ነባር ኮኸብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጆርጅ ዊሃ ኣብ መረጻ ላይበርያ ንመሓንሕቱ ይመርሕ

ጆርጅ ዊሃ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃ

ኣብ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ላይበርያ፡ ዛጊድ ዕላዊ እኳ እንተዘይኮነ፡ ነባር ኮኸብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጆርጅ ዊሃ ይመርሕ ከምዘሎ ግን ይሕበር ኣሎ።

መረዳእታ ኮምሽን መረጻ ላይበርያ ከምዝሓበሮ፣ ዛጊድ ከይዲ ቆጸራ ውጽኢት ካብ ዝተገበረሎም 15 ኑቕጣታት መረጻ ጆርጅ ዊሃ ኣብቶም 11 ኑቕጣታት ተዓዊቱ።

ኣውራ ተነሓናሒኡ፣ ምክትል ፕሬዚደንት ጆሴፍ ቦካይ ከዓ ኣብ ሓዲኡ ኑቕጣ መራጻ ብቐዳምነት ዛዚሙ ኣብ መብዛሕትኦም ከኣ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ብመሰረት ሕጊ መረጻ ላይበርያ፣ ሓደ ተነሓናሒ ፕሬዚደንት ንኽዕወት ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ መራጾ ክረክብ ኣለዎ።

ንፕሬዚደንትነት ዝበቅዕ ድምጺ ዝረኸበ ተነሓናሒ እንተተሳኢኑ ግና፡ እቲ መረጻ ዳግማይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከምብሓዱሽ ክካየድ'ዩ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ንተሸላሚት ኒሻን ሰላም ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚደንት እታ ሃገር፡ ኤሌን ጆንሰን ሰርሊፍ ንምትካእ ዝዓለመ'ዩ።

ክፋል ውጽኢት ፕሬዚደንታዊ መረጻ ዝሰምዑ ኣሰልጣኒ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኣርሴናል፣ ኣርሴን ቬንገር ናይ ቀደም ተጻዋታዮም ጆርጅ ዊሃ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዓወተ መሲሉዎም ነይሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጆርጅ ዌ ተጻዋታይ ክለብ ሞናኮ እናሃለወ ኣርሴን ቬንገር ኣሰልጣኒኡ ነይሮም።

ብናይ ሓሶት ጸብጻብ ተደናጊሮም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ''ንናይ ቀደም ተጻዋታይ ናይ ሎሚ ሓዲሽ ፕሬዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊሃ እንኳዕ ሓጎሰካ ክብል ይፈቱ'' ኢሎም።

''ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነይሩስ ንፕሬዚደንትነት ዝተወዳደረ ምርኣይ ልሙድ ስለዘይኮነ፡ ጆርጅ ጽቡቐ ስራሕ ሰሪሕካ '' ብምባል ንነባር ተጻዋታዮም ንኢዶሞ።

መረፃ ላይበርያ ካብ ቤት ማእሰርቲ እንግሊዝ ይእለ ከይህሉ ይጥርጠር

ኣቦ መንበር ኮምሽን መረጻ ላይበርያ ጀሮምየ ኮርኮያ ብጊደኦም፣ ዝናፈሱ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ብምኹናን፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኮምሽን መረጻ፡ ሓቃዊ ውጽኢት መረጻ ዕላዊ ንምግባር ዝከኣሎም ኩሉ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።

እቲ ኮምሽን ሽም ተዓዋቲ ፕሬዚደንት ዕላዊ ከምዘይገበረ'ውን ጀሮመ ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ ተዓዘብቲ መረጻ ላይበርያ'ውን ብተዛማዲ ኣብ ከይዲ መረጻ ዝጎልሕ ጸገም ከምዘየጋጠሞም ኣረዲኦም።

3 ተነሓናሓቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ግን ግልጽነት ዝጎደሎ መረጻ ነይሩ ብምባል ክሴታ ኣቕሪቦም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ምክትል ፕሬዚደንት ላይበርያ ጆሴፍ ቦካይ ህዝቢ ላይበርያ ርኡይ ልእዓት ይጠልብ ኢሎም

ድሕሪ ናይ ክልተ ምዕራፍ መሪሕነት ስልጣን ከረክባ ተቐሪበን ዘለዋ ጓል 78 ዓመት ፕሬዚደንት ላይበርያ ኤሌን ጆንሰን ሰርሊፍ ዕውት መረጻ ኢለንኦ።

ኣብ መረጻ ንዝተሳተፉ ላይበራዊያን ድማ ኣመስጊነን። ካብ ኣሜሪካ ብዝተመልሱ ባሮት ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ዝተመስረተት ላይበርያ ኣብ ውሽጢ 73 ዓመታት ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ኣካይዳ ኣይትፈልጥን።

ፕሬዚደንት ሰርሊፍ፣ ቅድሚኤን ፕሬዚደንት ንዝነበሩ ቻርለስ ታይለር ብዓመጸኛታት ካብ ስልጣኖም ምስተኣለዩ'ዩ እየን ኣብ 2006 ዓ/ም/ፈ ናብ ስልጣን ዝደየባ።

ቻርለስ ታይለር፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሰራሊዮን ፈጺሞሙዎ ብዝተባህለ ወተሃደራዊ ገበን ምኽንያት ናይ 50 ዓመታት ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ እንግሊዝ ይርከቡ።

ኣብ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ላይበርያ ዝመርሕ ዘሎ ወዲ 51 ዓመት ጆርጅ ዊሃ ንነባር በዓልቲ ቤት ታይለር፣ ጅል ሃዋርድ ታይለር ከም ብጸይቱ ገይሩ'ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት