ኦባማን ቡሽን ንስም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከይጠቐሱ፡ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ፍልልይ ነቒፎም

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ (ፀጋም) ምስ ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ቡሽ (የማን) Image copyright Getty Images/Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ንሽም ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ምፅራሕ ተቖጢቦም

ፕረዚደንታት ነበር ባራክ ኦባማን ጆርጅ ቡሽን ኣብ ኩነታት ፖለቲካ ኣሜሪካ ዘለዎም ስኽፍታ ገሊፆም። ዝሃብዎም ርእይቶታት ድማ ንኣመራርሓ ትራምፕ ብሽምጠጣ ዝግስፅ ይመስል።

ኦባማ፡ ኣሜሪካውያን ስግኣት ንዘሕድርን ከፋፋሊ ፖለቲካ ከውግዙ እንትፅውዑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ "ጉልበተኛ ንምዃን ምፍታንን ዕሙት ፅልኣት ምሕዳርን" ነቒፎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት መደረ እንተስምዑ ግን ንሽም ትራምፕ ኣይሮቑሑን።

ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም መራሕቲ ነበር ፅኑዕ ተቓውሞ ዠነበሮም ትራምፕ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።

ፕረዚደንታት ነበር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዶም ካብ ፖለቲካ ክርሕቑ ልሙድ ተርእዮ ነይሩ። ነበራት ፕረዚደንትታት ንተካኢኦም ክነቕፉ ምርኣይ'ውን ቅቡል ዘይምንባሩ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንቶንይ ዛርቸር ይዛረብ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ንክልቲኦም ፕረዚደንት ነበር ክነቕፉ ይስምዑ ነይሮም

ኣብ ኒዋርክ-ኒውጀርሲ ሰልፊ ዴሞክራት ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ኦባማ፡ ኣሜሪካውያን "ፖለቲካ ምግምማዕን ፍርሕን ከምዝነፅጉ ንዓለም መልእኽቲ ከሕልፉ ይግባእ" ኢሎም።

ብተወሳኺ'ውን ኣብ ሕሉፍ ክፍለ ዘመናት ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፈላለይቲ ፖለቲካታት ሕዚ ቦታ ክህልዎም ከምዘይግባእ ሓቢሮም።

ቅድሚ ኦባማ ሒደት ሰዓታት ዝተዛረቡ ቡሽ ብወገኖም፡ ፖለቲካ ሃገሮም ተኣፋፍን ብስኑዕ ነገራት ይፅሎ ምህላዉን ገሊፆም።

ብፍላይ ካብ መናእሰይ ኣብ ተሓላቕነት ንዴሞክራሲ ምድኻማት ይረኣይ ምህላው ስክፍትኦም ዝሓበሩ ቡሽ፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓድነት ካብ ዘፅንዑ ነገራት ንላዕሊ ዝፈላልዩ ሓይልታት ይበዝሑ ዘለው ይመስል" ኢሎም።

ስምዒት ሃገራውነት ድማ ብዓሌታውነት ይሸርሸርን፡ ስደት ኣብ ኣሜሪካ ዝህልዎ ትርጉም ይዝንጋዕን ምህላው ኣዘኻኺሮም።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ነበር ግን ኣብ ፖሊሲታት ትራምፕ ጉሉሕ ርእይቶታት ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ፀኒሖም እዮም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተመሳሳልነት ዘለዎ ዘረባ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ንክልቲኦም መራሕቲ ነበር " ኣብ ታሪክ ዝሓመቑ ፕረዚደንታት" ኣሜሪካ ክብሉ ይወቕስዎም ነይሮም።

ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንደሓር ድማ፡ ዝህብዎም ሓሳባትን ተንኳዪ ባህርያቶምን፡ ኣብ ሞንጎ ሰልፍታት ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ኣዘራረቢ ዛዕባ ምፍጣሩ ኣይተረፈን።

ዘመዝገብዎም ሸቶታት ካብ ምፅብፃብ ኣብ ስኑዓት ዜናታት ንዘድሃቡ ማዕኸናት ዜና ድማ ይኹንኑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት