ሰልፊ ኮምዩኒስት ቻይና: ኣብ ቤይጂንግ ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩ

ስእሊ ፕሬዚደንት ዢ ጂንፒንግ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንጽንብል ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ተባሂሉ ኣብ ኣደባባያት ዝተሰቕለ ስእልታት ፕሬዚደንት ዢ ጂንፒንግ

ፕሬዚደንት ቻይና ዢ -ጂንፒንግ ኣብ ቤይጂንግ ንልዕሊ 2,000 ጉባኤኛታት ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት መደረ ኣስሚዑ።

እቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዕጽው ማዕጾ ዝካየድ ጉባኤ፡ መጻኢ ኣንፈትን መራሕን እታ ሃገርን ዝውስን ጉባኤ ኢዩ።

እቲ ኣብ 2012 ተመሪጹ ስልጣኑ ከደልድል ዝጸንሐ ፕሬዚደንት ዢ- ጂንፒንግ ናይቲ ሰልፊ መራሒ ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ ይብሃል።

እቲ መጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ሓባር-መንገዲ [ሮድ ማፕ] ቻይና ዝውስን ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዛዘም ኢዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ኮምዩኒስት ቻይና፡ ኣብ ስልጣን ዘለው ዢ ንቐፀልቲ ሓሙሽት ዓመታት እውን ክምረፁ ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ምስተዛዘመ ድማ፡ እቲ ሰልፊ ሓደስቲ ኣባላት እቲ ፈጻሚ ኣካል፡ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ነታ ሃገር ዝመርሑ ሕሩያት ንህዝቢ ከፍልጥ ኢዩ።

ኣብ መደርኡ፡ ፕሬዚደንት ዢ ናይ ቻይና ዓወታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብዚ ''ሓድሽ መዋእል ናይ ቻይና ማሕበርነት [ሶሻሊዝም]''፡ ''ቻይና ኣብ ዓለም እታ ሓያል ሃገር ገይርዋ'' ኢሉ። ቻይና ድማ ከም ሃገር ናይ ወጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትቀድሕ የብላን ድማ ኢሉ።

ብምቕጻል ድማ፡ እቲ ኣብ ክልተ-መድረኻት ዝተኸፍለ ናይ ቻይና ''ማሕበርነት ንምምሕያሽ'' ዝወጸአ መደባት ኣብ 2050 ከምዝትግበር ገሊጹ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ንምርኣይ ብሃንቀውታ ዝጽበዩ ዕዱማት ኣጋይሽ

ኣንጻር ናይ ተፈንጫልነት ስምዒታት ድማ ኣጠንቂቑ። ብፍላይ ናይ ሺንጂያንግ፡ ቲቤትን ሆንግ ኮንግን ምንቅስቓሳት ብምጥቃስ። ብዛዕባ ናይ መንግስቲ እምንቶ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ክገልጽ ከሎ ድማ ታይዋን ኣካል ናይ ቻይና ኢያ ኢሉ።

''ቻይና ማዕጾአ ንዓለም ኣይክትዓጹን ኢያ'' ድሕሪ ምባሉ ድማ ኣብ ቻይና ቁጠባዊ ጽገና ከምትገብርን ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ዝእግድ ሓጹራት ከምዘልዕሎን ድማ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ዢ ኣንጻር ብልሽውና፡ ብፍላይ ኣብቲ ሰልፊ ተሪር ስጉምቲ ከምዝወሰደን ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰበስልጣናት ከምዝተቐጽዑን፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ካብ ቤይጂንግ ሓቢሩ።

ቤይጂንግ ኣብ ተጠንቀቕ ኢያ ዘላ። ኣብ መደበር ባቡራት ነዊሕ መስርዓት ተራእዩ፡ ምኽንያቱ ተወሳኺ ተፍትሽ ይካየድ ስለዝነበረ።

እቲ ጉባኤ ንንግዳዊ ምንቅስቓሳት'ውን ጸልይዎ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ጽኑዕ ሓለዋ ቤት ብልዕታት፡ ናይ ኣካላት ምውስዋስ ቦታታትን ባራትን ካልእ ንግዳዊ ትካላትን ተዓጽዩ ኣሎ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ኣደባባይ ቲናንሜን ተኣኪቦም ጽምብል ምጅማር ጉባኤ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ብዓይኒ ካሜረኦም ንምስኣል እንትዳፍኡ

ቻይና ኣብ ግልጋሎት መልእኽቲ ዋትሳፕ ኢዳ ሓዊሳ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት