"ወላዲየይ ኣብ መገዲ እናተጉዓዘ ከሎ እዩ ብጥይት ተቐቲሉ"

ኢትዮጵያ Image copyright Google
ናይ ምስሊ መግለጺ ካርታ ኢትዮጵያ

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ክልል ኦሮምያ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ብዝተኻየዱ መን ከምዝፀውዖም ዘይፍለጡ ሰልፍታት ተቓውሞ ህይወት ሽድሽተ ሰባት ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

ክልላዊ መንግስቲ ከምዘረጋገፆ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ህይወት ሽድሽተ ሰባት እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 33 ሰባት ማህሰይቲ ኣጋጢሙ።

ካብ ሞንጎ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰለስቲኦም ኣብ ከተማ ሻሸመኔ እዮም።

ኣብታ ከተማ ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ወዲ 67 ዓመት ሽማግለ ኣይተ ገለቶ ገነሞ ይርከብዎም። ኣይተ ገለሞ ኣብ ከተማ ሻሽመኔ ንዝነብር ወዶም ሃዳም ገለቶ ክበጽሑ፡ ካብ ገጠር ምስ መጽኡ እዮም ብጥይት ተወቒዖም ህይወቶም ዝሓለፈ። ሃምዳ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ወላዲየይ ኣብ መገዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ኣይነበረን። ይጉዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ካብ መኪና ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቒዑ'ዩ ህይወቱ ሓሊፋ" ኢሉ።

ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ካልእ ውልቀ-ሰብ ድማ ኣብ ኢዱ ብጥይት ተወቒዑ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ፈለማ ብእምኒ ዝተወቓዕኩ መሲሉኒ ነይሩ። ኣብ ድንጋፀ ኮይነ ንድሕሪት ምስረኣኹ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ዝፀዓነት ፓትሮል መኪና ተዓዚበ። ኣብ ውሽጢ ጋቢና ካልኦት ይንበሩ ኣይንበሩ ግን ኣይረኣኹን" ኢሉ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ እዚ መንእሰይ ተወሳኺ ሕክምና ንምርካብ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ሃዋሳ ከምዝኸደ ሓቢሩና።

Image copyright Addisu Arega
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሽም መንግስቲ ዝፅውዑ ሰልፍታት እናበዝሑ እዮም

ከንቲባ ከተማ ሻሸመኔ ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፡ ኣብቲ ዝነበረ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፀን። ንሕልፈት ክልተ መንእሰያትን ሓደ ሽማግለን ተሓተቲ እዮም ዝተባህሉ ክልተ ኣባለት ፖሊስ ፌደራልን ሓደ ኣባል ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምምሕዳር ከተማ ሻሸመኔ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

'መን ከምዝፀውዖ ዘይፍለጥ ሰልፊ'

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ሻሸመኔ፣ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ቦኬ፣ ኣምቦን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዝተኻየዱ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ብዘይካ ኣብ ሻሸመኔን ቦኬን ዘጋጠሙ ፀገማት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተገብሩ ሰልፍታት ብሰላም ተዛዚሞም ኢሎም። ኣይተ ኣዲሱ ከምዝበልዎ መን ከምዝጸውዖም ኣብ ዘይተፈለጡ ሰልፍታት ህይወት ሽዱሽተ ሰባት እንትሓልፍ ልዕሊ 30 ተጎዲኦም።

ከም መብርሂ ኣይተ ኣዲሱ እንተኾይኑ ልሙዳት እናኾኑ ዝመፁ ዘለዉ 'ንመንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንድግፍ ኢና ብዝብል ዝፅውዑ ሰልፍታት እዮም። "ሎሚ ሎሚ ፃውዒት ዝግበረሎም ዘሎ ሰልፍታት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣይኮኑን። ካልእ ልኡኽቶ እዩ ዘለዎም" ይብሉ እቶም ሓላፊ።

"ግን ድማ እቶም ዝካየዱ ሰልፍታት ሕጋውነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ጥራይ ኢዶም ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ዜጋታት ተኹሲ ከፊቶም ህይወት ዘጥፍኡን ኣካል ዘጉደሉን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ክሕተቱ እዮም" ኢሎም።

ትማሊ እውን ኣብ ከተማታት ጉደርን ወሊሶን ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።

ጎንፂ ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያን፥ ሐሙሽተ ቀንዲ ዛዕባታት

ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሂወት 18 ሰባት ጠፊኡ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት