“ስርዓት 'ምበር ሃገር ኣይትበታተንን”

ኣብ ሓዘን ዘለው ሰባት Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ብዝተወለዐ ጎንፂ ህይወት ዜጋታት ጠፉኡ እዩ

ብፍላይ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ጎንጺ ዶብ ስዒቡ ብዙሓት ሂወቶም ስኢኖም፣ ኣስታት 100 ሽሕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፣ ብዙሕ ንብረት ድማ ጠፊኡ።

ኣብ መንጎ እቶም ክልላት ሰሓቦ ውጠጦ ቀጺሉ። እቶም ጎንጽታት ግና ሐዚውን ጠጠው ከምዘይብሉን፣ ምምዝባል ከምዝቐጸለን ሓላፊ ቤት ጸሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ነገሪ ለንጮ ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ኣቶ ሺፈራው ሽጉጤ ብወገኖም ማእከላዊ መንግስቲ ናብቲ ጎንጺ ዝተፈጠረሉ ከባቢ እኹል ሓይልታት ጸጥታ ምልኣኹን እቲ ኩነታት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓሎን ይዛረቡ።

መንግስቲ ከምዚ ይበል ምበር፡ እቲ ጎንጺ ጠቐሊሉ ጠጠው ዘይበለሉ ምኽንያት ግና ግልጺ ኣይኮነን። ብኻልእ ገጽ፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢትዮጵያ ብገዛእ ፈቓዶም ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ሕቶ ምቐራቦም፡ ንቲ ጉዳይ ሕልኽልኽ ዘበሎ ይመስል።

ኣይተ ሺፈራው ግና እቲ ውሳነ ናይ ምትኽኻእ ኣካል ምዃኑ ይዛረቡ፣ እዋን ስልጣንካ ከይወዳእኻ ስልጣን ክለቅቕ ምባል ዘይተለምደ ምዃኑ'ኳ ከይከሓዱ።

ኣባ ዱላ፡ ዋላ'ኳ ምኽንያት ምልቃቕ ስልጣኖም ዳሕራይ ክገልጾ እየ ይበሉ ምበር፣ ፈለጥቲ ውሽጢ ግና ምስቲ ኣብ መንጎ ክልልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ጎንጽን ዝደንጎየ ምላሽ ማእከላዊ መንግስትን የተሓሕዙዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቲ፥ ኣብ መንጎ ክልላት ዝተልዓለ ጎንፂ ካብ ኢድ ቁፅፅሩ ኣይወፀን ይብል።

ናዕብታትን መልዓሊኦምን

ካብ ዓመት ንላዕሊ ዝተናውሐ ናዕቢ ኦሮምያ፡ ጊንጭ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝርከብ ጪልሞ እናተብሃለ ዝፍለጥ ጣሻ (ዱር) ናብ ውልቀ ዋንነት ብምዝውዋሩ ዝተላዕለ'ዩ ነይሩ።

ከምኡ እውን ዝተዋደደ ማስተር ፕላን ኦሮምያን ኣዲስ ኣበባን ናይ ባዕሉ ሰፍ ዘይብል መዘዝ ሒዙ መጺኡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተላዕለ ናዕቢ ንዘምናት ኣጽጋቢ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ ዋንነት መሬት ዳግም ክምዝልዓል ገይሩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ድማ ብስም ልምዓት ካብ ሕርሸኦም ብዘይረብሕ ካሕሳ ዝተባረሩ ሓረስቶት፣ ሕቶኦም ክጎልህ ክኢሉ።

እዚ ምስ መሬት ተኣሳሲሩ ዝተላዕለ ሕቶ፡ ብሱሩዉን ሓድሽ ስርዓት ፈደራሊዝም ዘይምልሶ እዩ።

እቲ ስርዓት፡ ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ከመሓደሩ፣ ብቛንቆኦም ክመሃሩን መንነቶም ከጠንክሩን ኣብ ዝብል ፅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝተመስረተ እንትኾን'ኳ ብሓቂ ኣይተተግበረን ይብሉ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ፖለቲካ።

ስሙይ ተመራማሪ ፖለቲካ ጆን ማርካኪስ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ዘሕተሙዎ መጽሓፎም ከምዝብልዎ፣ "እዚ ኹሉ ዝተገብረ፡ ህዝቢ ንምዕጋስ እዩ ነይሩ እምበር ስልጣን ንምምቕቓል ዝዓለመ ኣይነበረን " ይብሉ።

"ፌዴራሊዝም ብኢህወደግ ዝተማህዘ ሜላ እዩ"።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሰንኪ ጎንፅታት ንብረት ህዝብን መንግስትን ዓንዩ

ሐዝውን ስልጣን ኣብ ማእኸል ተዋህሊሉ እዩ ዘሎ፡ ዝብሉ እቶም ምሁር፣ መንግስቲ ፈዴራል፡ ስልጣን ኮነ ሃፍቲ ኣብ ቁጽጽሩ ገይሩ፡ ንምምቓል ድልው ዘይምዃኑን እዚ ድማ ነቲ ስርዓት ጠንቂ ከምዝኾነን ይገልጹ።

ንስም ተዘይኮይኑ ሐዚውን፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሃፍትን መሪሕነትን ብማዕርነት ዝርኢ ሰርዓትን ኣስራርሓን ከምዝይተፈጠረ ዝገልጹ ድማ፣ ምክትል ኣቦ ወንበር መድረኽ አይተ ሙላቱ ገመቹ እዮም።

ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር ይብሃል ምበር፣ ነቲ ስርዓት ተኣመንቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ዝቆጻጽሩዎ ከምዝኾነ የረድኡ፣ ብተዘዋዋሪ እቲ ስርዓት ኣሃዳዊ ከምዝመሳሰል ብምሕባር።

ሕፅረት ዲሞክራሲ

ኣብዛ ሃገር እናኾነ ዘሎ እንታይ እዩ? ሕቶ ብዙሓት እዩ። ዝተፈላላዩ ምሁራንን ተንተንቲ ፖለቲካን መንቀልን መፍትሕን እዚ ፀገም ብዝተፈላለዩ መነፀራት ይርእይዎ።

ነበር ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር፡ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት (ጆቤ)፡ "ፈተና ዘይብሉ ስርዓት የለን" ብምባል፣ ዓመፅን ጎንፅን ብኣሉታ ጥራሕ ኣይምልከትዎን።

ንዕኦም፡ ቅድም ክብል ኣብታ ሃገር ክትግበር ዝፀንሐ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ዘምፅኦ ለውጢ እዩ። ብዙሕ ነፃነት እደሊ፣ ንባዕለይ ከመሓድር እደልን ዝብሉ ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታት፡ካብቲ ስርዓት ባዕሉ ዝፍልፍሉ እንበር ዝፃረሩ ኣይኮኑን።

"ኢህወደግ ትምክሕተኛን ፀቢብን ብምባል ከም ፀላኢ ዝኹንኖም ወገናት ግዜን ኩነታትን ተፀብዮም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምልዓሎም ዘይተርፍ እዩ" ይብሉ።

"እቲ ፀገም ኣብ ሓተትቲ ዘይኮነስ ኣብ መለስቲ እዩ ዘሎ" ብምባል ድማ ይቕፅሉ።

ኢህወደግ እዚ ዝፍጠር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምዃኑ ኣሚኑ እንተዘይ ተቐቢሉ፡ እታ ሃገር ዓብይ ናይ ለውጢ ዕድል ከምዘምልጣ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣይተ ሙላቱ እውን ዓብይ ህዝባዊ ዘተን ምዝርራብን ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝውልዑ ተቓውሞታት ብዝሒ ተሳትፎ ብመናእሰይ ይዕብለል

ከም ኣገላልፃ ጀነራል ኣበበ፡ ሕዚ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ፡ ኢህወደግ ከም ፀላኢ ብዝኹንኖም ወገናት ኣይኮነን፡ ካብ ህዝቢ እምበር።

ከም ኣብነት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክንበልበል ዝተራእየ ልሙፅ ሰንደቕ ዓላማ፡ እቲ ህዝቢ እዩ ኣንበልቢልዎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ባንዴራ ኦነግ ዘንበልብሉ፡ በዓል ዘኽብሩ ወገናት እውን ተራእዮም እዮም።

"እዚ፡ እንታይ ማለት እዩ?" እቶም ጀነራል ይሓቱ።

"ማዕርነት ከምፅእ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ፡ እዚ ሓድሽ ሰንደቕ ዓላማ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ክንድዚ ዝኣክል ተቓውሞ ዘጋጥሞ እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ኣይተቐበሎን ወይ ድማ ናይ ምርድዳእ ፀገም ኣሎ ማለት እዩ" ከኣ ይብሉ።

ንዕኦም፡ ቀንዲ ጉዳይ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ንምንታይ ተላዒሉ ዝብል ኣይኮነን።

" ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ብግቡእ ብምርዳእ፣ ስትራጂካዊ ብዝኾነ መገዲ ዝምልስ ኣመራርሓ የለን እዩ" ድማ ይብሉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፌደራል ፖሊስ ዝለዓሉ ዓመፃት ይቆፃፀር።

"ኣመራርሓ ኢህወደግ ሕቶታት ምዕፋን እምበር ምምላስ ኣይከኣለን።"

ስርዓት ፌደራሊዝም እናጎልበተ እዩ፣ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ተደራረብቲ ሕቶታት እናልዓለ እዩ።

"መንግስቲ ግና ምምሕዳራውን ናይ ሓይሊ ስጉምትን ምውሳድ እዩ መሪፁ" ብምባል ይኽምብቱ።

ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝተፈጠረ ጎንፂ እውን ብተመሳሳሊ ይምልከትዎ። ከም እምነት ጀነራል ኣበበ፡ እዞም ዝፍጠሩ ዘለዉ ጎንፅታት፡ ብቐሊሉ ክስተኻኸሉ ዝኽእሉ እዮም ነይሮም።

"ህዝቢ ዝቃወም ዘሎ ነቲ ስርዓት እዩ"፡ብምባል እቲ ዓብይ ፀገም፡ ነዚ ተቓውሞ ዝመርሕ ኣካል ዘይምህላው ወይ ድማ፡ እቲ ፀገም ብግቡእ ተረዲኡ ዝፈትሕ መንግስታዊ ኣካል ምጥፍኡ ምዃኑ ይገልፁ።

ቀይሕ መብራህቲ

ናይ ኢዴፓ ኣቦ መንበር ነበር ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብወገኖም፡ እዚ ዘሎ ቅልውላው ካብዚ ብዝተፈልየ መንገዲ ይርድእዎ።

እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓደ ውድብ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ተፈጢሩ፡ ሓባራዊ ዝኾኑ ነገራት እናጠፍኡ ምኻዶም ሓደገኛነቱ የመዝን ይብሉ።

ከም ኣብነት ደማ፡ ዝተፈልየ ፖሊሲ ዘለዎም ውድባት ዝተፈላለዩ ክልላት እንተዝመርሑ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ከምዝነበረ ይሓቱ።

ኣብታ ሃገር እናተፈጠረ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ከይዱ፡ ከይዱ ህልውና እዚ ሓድሽ ስርዓት ኣብ ሓደጋ'ዶ የጥሕሎ?

ኣይተ ልደቱ፡ ኣብ ብሄር ዝተመስረተ ስርዓት ፌደራል፡ ዝነበሮም ስግኣት እናተተግበረ ከይኸውን ይፈርሑ። "እዚ ስርዓት እናላሕለሐ፡ እናላሕለሐ ከይዱ ከይብጠስ"።

ካልእ ይትረፍ፡ ኣምሓራ ዝበሃል ብሄርተኝነት፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ እናጎልበተ ምምፅኡ፡ ኩሉ ሓባራዊ ሃገር ብምዝንጋዕ፡ ነናይ ባዕሉ ምርኣይ ምጅማሩ፡ ናይዚ ምልክት እዩ ብምባል ይገልፁ።

ኣይተ ልደቱ፡ ካብ ኣወዳድባን ሕገ-መንግስትን ጀሚሩ፡ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም፡ እዚ ቅልውላው ናይዚ ውፅኢት ከምዝኾነ ይምልከትዎ።

"ዝፀንሐ ፀገም ኣይፈትሐን፡ ብኣንፃሩ ሓደሽቲ ፀገማት እዩ ሒዙ መፅዩ" ይብሉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኦሮምያ ዝተወለዐ ናዕቢ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ፀኒሑ

ጀነራል ኣበበ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 1966ን 1983ን ዓመተ ምህረት ኢትየጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እዛ ሃገር ከም ዘይተበተነት ብምግላፅ፡ እዚ ሓደጋ ግና ብጣዕሚ እናተለጠጠ ከይኸውን ይሰግኡ።

ከም ኣብነት፡ ኣብ ጎንደር ኣምሓራ ዝተፈጠረ ዓመፅን ዕግርግርን፡ ፡ ነቲ "ኣይክልልካን'ዩ ውፃእ ዝተብሃለ" ባዕሉ እቲ ህዝቢ ወገን ከምዝኾኖ ይዛረቡ። ኣብ ኦሮምያ ድማ ከምኡ።

ኣብ ትግራይ፡ ዝተማረኸ ወተሃደር ደርግ ሓብሒቡ ናብ ዓዱ ዝለኣኸ ህዝቢ እዩ።

እዞም መርኣያታት ብምጥቃስ ድማ እዚ ኩነታት "ስርዓት እምበር ምብትታን ሃገር ኣየስዕብን'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎም።

እሞኸ እንታይ ይገበር?

ክልቲኦም ተንተንቲ ዋላ'ኳ ኣብ መንቀሊ እንተተፈላለዩ፡ ኣብ ፍታሕ ምንዳይ ግና ይስማዕምዑ።

ኣዋጅ ህፁፅ ግዜን ናይ ሓይሊ ስጉምትን፡ ነቲ ቅልውላው ኣዝሒልዎ እምበር ከምዘይፈትሖ ይኣምኑ።

ኣይተ ልደቱ፡ እቲ ስርዓት፡ ምልስ ኢሉ ንባዕሉ ክርእይ ኣለዎ። ኣወቓቕራ እቲ ስርዓት ፌደራል፡ መሊሱ፡ እንደገና ንምርኣይ፡ ምስ ህዝብን ዝምልከቶምን ኣካላት ክዘራረብ ኣለዎ ይብሉ።

"ብፍቶት ምምሕያሽ እንተዘይተኻኢሉ፡ ብሓይሊ ምፍፃሙ ኣይክተርፍን'ዩ" ብምባል።

ጀነራል ኣበበ እውን፡ መመሓየሺ ብምግባር፣ ኣብ መዋቕር እቲ ስርዓት ምዝርራብ ከምዘድሊ ይዛርቡ። ይኹን እምበር እታ ሃገር ኣብ ስግግር ብምህላዋ፡ ብዙሕ መዋቕራዊ ፀገማት ከምዘለዉዋ እምነቶም እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት