዕዮ ዝተረኸበ መረዳእታ።

ለበዳ ኤች.አይ.ቪ.ኤይድስ ነክዩ'ዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብ እቲ ሕማም ብሕቡእ ከምዝዝርጋሕ ምግባሩ ይግለፅ።

ኣብ 2009 ዓ.ም ጥራሕ፡ በቲ ቫይረስ ዝተትሕዙ ሰባት ልዕሊ 27 ሽሕ በጺሑ ምንባሩ ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች.አይ.ቪ.ኤይድስ ፌደራል ይሕብር።

ልዑል ተቃላዕነት

መጠን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ከምኡ'ውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ'ዩ እንትበሃል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ እናወሰኸ ይርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ዝሳለጡሎም ቦታታት፣ ዝጣይሻ ሓደሽቲ ከተማታትን ትካላት ትምህርትን መጠኑ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊፁ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ-ተባዕትዩ ተቃላዕቲ እየን

ኣብ ገጠራት ካብ ዝነብራን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዕምበባ ፍዮሪ ተቆፂረን ካብ ሞንጎ ዝሰርሓ እተን 25 ሚኢታዊት ዝኾና ጥንቃቐ ዝጎደሎ ፆታዊ ርክብ ብምፍፃመን ጥንሲ ክሰዳ ከምዝግደዳ እቲ ዝተረኽበ ጸብጻብ የረድእ።

ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች.አይ.ቪ.ኤይድስ ፌደራል ከምዝበሎ፡ ፆታ፣ ዓይነት ስራሕን ደረጃ መነባብሮን በቲ ቫይረስ ክትልከፍ ኣብ ምግባር እጃም ኣለዎም።

ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ቁጠባዊ ዓቕመንን ካብ ሕብረተሰበን ዘጋጥመን ፅዕንቶን ነቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ብርኪ ተሳጣሕቲ ከም ዝገብርወን ይግለፅ። ካብዚ ብተወሳኪ ፋይቶት (ብዝሙት ዝመሓደራ) እውን ተቃላዕነተን ወሲኹ'ዩ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዳይሬክተር መተሓባበሪ ኩለ-መዳያዊ ምላሽ ኣይተ ክፍሌ ምትኩ ከምዝበልዎ እንዳ ጫት፣ ሺሻን ኣገልግሎት ማሳጅ ዝወሃበሎም ገዛውትን ኣብ ምዝርጋሕ'ቲ ቫይረስ ብፅሒት ኣለዎም።

እዚ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓመተ ምሕረት ምግፋሕ ቫይረስ ኤች.አይ.ቪ. ንምዕጋት ንዝሓዘቶ ትልሚ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ኮይኑ'ሎ።

ኢትዮጵያ ንምንታይ ንቫይረስ ኤች.አይ.ቪ. ክትቆጻጸር ኣይከኣለትን?

ቅድሚ ሕደት ዓመታት ብምኽንያት መንግስትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዝሰርሕዎም ስራሕቲ፡ በቲ ቫይረስ የጋጥም ዝነበረ ሞት ብ70 ሚኢታዊት ክንኪ ኪኢሉ ነይሩ።

እዚ ውፅኢት ድማ መንግስትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ከምኡ'ውን ሕብረተሰብ ነቲ ቫይረስ ዝህቦ ዝነበረ ቆላሕታ ከምዝንኪ ገይሩ።

ኣይተ ክፍሌ ከምዝብልዎ ምግፋሕ ኤች.አይ.ቪ. ኣብ ኢትዮጵያ ንምንካይ ደገፍ ክገብሩ ዝፀንሑ ዓለም-ለኸ ትካላት ንዝተመዝገበ ውፅኢት ኣብ ግምት ብምእታውን ብናይ ዓርሳ ዓቅሚ ክትቆፃፀሮ ትኽእል'ያ ብዝብልን ደገፎም ሙሉእ ብሙሉእ ደው ኣቢሎም እዮም።

ቤት ፅሕፈቶም ድማ መንግስቲ ብዝመደቦ በጀት ጥራሕ ምግፋሕ'ቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ምህላው ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት