ማድሪድ ንናይ ካቶሎንያ መራሕቲ ናይ ናጽነት መግለጺ ኣስተናዒቑ

ንመደረ ፕረዚደንት ካታላን ካርለስ ፔግዴሞንት ክሰምዑ ዝተኣኸቡ ደገፍቲ ናፅነት 10 ጥቅምቲ 2017-ባርሴሎና Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንመደረ ፕረዚደንት ካታላን ካርለስ ፔግዴሞንት ክሰምዑ ኣብ ባርሴሎና ዝተኣኸቡ ደገፍቲ ናፅነት

መንግስቲ ስፐይን ነቲ ብመራሒ ካታሎንያ ካርለስ ፕዩግድሞንት ንናጽነት ኣመልኪቱ ዝተዋህበ መግለጽን ዕርቀ-ሰላም ኪግበር ዘቕረቦ ጻውዒትን ነጺግዎ።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ስፐይን ንኣቶ ፕዩግድሞንት ክትገልጾ እንከላ ''እዚ ሰብ'ዚ ኣበይ ከምዘሎን ናበይ ይኸይድ ከምዘሎን ዘይፈልጥ ኢዩ'' ኢላቶ።

ቀዳማይ ምኒስተር ማርያኖ ራጆይ ህጹጽ ናይ ካቢነ ኣኼባ ብምጽዋዕ ናይ መንግስቲ ስጉምታት ንቐጻሊ ከመይ ከምዝኸውን ክዝቲ ኢዩ።

ኣቶ ፕዩግድሞንት ብሰሉስ 10 ጥቅምቲ ነጻነት ካታሎንያ ዝእውጅ መግለጺ ብኽታሙ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ንልዝብ ኣፍደገ ንምኽፋት ኪብል ግና ትግባረ ህዝበ-ውሳነ ንግዚኡ ከምዘወንዘፎ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ካታሎንያ ነጻነት ክእውጅን ኩሉ ውሳነታት ህዝቢ ድማ ክትግብርን ግምታት ጸኒሑ። እዚ ድማ ንስፐይን ናብ ዝኸፍአ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ክሸማ ኢዩ ተባሂሉ።

ድሕሪ'ቲ ብ1 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣካታዒ ውሳነ-ህዝብን፡ እሞ በቲ ናይቲ ሃገር ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ምንጻጉን፡ ስፐይን ከም ሃገር ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኢያ ጸኒሓ።

ኣቶ ፕዩግድሞንት፡ ኣብ ባርሴሎና ንባይቶ ካታሎንያ መደረ ኣብዘስምዓሉ እዋን እታ ነጻ ርእሰ-ምምሕዳር ብድምጻ መሰል ናጽነታ ኣረጋጊጻ ኢሉ።

''ኣህጉራውያን ሃገራትን ማሕበራትን ድማ ንሪፓብሊክ ካቶሎንያ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ክፈልጥኣ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።''

ንሱ ከምዝበሎ፡ ''ድልየት እቲ ህዝቢ'' ካብ ማድሪድ ክፍንጨል እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ወጥሪ ''ንምህዳእ'' ግና ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ።

''ውጽኢት ምእዋጅ ናጽነት ንግዚኡ ክደናጎን ኣብ ቀጻሊ ሰሙናት ድማ ዝርርብ ኪግበርን'ዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ዝርርብ ኣብዝኾነ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይክኣል'' ኢሉ ኣቶ ፕዩግድሞንት።

እንታይ'ዩ እቲ ፍታሕ ንቅልውላው ካታሎንያ?

ኣቶ ፕዩግድሞንትን ካልኦት መራሕቲ ካታሎንያ ነቲ ኣዋጅ ናጽነት ብኽታሞም ኣረጋጊጾሞ ኢዮም። እንተኾነ እቲ ኣዋጅ ክሳብ ክንደይ ሕጋውነት ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ ባርሴሎና እቲ ንናጸነት ዝደገፈ ህዝቢ፡ ነቲ ፈለማ ብኣቶ ፕዩግድሞንት ዝተዋህበ መግለጺ ብሆይሆይታ ኢዮም ተቐቢሎሞ ነይሮም።

Image copyright EPA/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ባርሲሎና ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ደጋፊት ሓድነት (ፀጋም) ደጋፊ ናፅነት (የማን)

ዳሕራይ ግን በቲ ኣቶ ፕዩግድሞንት ዝሃቦ መግለጺ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ኢዮም ገሊጾም።

ኣብ ማድሪድ፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሶርያ ሳንዜ ዲ ሳንታማሪያ፡ ነቲ ብኣቶ ፕዩግድሞንት ዝቐረበ ብኣህጉራውያን መንጎኛታት እማመ ንዝርርብ ነጺጋቶ።

ብምቕጻል ድማ ''ኣቶ ፕዩግድሞንት ይኹን ካልእ ሰብ ዝርርብ ኪግበር ተጽዕኖ ኪገብር ኣይክእልን ኢዩ'' ኢላ እታ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር።

''ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን፡ ንካታሎንያ ድማ ናብ ዝለዓለ ታሪኻዊ ወጥሪ ድሕሪ ምስግጋራ፡ ሕጂ ኣቶ ፕዩግድሞንት ንጉዳይ እታ ነጻ ዞባ ናብ ዘየተኣማምን ደረጃ ሸሚምዋ ይብሃል። እቲ ሎሚ በቲ ፕሬዚደንት ካታሎንያ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ እቲ ሰብ ኣበይ ከምዘሎን፡ ናበይ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ወይ ድማ ምስ መን ክኸይድ ከምዝደሊ ዘይፈልጥ ኢዩ" ተባሂሉ።

ምኒስተር ፍትሒ ስፐይን ራፋኤል ካታላ፡ ናይ መንግስቲ መርገጺ ክገልጽ እንከሎ እቲ ህዝበ-ውሳነ ዘይሕጋውን እቲ ውጽኢት ድማ ዘየቅቡልን ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት ሰበስልጣናት ካታሎንያ ድማ ዳርጋ 90% ካብቶም ኣድመጽቲ ናጽነት ደጊፎም፡ ኣስታት 43% ኣድሚጾም።

እቶም ኣንጻር ናጽነት ዝኾኑ ድማ ኣብቲ ምርጫ ኣይተኻፈሉን። ከምቲ ዝብሃል ኣብ እዋን ምርጫ ብዙሕ ዘይስሩዕ ኣሰራርሓ ከምዝነበረ ተገሊጹ። ፖሊስ እታ ሃገር፡ ህዝቢ ድምጹ ንከይህብ ንምእጋድ ሓይሊ ከምዘርእዩ ተገሊጹ።

ኣቶ ፕዩግድሞንት ብሰሉስ መግለጺ ቅድሚ ምሃቡ ድማ፡ ገለ ኣገደስቲ ሰባት ከም ከንቲባ ናይ ባርሴሎና ኣዳ ኮላውን፡ ናይ ባይቶ ኤውሮጳ ፕሬዚደንት ዶናልድ ታስክን ኣቶ ፕዩግድሞንት ናጽነት ካብ ምእዋጅ ክደናጎ ተማሕጺኖሞ።

ካታሎንያ ሓንቲ ካብተን ብልጽግቲ ዞባ ስፐይን ኢያ። ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ድማ ብርክት ዝበላ ኩባንያታትን ቤት ጽሕፈታተን ካብ ካታሎንያ ክወጽኣ መደባት ከምዘለውን ገሊጸን።

ሕብረት ኤውሮጳ ግን ብንጹር፡ እንተድኣ ካታሎንያ ካብ ስፐይን ተፈንጪላ፡ ኣብቲ ዞባ፡ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኣይክትኸውንን ኢያ ኢሉ።