ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ሞቃዲሾ፡ ሶማልያ ልግሲ ደም ሓቲታ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱ መንነቶም ክፍልጥ ኣይተኻእለን

ሚኒሰትር ሓበሬታ ሶማልያ ኣይተ ኣብዲራሕማን ዖስማን ንቢቢሲ ከምዝገለፁዎ፥ ቁፅሪ መወትቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፡ እታ ሃገር ብዙሕ ሓገዝ ትፅበ ኣላ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ግብረ-ሽበራ ኣስታት 300 ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም ኣለዉ።

መሳረሒታት ሕክምናን መድሃኒትን ዝሓዛ ካብ ኣሜሪካን ቀጠርን ክልተ ነፈርቲ ኣብታ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ዓሪፈን።

ቱርኪን ጅቡቲን እውን ብወገነን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ልኢኸን። ቱርኪ ከኣ በቲ መጥቃዕቲ ዝኸፍኣ ጉድኣት ዝበፅሖም 40 ግዳያት ሕክምናዊ ረዲኤት ንኸረኽቡ ብፍልይቲ ወታሃደራዊ ነፋሪት ናብ ሃገራ ወሲዳ ።

መስርዕ ንልግሲ ደም ኣብ ናይሮቢ

Image copyright AFP

ኬንያ ብወገና፥ ሓደ ሓደ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ናይሮቢ ሓገዝ ከምዝረኽቡ ገይራ። ብርክት ዝበሉ ዜጋታታ ድማ ደም ለጊሶም።

ብፍላይ ንእሽቶ ሞቋዲሾ እናተብሃለት ኣብ እትፅዋዕ ቦታ ኣብ እስሊ ዝነብሩ ዜታታታ፡ ደም ንኽልግሱ ካብ ንጎሆ ጀሚሮም ተራ ሒዞም ውዒሎም።

ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጎንፂ ሰጊኦም ኣብ ጎረቤት ሃገራት ዝርከቡ ተወለድቲ ሶማል እውን በቲ ፍጻሜ ብዙሕ ጉህዮም።

ጓል ዕስራ ዓመት ኮንሳር ሞሓመድ በቲ መጥቃዕቲ ዓርካ ከምዝሰኣነት ትዛረብ።

"ብጣዕሚ መሐዘኒ እዩ። ብዙሕ ንስሕቕ ነይርና። በቃ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ" ትብል።

"ንህዝበይ ክገብረሉ ዝኽእል እቲ ዝዓበየ ነገር እዚ እዩ" ብምባል ድማ፥ ደም ምልጋሳ ከምዘሐጉሳ ትዛረብ።

Image copyright Anfa'a Abdullahi
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ድሮ መመረቐታኣ ዝተቐዝፈት ዶክተር፡ ማርያም ዓብዱላሂ

ሚኒሰትር ሓበሬታ ኣይተ ዖስማን፥ እቲ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ተባሂሉ ዝእመነሉ አልሻባብ ብምኹናን፥ ደም ንዝለገሱ ኩሎም ኣካላት ምስጋነኦም ኣቕሪቦም።

እቶም ሚኒስትር፡ "ሶማልያ ናይ ደም ባንኪ ሃልዩዋ ኣይፈልጥን።" ብምባል፡ ነቲ ናይ ሓገዝ ፃዕርታት ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ንሮይተርስ ይዛረቡ፥

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ በቲ ጥቕዐት ሂወቶም ዝሓለፈ ነገር ግን መንነቶም ክልለ ዘይተኻኣለ 165 ሰባት ኣብ ዝሓልፈ ዕለታት ተቐቢሮም።

ብመንግስቲ ሓገዝ ዝግበረሉ ሓደ ጉጅለ መንእሰያት ንስድራቤት ግዳያት ናይ ገንዘብን ናይ ደም ልግስን ሓገዘ ንኽግበር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጉስጎሳ የካየዱ ኣለዉ።

እታ ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ቦታ ዝተፈንጀረት ነታጒ ዝተጻወደላ ዓባይ መኪና፡ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ሰብ ህይወት ብርክት ዝበሉ ሆቴላት፥ መንግስታዊ ቢሮታትን ቤት ብልዕታትን እውን ኣዕንያ እያ።

ኣስታት 22 ሺሕ ወተሃደራት ዝሓቐፈ ልኡኽ ሰላም ኣፍሪካ ሕብረት፡ እዚ ሕጂ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ሓዱሽ ስርዓት ኣልሻባብ ንምጥፋእ ሐገዝ ይገብር ኣሎ።

ኣይተ ዖስማን፡ ኣብታ ዓዲ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣፅዋር ንኽለዓል ብተደጋጋሚ ሕቶ ክቐርብ ምፅንሑ ይዛረቡ።

"ናትና ሓይልታት ፀጥታ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘኽእል ዘመናዊ አፅዋር ክነዕጥቖ ኣይከኣልናን" ክብሉ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት