ብግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሶማልያ ዝተቐትሉ መንነቶም ዘይተፈለጡ 165 ሬሳታት ተቐቢሮም

ሶማልያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጻዕቂ ሰብ ኣብ ዝነበሮ ክልተ ከባቢታት ከተማ ሞቓዲሾ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ዝዓነወ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓዲሾ፡ ነታጒ ዝፀዓነት መኪና ብምፍንጃራ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም። መንነት እቶም መወትቲ ምፍላጥ ስለዘይተኽኣለ ከኣ 165 ሬሳታት ከይተለለዩ ተቐቢሮም።

መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ሶና፡ ኣስታት 276 ሰባት ምማቶምን ካብኦም መንነት 111 ሰባት ጥራሕ ክፍለጥ ምኽኣሉ ሓቢሩ።

መንግሰቲ ቱርኪ እውን፡ በቲ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ 40 ሰባት ብወተሃደራዊ ነፋሪት፡ ንሕክምና ናብ ቱርኪ ወሲዱ ኣሎ።

እዚ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ኣልሸባብ ኣንፃር መንግስቲ ሶማሊያ ደው ካብ ዝብል ካብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንደሓር፡ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ እዩ።

መንነቶም ምፍላይ ዘይተኽኣለ ሬሳታት ተቓፂሎም እዮም።

ግዳያት ሞት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ዝቕፅል መዓልቲ ክትምረቕ ዝነበረት ተምሃሪት ሕክምና ሳይንስ ትርከቦም።

ወላዲኣ፡ ኣብ ምረቕኣ ንክሳተፉ እዮም ናብ ሞቓዲሾ ከይዶም፡ ኣብ ክንዲ ምረቕኣ ግና ኣብ ቀብራ ውዒሎም።

ክሳብ ሕዚ ስራሕ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ፡ ጃምላዊ ሞት ዘስዓበ፣ ብርክት ዝበሉ ሆቴላትን ኣብያተ ብልዕታትን ከምኡ እውን መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈትን ንክዓንዉ ምኽንያት ዝኾነ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ሙሓመድ ዓብዱላሂ ሙሓመድ "ፋርማጆ" ግና፡ ብኣልሸባብ ዝተፈፀመ "ጭካነ ዝተመልኦ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ" ብምባል ኮኒኖም።

ምስ ኣልቃዒዳ ዝሸረኽ ኣልሸባብ፡ ኩሉ ግዜ ንከተማ ሞቓዲሾ ብምጥቃዕ፡ ሓላፍነት ክወስድ ጸኒሑ እዩ።

ድሕርቲ ዝተፈፀመ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሶማላውያን ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ንኣልሻባብ ኮኒኖሞ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ኣብ ርእሶም ቀይሕ ጨርቂ ብምእሳር ቁጠዐኦም ገሊፆም ።

ወይዘሪት ማርያም ዓብዱላሂ፡ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ብዶክተርነት ምተመረቐት ነይራ።

ሓፍቲ ወይዘሪት ዓብዱላሂ ዝኾነት ኣንፋ፡ ንቢቢሲ ከምዝገለፀቶ፡ ብጣዕሚ እያ ሰንቢዳ ነይራ።

"ስድራና ብጣዕሚ ኢና ሰምቢድና፡ ብፍላይ ኣቦና፡ ኣብ ናታ ምረቓ ንኽርከብ ካብ ለንደን ብዙሕ መንገዲ ተጓዒዙ እዩ መፂኡ። ኣብ ክንዲ ምረቕኣ ግና ኣብ ቀብራ እዩ ተረኺቡ። "

ኣንፋ ከምዝገለፀቶ ቅድሚ እቲ ምፍንጃር ነታጒ፡ ቅድሚ 20 ደቓይቕ ንሓፍታ ኣዛሪባታ ነይራ ።

"ኣብቲ እዋን ኣብ ትሰርሐሉ ሆስፒታል ባንዳሪ ከምዝነበረት ነጊራትኒ እያ። ሽዑ ሓደ ሓደ ማህደራት ትፅበ ከምዝነበረትን መሊሳ ከምትድውለለይን ነጊራትኒ"

Image copyright Anfa'a Abdullahi
ናይ ምስሊ መግለጺ ማርያም ዓብዱላሂ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሶማልያ ካብቲ ቦታ ከምዝሓበሮ፡ በቲ ነቷጒ ሆቴል ሳፋሪ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ እንትኸውን፡ ብፍርስራስ እቲ ህንፃ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተፀቒጦም እዮም።

ነባሪ እቲ ከባቢ ሙሕየዲን ዓሊ ንAFP ከምዝተሓበሮ፡ " ቅድሚ ሕዚ ርእየዮ ዘይፈልጥ ከቢድ መጥቃዕቲ እዩ፡ ነቲ ከባቢ ብሙሉኡ ኣዕንይዎ። "

ዳይሬክተር ሆስፒታል ሞሓመድ ማዲና የሱፍ ሓሰን፡ ብዕንወት እቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰንቢዶም ምንባሮ ተዛሪቦም።

" ትማሊ ዘጋጠመ ነገር ብፍፁም ንምእማን ዝኸብድ እዩ፡ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየ ኣይፈልጥን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ብዙሓት ሬሳታት እውን ተቓፂሎም እዮም። "

ተመሳሳሊ ዛዕባታት