ኣብ ሶማልያ ዝዓረደ ኣል-ሸባብን ተግባራቱን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣልሸባብ ካብ ሶማሊያ ሰጊሩ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ እውን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍፅም
እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣንፃር'ቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ምቅላስ ይርከብ።። ምስ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ከም ዘለዎ ዝዝረበሉ ጉጅለ ካብ ኣብዝሓ ተቖፃፂርዎም ዝፀንሐ ከባቢታት ተደፊኡ ዝወፀ እንትኸውን ስግኣት ኮይኑ ምቕፃሉ ግን ኣይተረፈን።
ኣል-ሸባብ መን እዩ?
ኣል-ሸባብ ብዓረብኛ እንትትርጎም መናእሰይ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ኣብቲ ፈለማ፡ ሰጓሚ ክንፊ መናእሰይ ኮይኑ እንተተጣየሸኳ ብኡኡ ግን ኣይቀፀለን። ናብ እስላማዊ ሕብረት ብምስግጋር ኣብ 2016 ንሞቓዲሹ ተቖፃፂሩ። ድሕሪ ግዘ ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኡ።
ካብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ሓዊሱ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዋፅኡ ጂሃዲስት ወፃእተኛታት ነቲ ጉጅለ ንምሕጋዝ ናብ ሶማልያ ከምዝኸዱ ዝገልፁ ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት ኣለዉ።
ብኣሜሪካን እንግሊዝን ኣሸባሪ ጉጅለ ዝተሰመየ ኣልሸባብ ካብ 7000 ክሳብ 9000 ዝበፅሑ ዕጡቓት ከምዘለውዎ ይግመት።
ኣብዝሓ ሶማሊያዉያን ሱፊ ሙስሊም እንተኾኑ'ኳ ኣል-ሻባብ ግና ስዑዲ ንእተተባብዖ ወሃቢያ እዩ ዝድግፍ።
ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ኣዝዮም ጥቡቓት ዝኾኑ ሕግታት ሸሪዓ ተግባራዊ ገይሩ እዩ። እቶም መቕፃዕቲታት ድማ ዝሙት ንዝፈፀመት ብዳርባ እምኒ ክትቕተል ምግባርን ክሰርቕ ንዝተረኸበ ኣእዳው ምቑራፅን ይርከብዎም።
ኣል-ሸባብ ኣብ ኬንያ
እቲ ጉጅለ ኣብ ኬንያ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ፈፂሙ እዩ። 2 ሚያዝያ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥቓ ዶብ ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጋሬሳ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ይዝከር።
በቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ተምሃሮ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት እንትፍፀም 148 ሰባት ተቐቲሎም።
ቅድሚኡ፡ ኣብ 2013፡ ዌስትጌት ኣብ ዝተባሃለ ማእኸል ዕዳጋ፡ ብዝተፈፀመ መጥቃፅቲ ብውሑድ 68 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
ኣብ ዌስትጌት ኮነ ካልኦት ኣብ ዝፈፀሞም መጥቃዕቲታት ካብ ቁርኣን ሓደ ምዕራፍ ክፀርሑ ንዘይከኣሉ እናፈለየ እንትቐትል እስላም ምዃኖም ንዘረጋገፀሎም ግን ምሒርዎም እዩ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብኣል-ሸባብ ዝፍፀሙ ቀለልቲን ከበድቲን መጥቃዕቲታት ኣየቋረፁን።
ኬንያ ኣንፃር እቲ ጉጅለ ዝየድ ቃልሲ ንምጥንኻር ብሕብረት ኣፍሪካ ናብ ዝምራሕ 22,000 ሰራዊት፡ ወተሃደራታ ፀምቢራ እያ። በዚ ተግባራ ብምሕራቕ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ዘነፃፀረ መጥቃፅቲ ክፍፅም ከምዝወሰነ እዩ ኣል-ሸባብ ዝገልፅ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያ፡ ብተደጋጋሚ ዒላማ ኣል-ሻባብ ብምዃና ስግኣት ፀጥታ ዝሓደሮም ዜጋታት ንተቓውሞ ናብ ኣደባባያት ወፂኦም
ኣብ 2016፡ ኤል-ኣዴ ኣብ ትበሃል ንእሽተይ ከተማ ሶማልያ ኣብ ዝነበረ መዋፈሪ ሰራዊት ኬንያ መጥቃፅቲ ፈፂሙ። ፕረዚደንት ነበር እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ በቲ መጥቃዕቲ 180 ወታሃደራት ከምዝሞቱ ምስሓበሩ ኣብቲ ኣሃዝ ግን ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሰራዊት ፍልልይ ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣልሸባብ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017፡ ኣብ ከተማ ኮልቢዮው ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ 50 ወተሃደራት ኬንያ ምቕታሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ጉጅለ ቁፅሪ ኣባላቱ ንምጥንኻር ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት እስላም ንዝርከቡላ ከተማ ሞምባሳ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መርበብ ዘርጊሑ ይርከብ።
ግን ኣልሽባብ ክንድምንታይ ዝኣክል ክፋል ሶማሊያ ተቖፃፂሩሎ?
ተቖፃፂርወን ዝነበረ ኣንኣሽቱን ዓበይቲን ከተማታት እንትስእን ሰፊሕ ከባቢታት ገጠር ግን ሕዚ'ውን ኣብ ትሕቲኡ ይርከብ።
ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ንርእሰ ከተማ ሞቃዲሹ እንትምንዝዖ፡ ንወሳኒት ወደብ ኪስማዮ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ስኢንዋ እዩ።
ንኪስማዮ ዝሰኣነ ኣል-ሸባብ ገንዘባዊ ቅልውላው ከጋጥሞ ኪኢሉ።
መጥቃዕቲ ኣጋር ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪካ ብነፈርቲ ኣሜሪካ ተሓጊዙ እዩ ተኻይዱ። መራሒ እቲ ጉጅለ ሓሺ ኣይሮን ተካኢኡ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳኔን እውን ኣብ 2008 ተቐቲሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መራሒ እቲ ጉጂለ ኣሕመድ ዑማር ኣቡ ኡባይዳ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣሜሪካ ንዕኡ ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ንዝሃበ 6 ሚሊዮን ዶላር ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።
ዝካየዱ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ጉጅለ እናዳኸምዎ ምምፅኦም ይዝረብ።
ኣልሸባብ ካብ ደገ ምስ መን ይራኸብ?
ብ2012 ኣብ ዝተፈነወ ቪድዮ መራሒ ኣል-ሸባብ መሓመድ ዓብዲ ጎዳኔ ንመራሒ ኣል-ቃይዳ ኣይማን ኣል-ዛዋሪ ተኣማኒ ምዃኑ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።
ክልቲኦም ጉጅለታት ንነዊሕ ኣዋን ሓቢሮም ሰሪሖም እዮም። ኣብ ጎኒ ኣል-ሸባብ ተሰሪዖም ዝተዋግኡ ወፃእተኛታት ምህላዎም እውን ይፍለጥ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣል-ሸባብ ኣብ ደቡብን ማእከላይን ሶማልያ ዝነበርዎ ዝበዝሑ ወሰንቲ ትሕዝቶታት ስኢኑ እዩ
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ንኣብነት ምስ ከም ቦኮ ሓራም ካብ ናይጀርያ፡ ኣብ በረኻ ሳህራ ምስዘሎ መሓውር ኣል-ቃይዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝቃልሑ ፀብፃባት ኣለው።
ምስ ጉጅለ እስላማዊ ምንቅስቓስ (ኣይ ኤስ) ዝምድና ንምፍጣር ዝተወጥነ ፈተነታት እውን ከይሰመረ ተሪፉ እዩ።
መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ኣቃቢ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ (ኣሚሶም)
2016
- 9 ሰነ: ኣል-ሸባብ 60 ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሃልጋን ከምዝቐተለ እንተፍልጥ - ብወገን ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለፂ ድማ ዝተቐተለ ወተሃደር ከምዘየለ ይሕብር።
- 21 ሚያዝያ: ሽድሽተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባይ ብዝትፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምብ ተቐቲሎም
- 22 ለካቲት: ኣብ ታሕተዋይ ኣዋሽ ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ተኹሲ 15 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም
- 15 ጥሪ: ኣብ ኤል-ኣዴ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ኬንያ ተቐቲሎም
2015
- 1 መስከረም: ጃናሌ ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ብዝተፈፀመ ዓርሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ን12 ወተሃደራት ዩጋንዳ ሓዊሱ ልዕሊ 20 ተቐቲሎም።
- 26 ሰነ: ጥቓ ሞቓዲሹ ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ሰራዊት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብውሑድ 50 ወተሃደራት ብሩንዲ ተቐቲሎም
2011
- 20 ጥቅምቲ: ኣብ ሞቃዲሹ ብዝተወለዐ ጎንፂ 70 ወተሃደራት ኣሚሶምን ሶማሊያን ተቐቲሎም
ኣብ ሶማልያ ሕዚ እንታይ ኩነታት ኣሎ?
ሶማሊያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሃድአ መንግስቲ ከይሃለዋ ዝፀንሐት ሃገር እያ። ዝበዝሕ ክፋላ እውን ኲናት ኣተኣናጊዱ።
ተቐባልነት ክረክብ ጀሚሩ ዝነበረ ኣል-ሸባብ ኣብ 2011 ንዘጋጠመ ጥሜት ካብ ወፃኢ ረድኤት ከይኣቱ ብምኽልካሉ ተኣማንነቱ ስኢኑ እዩ።
ሞቃዲሹን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ብምእታወን ዝሓሸ ተስፋታት ክጥጥዕ ጀሚሩሎ። ተመዛቢሎም ዝነበሩ ገንዘቦምን ክእለቶምን ሒዞም እናተመለሱ እዮም።
ከም መብራህቲ ጎደና፥ ምእላይ ደረቕ ጉሓፍን ካልኦት ግልጋሎታትን ኣብ ርእሰ ከተምኣ ኣንሳእሪሮም ኣለዉ።
ሕዚ'ውን ኣብ ሶማሊያ ዘንፀላሉ ስግኣታት እንተሃለወ'ኳ ብድሕሪ እቲ ናይ 1969 መረፃ ፈላማይ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ክተተኣናግደ ኪኢላ'ያ።