ትራምፕ ንመወዳእታ ግዜ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ እገዳ ጉዕዞ ውድቂ ተገይሩ

ኣብ መንገዲ ኣየር ዘለዋ ኣንስቲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ፈላሚ እገዳ፡ ዜጋታት እስላም ንዝበዝሑለን ሃገራት ዘነፃፀረ ብምንባሩ፡ "እገዳ እስላም" እናተባህለ ይፅዋዕ።

ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመወዳእታ ግዜ ዘፅደቕዎ፡ ካብ ሸሞንተ ሃገራት ንዝመፁኡ ዜጋታት፡ ንኣሜሪካ ከይኣትው ዝእግድ ውሳነ ብቤት ፍርዲ ውድቂ ኮይኑ።

ኣብዚ ሰሙን ተግባራዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ ዝነበረ እገዳ ጉዕዞ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ንክናዋሕ ዳኛ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ውሳነ ኣሕሊፎም።

እቲ እገዳ፡ ካብ ሊብያ፣ ሶርያ፣ የመን፣ ሶማሊያ፣ ጫድን ሰሜን ኮርያን ንዝመፁ ዜጋታት፡ ከምኡ'ውን ንሓደ ሓደ ሰበ-ስልጣን ቬነዝዌላ ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ዝእግድ'ዩ ኮይኑ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኡ ንሳልሳይ ግዜ ዝተመሓላለፈ እገዳ እዩ ነይሩ።

ኣሜሪካዊት ግዝኣት ሃዋይ፡ ንውሳነ ትራምፕ ውድቂ ብምግባር፡ ካብ ዕለተ ረቡዕ ክጅምር ዝነበሮ ፖሊሲ ንዘይተነፀረ እዋን ደው ክምዝብል ገይራላ።

ትራምፕ፡ ቅድሚ መረፃ "ዜጋታት እስላም ናብ ሃገረይ ከይኣትዉ ሙሉእ ብሙሉእ ክእግድ እየ" ክብሉ ዝኣተውዎ ቃል፡ በዚ እገዳ ኣቢሎም የፈፅምዎ ኣለው ብዝብል ዝካትዑ ነበርቲ እታ ግዝኣት ኣለው።

ብተወሳኺ ድማ፡ ብመሰረት ሕጊ ስደተኛታት ኣሜሪካ፡ እቶም ፕረዚደንት ከምዚ ዝዓይነቱ ውሳነ ከመሓላልፉ ስልጣን የብሎምን ክብሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓሳቦም ሂቦም።

ኣብ ሕሉፍ ንዝነበረ ትልሚ እገዳ ትራምፕ ውድቂ ዝገበሩ ዳኛ ዴሪክ ዋትሰን፡ እቲ ሓድሽ ረቂቕ እውን ተቐባልነት ከምዘይረክብ ገይሮም እዮም።

"ውጥን ትራምፕ፡ ልክዕ ከምቲ ሕሉፍ ፀገም ኣለዎ" ክብሉ ዳይና ዋትሰን ተዛሪቦም።

እቶም ሰባት ናብ ኣሜሪካ ምእታዎም ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ብንፁር ክግንዘብ ዘይክእል ፖሊሲ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።

እቲ ትልሚ ኣብ ሜሪላንድ፣ ዋሽንግተን፣ ማሳቹሴትስ፣ ካሊፎርኒያ፣ ኦሪገንን ኒው ዮርክን ተመሳሳሊ ተቓውሞ እናጋጠሞ'ዩ።

ፀሓፊት ዋይት ሃውስ ሳራ ሳንደርስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃብኦ ርእይቶ "እቲ እገዳ ተግባራዊ ከይኸውን ምግባር ድሕንነት ኣሜሪካውያን ውሑስ ከምዘይኸውን ምግባር እዩ" ኢለን።

ትልሚ እቶም ፕረዚደንት ግን በተን ግዝኣታት ሙሉእ ደገፍ ረኺቡ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊፀን።

ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣሜሪካ፡ እቲ ሳልሳይ እገዳ ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ዝፍለየሎም ነጥብታት ብዝርዝር ንከቕርቡ ንፓርትታት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።