ኣይተ በረኸት ስምኦን ካብ ስልጣኖም ንኽሰናበቱ ሕቶ ኣቕሪቦም

ኣይተ በረከት ስምኦን Image copyright AFP

ቢቢሲ፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ከምዘረጋገፆ፥ ኣይተ በረኸት ብፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ንክእለዩ ዝሓተቱ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቀዳማይ ሚኒስቴር ብዘቕረቡዎ ደብዳበ እዩ።

ኣይተ በረኸት፡ ንብርክት ዝበሉ እዋናት ብቦርድ ዝመርሑዎ ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ጊዜ ከመዘረክቡ ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ መዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምቕናዩ ዝዝከር እዩ።

ንመወዳእታ ጊዜ ኣብ ቢሮኦም ዝተረኸቡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ከምዝኾነ ምረግጋፅ ተኻኢሉ።

ኣይተ በረኸት፥ ዋና ተዋሳኣይ ዝኾኑሉ ማእኸል ፅንዓትን ምርምርን ፖሊሲ ኢትዮጵያ፡ ዘቕረቦም ውፅኢታት መፅናዕቲ ንቀዳማይ ሚኒስቴር ሓዊሱ ብሚኒሰቴራትን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ከምዘይተፈተወሎም ተፈሊጡ።

ንሶም ድማ ምሰዚ ተኣሳሲሩ ሕጉስ ከምዘይነበሩ ምንጭታት ሓበሬታና ገሊፆም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፥ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ማለት እውን ካብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ፡ ክሳብ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፡ ህዝቢ ብምሕደራ መንግስቲ ዘስካሕኸሐ ምዃኑ መፅናዕቲ ቀሪቡ፡ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ዘካተዐ ምንባሩ ይዝከር።

ኮይኑ ግና ኣይተ በረኸት፥ ካብ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ዘለዓዓሎም ካልእ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ምኽንያት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ምርግጋፅ ኣይተኻእለን።

ኣይተ በረኸት ተጋዳለይን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ኢህወዴግ ከምኡ'ውን መስራቲ ብኣዴን ምዃኖም ይፍለጥ።

ን26 ዓመታት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝፀንሑ እንትኸውን፥ ብፍላይ ከኣ ሚኒስትር ሓበሬታ፥ ዳሐር ድማ ሚኒሰትር ኮሚኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዝዝከር'ዩ።

ማእኸል ፅንዓትን ምርምርን ኢትዮጵያ ብኣይተ ኣባይ ፀሃየ ዋና ዳይሬክተርነት ዝምራሕ እዩ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢትዮጵያ፥ አይተ ኣባ ዱላ ገመዳ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፍነቶም ምርካቦም ይዝከር።