ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ንሓፍቶም ናብ ኣባልነት ፈፃሚት ስራሕ ፀምቢሮምወን

ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ምንኣስ ሓፍቶም - 6 መጋቢት 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪም ዮ-ጆንግ (ኣብ ውሽጢ ክቢ) ኣብ ጎኒ ሓወን

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ንምንኣስ ሓፍቶም ናብ ላዕለዋይ ስልጣን ሃገሮም ብምምዛዝ ተወሳኺ ሓላፍነት ሂቦምወን።

ኪም ዮ-ጆንግ ንኪም ጆንግ-ኢል ዝነኣሰት ጓሎም እንትትኸውን፡ ሕዚ ድማ ንሓፍቲ ኣቡኣ ተኪኣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ (ፖሊትቢሮ) ሰልፊ 'ወርከርስ' ክትኸውን'ያ።

ጓል 30 ዓመት ኪም ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንደሓር ከም ነባር ኣባል'ቲ ሰልፊ ክትፅዋዕ ፀኒሓ።

ስድራ ኪም ሃገሮም ካብ ዝተጣየሰትሉ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሮም ንሰሜን ኮርያ ኣብ ምምራሕ ይርከቡ።

ምስ ሓዋ ብዕሊ ክትረአ ዝጀመረት ኪም ዮ-ጆንግ ምክትል ክፍሊ ፕሮፓጋንዳን ጎስጓሳትን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፈጣሪት ፅዕንቶ ምንባራ ይዝረበላ።

ኣብታ ሃገር ምስ ዝፍፀሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተተሓሓዘ ድማ፡ ስማ፡ ኣብ ፀሊም መዝገብ ኣሜሪካ ሰፊሩ'ሎ።

Image copyright KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዮ-ጆንግ ምስ ሓዋ ኣብ ዑደት ወተሃደራዊ መዋፈሪ - 2015Y

ዝረኸበቶ ተወሳኺ ስልጣንን ሓላፍነትን ብሓዋ ኣቢሉ ዕላዊ ዝተገብረ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰልፊ ሰራሕተኛታት እዩ። ኣብ ውሽጢ ካልኦት ነባራት ሰበ ስልጣን እውን ሽግሽግ (ናይ ስልጣን ምልውዋጥ) ተኻይዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኮንግረስ'ታ ሃገር እንትትመፅእ'ውን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ስልጣን ክትመፅእ ከም እትኽእል ትፅቢት ይግበር ነይሩ።

ተወሳኺ ሰልጣኖም ብቐዳም ዕላዊ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም ኣመራርሓ፡ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪ ዮንግ-ሆ ሓደ እዮም። እዞም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ "እከይ ፕረዚደንት" ክብሉ ዝገለፁ ፖለቲከኛ ኣብ ፈፃሚት ስራሕ ሰልፎም ሙሉእ ድምፂ ከምዝህልዎም ኮይኑ'ሎ።

ሪ ዮንግ-ሆ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ኲናት ከምዝኣወጁ ብምግላፅ በዚ ሓደገኛ ኣካይድኦም እንተቐፂሎም ድማ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከምዘይፍለያ ኣፍሊጦም።

እዚ ዕብየት ስልጣን ዝተዋህበ፡ ኪም ጆንግ-ኡን መርሃ-ግብሪ ኣፅዋር ኒኩሌር ንማዕቐባትን ስግኣታትን ብምፍራሕ ከምዘይተኣጓጎል ደጊሞም ምስኣረጋገፁ እዩ።

እዚ ሓሳቦም ዝገለፁ ትራምፕ ኣብ ትዊተሮም፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምርድደእ "ሓደ መንገዲ ጥራሕ'ዩ ክሰርሕ" ድሕሪ ምባሎም ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት