ሩባ ኣባይ፡ ብፅኑዕ ሓሚሙ (ቀዳማይ ክፋል)

ኣባይ
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋሕዲ ፍሰት ማይ ሩባ ኣባይ ሃገራት እቲ ኸባቢ ናብ ጎንጺ ከምርሐን ይኽእል'ዩ

እቲ ኣብ ዓለም ብንውሓቱ ቀዳማይ ዝኾነ ሩባ ኣባይ፥ ብፅኑዕ ሓሚሙ'ሎ ይሕሾ'ዶ ይገዶ ይኸውን?

ቅጥዒ ዘይብሉ መጠን ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ፥ ቀንዲ ፍልፍል (ምንጪ) እቲ ሩባ ክመራሳሕን ክብሕጎግን ምኽንያት ኮይኑ። ሐዚ ድማ ለውጢ ኩነታት ኣየር እቲ ፀገም እናጋደዶ ይርከብ።

ብተወሳኺ መጠን እቲ ወሓዚ ማይ እናነከየ እንትኸይድ ፥ ብኣንፃሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ሩባ ዘሎ ከባብያዊ ንሕንሕ ይጎሃሃር።

ሕፅረት ዝናብ

እቲ ፀገም ካብ ሱሩ ካብዚ እዩ ዝጅምር። ብመሰረቱ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወርድ ዝናብ እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ማይ እቲ ሩባ። ማለት 'ውን 80 ሚኢታዊ ይሕዝ።

ሩባ ኣባይ (ብሉ ናይል) ኣብ ደቡባዊ ቃላይ ጣና ካብ ዝርከቡ በረኻታት ሓዲኡ ተበጊሱ እንተንቆልቁል ናብ ሓያል ናህርን ሓይልን ዘለዎ ውሕጅ ይቕየር።

ካብ ዓበይቲ ቃላያት ቪክቶርያ ዝብገስ ንእሽተን ንውሕ ዝበለ 'ፃዕዳ ናይል' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ድማ፡ ውሕድ ዝበለ መጠን ማይ ሒዙ ምስ 'ቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝነቅል 'ብሉ ናይል' ኣብ ካርቱም ይራኸቡ።

ኮይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝናብ ኣይከምቀደሙን። እዚ ድማ ነቲ ገረብ-ተፋሰስ ብሓፈሻ ሓደጋ ዘስዕብ እዩ።

እቲ ወቕቲ ክረምቲ ካብ ልሙድ እንትሓፅር ፥ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ደንጉዩ እንትኣቱ ይስትውዓል።

ናይ ምስሊ መግለጺ 80 ሚኢታዊት ፍልፍል ማይ ሩባ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ'ዩ

"ምግማት ኣይከኣልን። ተቐያያሪ እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ጥንኩር ይኸውን፥ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ቀሊል ክረምቲ። ኩሉ ጊዜ ዝተፈላለየ እዩ" ይብሉ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ መምህር፥ ለኣከማርያም ዮሃንስ ወርቁ።

ክዘንብ እንከሎ'ውን፥ ሓደ ሓደ ጊዜ ከቢድ ሓደጋ ውሕጅ የስዕብ። ብቢልዮን ቶን ዝቑፀር ልሙዕ ሓመድ ኢትዮጵያ ካብ በሪኽ ቦታታት ተሸኪሙ፡ ናብ ተፋሰስ-ገረብ ናይል የእትዎ። እዚ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰሳት-ገረብ ዝርከቡ ብዙሓት ሓፅብታት ሑፃ ይመልኦም። ሓረስቶት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሓመዶም ዝነበሩ ልሙዓት ባእታት ሓፃፂቡ ብምውሳድ ጥርሖም የትርፎም።

ልዑል ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ እቲ ፀገም ክተሐላለኽ ይገብሮ 'ሎ። ምኽንያቱ፥ ኣባላት ሓደ ዓብይ ስድራ ንገዛ መስርሒ ኮነ ንዕለታዊ መነባብሮኦም ዝኸውን ብዙሕ ኣግራባት ክቖርፁ ስለ ዝግደዱ። ሓደጋ ውሕጅ'ውን እንተኾነ እናተደጋገመ መፂኡ።

መስኖ ዘይጥቀሙን፥ መነበባረኦም ኣብ ዝናብ ፅግዕተኛ ዝኾነ ሕርሻ ዝተደረኸ፥ ብዋሕዲ ዝናብ ምኽንያት ፍርያቶም እንትጠፍእ፥ ዋጋ ምህርቲ ሕርሻ እንትውስኽን ናብ ዝኸፍኣ ድኽነት እንትጥሕሉን ይረአ።

ሓደ ሓደ ነበርቲ ድማ መነባብሮ ገጠር ጠንጢኖም ናብ ከተማ፥ ንኣብነት ባህርዳር ወይከኣ ናብ ኣዲስ ኣባባ የምርሑ።

ገሊኦም ድማ፥ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ መነባብሮ ክደፍኡ ይግደዱ፥ ሓደ መዓልቲ ዝናብ ክዘንብ እዩ ዝብል ተስፋ ዘይብሉ፥ ተሰፋ ሰኒቖም።

ውሑዳት ግና በቃ! ኢሎም ተስፋ ቖሪጾም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ዝወቕዕ ዝናብ ኣይ ከም ናይ ቀደሙን

ወዲ ዓሰርቲ 17 ዓመት መንእሰይ ጌትሽ ኣዳሙ፥ ትምህርቱ ኣቋሪፁ እቲ ብጣዕሚ አሰቃቒ ዝኾነ መንገዲ መዲቴራንያን ኣቋሪፁ ክስደድ እናሐሰበ እዩ።

"ኣነ ንባዕለይ፥ ገና ኣይወሰንኩን። ምስ ስድራይ ክፀንሕ ይመርፅ። እቲ ዝናብ ከምቲ ዝሪኦ ዘለኹ እንተኾይኑ ግና ክፀንሕ ኣይክእልን" ይብል።

ጎንፂ ግድብ

ሩባ ኣባይ ኣርሒቑ ብዝተጎዓዘ ቁፅሪ፥ እቶም ፀገማቱ ውን ይበዝሑ። ንጣና ንድሕሪት ገዲፉ 30 ማይል ምስተጉዓዘ፥ ዝገርም መንጫዕጨዕታ (ጢስ) ኣባይ ይፈጥር። ቀፂሉ ድማ ገደላ ገደል ሓሊፉ ናብ ዓብይ ሽንጥሮ ይአቱ።

ኣብ ሕድ ሕድ ሽንጥሮ ንቕድሚት እንትህጅም፥ ገባራት ሩባታት ይሕወሱዎ፥ ተወሳኺ ጉልበት ድማ ይህብዎ።

ካብ ኣፃድፍን በረኽቲ ቦታታትን ን1500 ሜትሮ ተጓዒዙ ሰጥ ኣብ ዝበለ ሜዳ ስጥሕ ኢሉ ጉዕዝኡ ይቕፅል። ኣባይ ብጣዕሚ ሰሓባይን ግልል ኢሉ ዝኸይድን ኳ እንተኾነ፥ ካብቲ ሙሉእ ገረብ-ተፋሰስ ውሽጢ ብጣዕሚ ከኣ ዝተረበሸ ኣካል እዩ።

ምኽንያቱ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘይርከበሉ ኣብ ምዕራብ ከባቢ እንትበፅሕ ሓውሲ ጓህን ጭቕጭቕን የተኣናግድ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ክሳብ ስርሖም ምግዳፍ በጺሖም

ኣብ ልዕሊ ህንፀት ዝርከብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ጀሚሩ ክሳዕ ኣብ ጥቓ እቲ ሩባ ዝርከብ መሬት ንምልማዕን ንወፃእተኛታት ንምሃብ ተባሂሉ ነበርቲ ሓረስቶት ምምንዛዕ የካትት።

ካብቲ ከባቢ ፀብፃብ ንምስራሕ ምምኳር ንባዕሉ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን።

ነባሪ ኢንጂበራ ኣይተ ሳሙኤል ዝተብሃሉ ወናኒ ቤት ምግቢ፥ "ክትርደኦ ዘለካ ሓደ ሓደ ክንዛረቦም ዘይንኽእል ነገራት ኣለዉ።" ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆሙለይ።

ዝተጋነነ ስግኣት ኣይነበረን። ድሕሪ ሒደት መዓልታት፥ ዝኾኑ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዝሓዝኩዎ ሆቴል ኣትዮም፥ መደቀስየይ ፈቲሾሞ።

ካልእ ጊዜ ድማ፥ ነቲ ግድብ ቀረባ ዝኾነት ቻግኒ ኣብ እትበሃል ከተማ መሬቶም ዝተመንጠሉ ሓረስቶት ከዘራርብ ምስፈተንኩ ፖሊስ ጠጠው ኣቢሉኒ።

ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ

ናይ ምስሊ መግለጺ ግድብ ህዳሰ ኢትዯጵያ 7 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ

ዳርጋ ሓደ ማይል ዝንውሓቱ፥ ክሳብ 7 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ እዩ። ህዳሰ ግድብ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን መሰረት ኩርዓትን ሓበንን እንትኸውን፥ ብሚልዮናት ንዝቑፀሩ ዜጋታት ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን ተስፋ ይግበረሉ።

ይኹን ምበር ኣብቲ ተፋሰስ ታሕተዋይ ኣካል እትርከብ ግብፂ ግና፡ ፍሰት እቲ ማይ ክቋረፅ ይኽእል እዩ ብዝብል፥ ሓያል ስግኣት ሓዲሩዋ። ኣብዝሓ ከባቢ እታ ሃገር ፥ ፀምፀም በረኻ እንትኸውን፥ ዝናብ ዝብሃል ኣይትፈልጥን።

ብምዃኑ ድማ 95 ሚኢታዊ ምንጪ ማይ ግብፃዊያን ካብ ሩባ ኣባይ እዩ።

ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ብ1959 ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ፥ ብሓደ ወገን ዝተፈረመ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ መንጎ ግብፅን ሱዳንን ረብሓ ንክውዕል ይእዝዝ።

ኮይኑ ግና ብኢትዮጵያን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት እቲ ተፋሰስን ግን ተቐባልነት የብሉን። ግብፂ ኲናት ክትከፍት ከምእትኽእል ኣፈራሪሓ ነይራ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ፅንክር ዝበሉ ቃላት ተለዋዊጦም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብ 1955 ዓ.መ.ፈ ዝተፈረመ ውዕሊ ማይ ኣባይ ንግብጺ ሙሉእ ብሙሉእ ዘረከበ'ዩ ነይሩ

ስለዝኾነ ድማ፥ ምናልባት ብማይ ዝተላዕለ ከባብያዊ ኲናት ዝካየድ እንተደኣ ኾይኑ፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓምለዋይ ሩባ ዝካየድ ሕሱም ጎንፂ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ ዝኸውን።

ኣብ ገማግም ጣና ኣብ ኢዱ ቢራ ዓቲሩ ዝፀንሐ ሙሴ ዝተብሃለ ባሕረኛ፥ "ኩሉ ነገር ሰላም 'ዩ ዝመስል፥ ኣይኮነን ድዩ?" ኢሉኒ።

"ብዝኾነ ኣብቲ ዋና ኣካል እቲ ማይ ከምዘለና እየ ዝፈልጥ። እቲ ማይ ኣብዚ እዩ ዘሎ፥ እቲ ግድብ 'ውን ምሳና። ሕሩይ መሬት"።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት