ባርዕ ካሊፎርንያ፡ 15 ሞይቶም ብዙሓት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ'ሎ

ዝዓነወ ገዝኦም ይርእዩ ዘለው ጆርዳን ዊልያምን ወዱን -, 10 ጥቅምቲ 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 1,500 ገዛውቲ በቲ ባርዕ ተሃᎁኾም

ወይኒ ብምፍራይ ኣብ እትፍለጥ ግዝኣት ካሊፎርንያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 150 ሰባት ናበይ ከምዝኣተው ከምዘይተፈለጠ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብውሑዱ 15 ሰባት ምማቶም እንትረጋገፅ ልዕሊ 1500 ገዛውቲ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ባርዕ ነዲዶም።

ካብቶም ዝሞቱ ትሽዓቲኦም ሶኖማ ካብ ዝተባህለ ክፋል'ታ ግዝኣት ምዃኖም ተገሊፁ።

ሳንታ ሮሳ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ዝተሃሰያ ከተማታት ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።

ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ካውንቲ ሶኖማ ከምዝበሎ ደሃይ 155 ሰባት ክርከብ ኣይከኣለን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ሰባት ተሰናቢዶም ብቕልጡፍ ይመዛበሉ ብምንባሮም እውን ክኸውን ይኽእል።

ጎረቤታ ኣብ ዝኾነት ናፓ ካውንቲ እውን ንወዲ 100 ዓመት ቻርለስ ሪፔን 98 ዝዕድሚኤን በዓልቲ ገዝኦም ሳራን ሓዊሱ ግዳያት'ቲ ባርዕ ከምዘለው ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል ኣብታ ግዝኣት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ እዚ ከቢድ ሓደጋ ባርዕ ዝፈጠሮ ትኪ ክሳብ 100 ኪ.ሜ ተጓዒዙ እዩ።

ሓላፊ ምክልኻል ባርዕ ካሊፎርንያ ኬን ፒልሞት ንቢቢሲ ከምዝገለፁሉ፡ እቲ ልዕሊ 17 ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 26 ሽሕ ሄክታት ኣቃፂሉ።

ኣባለት ፖሊስ ንዝጠፍኡ ኣብ ምድላይ ከምዝተዋፈሩን ቁፅሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእልን ድማ ሓቢሮም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ካውንቲ ሶኖማ እትርከብ ሳንታ ሮዛ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስያ እያ

እቲ ባርዕ ቁሩብ ክንኪ ዝኸኣለ፡ በቲ ኣብቲ እዋን ብዝተፈጠረ ንፋስ እንትኸውን ስራሕ ኣባላት ምክልኻል ባርዕ እውን ኣቃሊሉ'ዩ።

ኣብ ሳንታ ሮዛ ንሂልተን ሆቴል ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ዓንዮም። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ሶኖማ ድማ ካብ ካባቢኦም ከምዝተመዛበሉ ኣማሓደርቲ ኣፍሊጦም።

ብውሑዱ ኣርባዕተ ወይኒ ዘፍረያ ትካላት "ሙሉእ ንሙሉእ ወይ ድማ ከቢድ ብዝበሃል" ዓንዮም ተባሂሉ። ካልኦት ትሽዓተ ግን ብኽፋል ህንፅኦምን ግራውቶምን በቲ ባርዕ ተቓፂሉ።

ልዕሊ 91,000 መንበሪ ገዛውትን ትካላት ንግድን ካብ ቀረብ ፀዓት ወፃኢ ኮይኖም ነይሮም።

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጄሪ ብራውን ኣብ ሶኖማ፣ ናፓን ካልኦት ሓሙሽተ ካውንቲታትን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ (ኣዋጅ እቶ እቶ) ኣዊጆም ኣለው።

ነቲ ኣዋጅ ቅቡል ዝገበሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ህፁፅ ፌደራላዊ ሓገዝ ፈቒዶም።