ስፔይን፡ ብዓርሰ ውሳነ ክትንፀል ንዘድመፀት ካታላን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከምእተፅንሓ ትገልፅ

ካታሎናውያን Image copyright AFP

መራሒ ካታሎን ናፅነት ግዝኣቶም ከምዝእውጁ ዕላዊ እንትገብሩ፡ ስፔይን ብወገና ካብ ቀዳም ጀሚራ ንዓርሰ-ምምሕዳራዊት ካታሎንያ ከምእትእግድ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ስፔይን ከምዝበሎ፡ ማእከላዊ መንግስቲ፡ ነታ ግዝኣት ንከመሓደር ዝፈቕደሉ ሕገ-መንግስቲ - ዓንቀፅ 155 ተግባራዊ ንምግባር ሚንስተራት ክእከቡ እዮም።

ስፔይን ኣብ ልዕሊ'ታ ግዝኣት እትፍፅሞ "ወፅዓ ዝቕፅል እንተኾይኑ" ፓርላማ ካታሎንያ ንኣዘራራቢ ርእሰ-ውሳነ ወጊኑ ድምፂ ከምዝህብ መራሒ ካታላን ተዛሪቦም።

እዚ ስጉምቲ ዝገደደ ቅልውላው ንከይፈጥር ምኽንያት ከይኸውን ስግኣቶም ዝገልፁ ኣለው።

"ንዓርሰ-ምምሕዳራዊት ካታሎንያ ብዝምልከት፡ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 155 ንዝሰፈረ ድንጋገ መሰረት ብምግባር፡ ሕጊ ንምኽባር ከምዝሰርሕ" መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ሓቢርካ ኣብ ምንባርን ኣብ ቁጠባዊ ኣወዳድባን፡ ብስልትን ብዝተሃቀነሉ መንገድን፡ ኮነ ኢልካ ምድንጋር ንምፍጣር፡ ብወገን ምምሕዳር ካታሎንያ ንዝግበር ፃዕሪ ከምዘውግዝ እውን ገሊፁ።

እቲ መግለፂ " ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገታት ክኽበር ንምግባር፡ መንግስቲ ስፔይን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ካብ ምፍፃም ንድሕሪት ኣይብልን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ዓንቀፅ 155 (ሕገ-ምንግስቲ ስፔይን)፡ ክሳብ ሎሚ ተግባራዊ ኮይኑ እንተዘይፈልጥ'ኳ፡ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥም ማእከላዊ መንግስቲ ቀጥታዊ ምምሕዳር ተግባራዊ ንኽገብር ይፈቅድ።

ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ዝበሎን፡ መራሕቲ ካታሎንያ ድማ ንናፅነት እኹል ደገፍ ከምዝረኸቡሉ ዝዛረቡሉን ዓርሰ-ውሳነ፡ ፖለቲከኛታት ማድሪድን ባርሴሎናን ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ምእታዎም ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት