መረዳእታ ነፈርቲ ኲናትን መራኽብን ኣውስትራልያ ተሰርሲሩ

ነፋሪት ውግእ ኣውስትራልያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ዝተፈፀመ ስርቂ ብዛዕባ መርሃ ግብሪ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ኤፍ-35 ኣወስትራልያ የጠቓልል።

ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሰራ ዳርጋ 30 ጊጋባይት ዝኸውን ሓበሬታ [ዳታ]፡ ብፍላይ ንናይ መንግስቲ ውዕላትን እንተላይ ብዛዕባ ሓደስቲ ናይ ኲናት ነፈርትን መራኽብን ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ ሰነድ ንሓደጋ ተቓሊዑ።

እቲ ሓበሬታ ብንግዳዊ መለክዒ ኣዝዩ ተነቃፊ'ኳ እንተነበረ ምስጢራዊ ግና ኣይነበረን ኢሉ እቲ መንግስቲ። ኣብቲ ስርሰራ፡ ናይ ዝኾነት ሃገር ኢድ ምንባሩን ዘይምንባሩን ግና እቲ መንግስቲ ዛጊት ኣይፈለጠን።

ናይ ኣውስትራልያ ናይ ስርሰራ ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ድማ ነቲ ተኣምራዊ ስርሰራ ''ኣልፍ'' ሰምየሞ፡ ድሕሪ ሓደ ኣብ 'ሆም ኤንድ ኣወይ' ዝተባህለት ናይ ተሌቪዥን ተኸታታሊት ድራማ ዝተዋስአ ተዋስኣይ።

እቲ ጥሕሰት ዓሚ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ሓምለ ኢዩ ጀሚሩ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ምልክታት ዳይሬክቶሬት [ኤ ኤስ ዲ] ክሳብ ሕዳር ኣይተሓበረን ጸኒሑ። ናይቶም ሰርሰርቲ መንነት ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

''ሓደ ዝዓይነቶም ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ክኾኑ ይኽእሉ'' ኢሉ ምኒስተር ምክልኻል ኢንዳስትሪ ክሪስቶፎር ፐይን ንናይ ኣውስትራልያ ናይ ዜና ማዕከን ክሕብሮም እንከሎ።

እቲ ሰርሳሪ ''ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ድማ ናይ ውልቀ ተዋሳኣይ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ድማ ሓደ ንኻልእ ኩባንያ ዝሰርሕ'ውን ክኸውን ይኽእል'' ኢሉ እቲ ምኒስተር።

እቲ ስርቂ ንሃገራዊ ጸጥታ ዝኾነ ስግኣት ከምዘይብሉ ከምዘረጋገጽሉ ድማ ምኒስተር ፐይን ገሊጹ።

ድኽመታት ተመዝሚዙ

እቲ ዝተኻየደ ስርሰራ ኣዝዩ ''ሰፊሕን ልዑልን'' ከምዝነበረ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ምልክታት ዳይሬክቶሬት [ኤ ኢስ ዲ] ሓላፊ ሚቼል ክላርኪ ገሊጹ።

እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ እተን ኣስታት 17 ቢልዮን ናይ ኣውስትራልያ ዶላር [ ኣስታት 10 ቢልዮን ፓውንድ ወይ ድማ 13 ቢልዮን ዶላር] ዘውጽኣ ሓደስቲ ኤፍ-35 ዝዓይነተን ናይ ኲናት ነፈርትን፡ ሲ 130 ናይ መጓዓዝያ ነፈርትን፡ ፒ-8 ዝዓይነተን ናይ ስለያ ነፈርትን ከምኡ'ውን ''ውሑዳት'' ናይ ኲናት መራኽብን ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ፡ ኢሉ ክላርክ።

ክላርክ ኣብ ሲድኒ ኣብዝተኻየደ ኮንፍረንስ ከምዝበሎ፡ እቲ ሰርሳሪ ነቲ ኣብቲ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ሶፍትዌር ዝነበረ ድኽመታት መዝሚዝዎ'ዩ ኢሉ። እቲ ሶፍትዌር ን12 ኣዋርሕ ከይተሓደሰ ኢዩ ጸኒሑ ድማ ኢሉ።

እቲ ኤሮ-ስፐይስ ኢንጂነሪንግ ትካል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ምስጢራዊ-ቃል ጉድለታት ከምዝነበሮ ድማ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ ኹሉ ድማ [ኤ ኢስ ዲ] ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ነቲ ኹሉ ኣገባባት ከማሓይሽዎ ጀሚሮም ኣለው።

'መለበሚ ዝኸውን መዘኻኸሪ'

መንግስቲ ምስቲ ኣብ ኣደላይድ ዝርከብ ትካል ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉን፡ እቲ ትካል ምናልባሽ ብኻልእ ኮንትራክተር ተቖጺሩ ይኸውን ድማ ኢሉ።

''ሓንቲ ንእሽቶ ትካል፡ ኣብ ናይ ኮምፒዩተር ናይ ጸጥታ ጉዳይ ዘርኣየቶ ዝንጋዐ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ክትከሶ ግቡእ ኣይመስለንን'' ኢሉ ፐይን።

''ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ እቲ ዝተሰርቀ ሓበሬታ ንግዳዊ እምበር ወተሃደራዊ ሓበሬታ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና እቲ ስርቂ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ፡ መንግስቲ ድማ ከጻርዮ ኢዩ'' ኢሉ ፐይን።

''ብዛዕባ መንነት ናይቶም ሰርሰርቲ ንህዝቢ ኣየፍለጥናን''፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ኣዝዩ ምስጢራዊ ክኸውን ሰለዘለዎ ድማ ኢሉ።

ብዝኾነ እቲ ዝተፈጸመ ስርሰራ ''መለበሚ'' ክኾነና ኢዩ ድማ ኢሉ።