ራይላ ኦዲንጋ ካብ ፕረዚደንታዊ መረፃ ንባዕሎም ኣግሊሎም

ራይላ ኦዲንጋ Image copyright SIMON MAINA

መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክካየድ ተተሊሙ ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም።

ራይላ ኦዲንጋ ተኣማንነት ዘለዎ መረፃ ንምክያድ ተወሳኺ ግዜ የድሊ'ዩ ብምባል እዮም ንባዕሎም ካብቲ መረፃ ዘግለሉ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝነበረ ውፅኢት መረፃ ውድቂ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ን16 ጥቅምቲ ንኽካየድ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

ንመረፃ ኬንያ ዘሳልጥ ቴክኖሎጂ ኣብ እዋኑ ከምዘይበፅሕ ተሓቢሩ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ወቒሱ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት