ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኮርያ ንዝተነበረ ማዕቀብ ዝጠሓሳ ኣርባዕተ መራኽብ ካብ ዓለም-ለኸ ወደባት ኣጊዱ

ጀላቡ ምስ ናይ ፅዕነት ጀልባ ኣብ ሲንጋፖር Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበሩ ማዕቀባት እታ ሃገር ካብ እተካይዶም ፈተነታት ዝኣግትዋ ኣይኮኑን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ንዝተነብረ ማዕቀብ ጥሒሰን ንዝተረኽባ ኣርባዕተ መራኽብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም-ለኻዊ ወደባት ከይጥቀማ ኣጊዱ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መተሓባበሪ ጉዳያት ማዕቀብ ሰሜን ኮርያ፡ ሁግ ግሪፍትዝ፡ ነቲ ኩነታት ካብ ትፅቢት ወፃኢ'ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

እተን መራኽብ ፔትረል 8፣ ሃዎ ፋን 6፣ ቶንግ ሳን 2ን ጄ ሹንን ከምዝበሃላ ተፈሊጡ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ብዘካየደቶ ሻድሻይን ዝዓበየን ፈተነ ኒኩሊየር እዩ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ማዕቀብ ኣንቢሩ ዘሎ።

እቲ ናይ ሕዚ ገደብ ዕላዊ ዝተገበረ ድማ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ቲ ውድብ እዩ።

እተን መራኽብ "ዝተኸልከሉ ሸቐጣት" ፅዒነን ምንባረን ግሪፍትዝ ሓቢሮም።

ድሕረ-ገፅ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝቆፃፀር ኣካል (ማሪን ትራፊክ) ከም ዘፍለጦ ድማ ፔትረል 8 ኣብ ኮሞሮስ፣ ሃዎ ፋን 6 ኣብ ሴይንት ኪትስን ኔቪስን፣ ቶንግ ሳን 2 ኣብ ሰሜን ኮርያ ክምዝገባ እነከለዋ፡ መርከብ ጄ ሹን ዝተመዝገበትሉ ሃገር ግን ኣይተፈለጠን።

እገዳ ሰደድ ሸቐጣት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሰደድ ከሰል፣ ካብ ባሕሪ ዝርከቡ መግብታትን ማዕድን ሓፂንን አጊዱ ነይሩ። ኣብ ሰደድ ዓለባን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ነዳድን እውን ማዕቀብ ከምዝሰፍሕ ተገይሩ።

እቲ ማዕቀብ ክኸርር ዝኸኣለ፡ ሰሜን ኮርያ ንዘካየደቶ ሻድሻይ ፈተነን ብልዕሊ ጃፓን ንዝተኮሰቶም ክልተ ሚሳይላትን ስዒቡ እዩ።

ቅድም ክብል ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ዓቕመን ተጠቒመን ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ንዝውሰኑ ከበድቲ ማዕቐባት ክቃወማ ዝፀንሓ ቻይናን ሩስያን እውን ነቲ ውሳነ ተቐቢለነኦ ኣለዋ።

ናብ ቻይና ትልእኾም ከሰል፣ ሓፂንን ጥረ-ኣቕሓን ቀንዲ ፍልፍል እቶት ሸርፊ ወፃኢ ሰሜን ኮርያ እዮም።

ብብርኪ ዓለም ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ሸቐጣት ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ሰደድ ትገብር ነይራ። ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብር ማዕቀብ ግን ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከስእንዋ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ይኹን ደኣ'ምበር ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወሰኑ ተደጋገምቲ ማዕቀብ ካብ ምምዕባል ኒኩሌርን ሚሳይልን ክዓግትዋ ኣይከኣሉን።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ንሓፍቶም ተወሳኺ ስልጣን ሂቦም