ኣብ ኦሮምያ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ተቐቲሎም

ካርታ ኢትዮጵያ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኦሮምያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ተፈፂሙ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባቢ ኢሉኣባቦራ፣ ብሰንኪ እቲ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝተልዓለ ዕግርግርን ህውከትን ዛጊድ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ተወለደቲ ብሄር ትግራይን ኣምሓራን ከምዝተቐተሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ገጠራት ከባቢ በደሌ፡ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ብፍላይ ድማ ናይ ተወለድቲ ትግራይን ኣምሓራን ሕርሻ ቡንን ስራሕቲ ንግዶምን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓፀለን እቶም ግዳያት ገሊፆም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ድማ ህይወቶም ከድሕኑ ኣብ ፖሊስ ጣብያን ፎቓዶ ጫካን ተሓቢኦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ብስልኪ ደዊሉ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ካብቶም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ዝርከቡ ሓደ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ተወላዲ ትግራይ ግዳይ እቲ ሓደጋ "ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብርኡይ ተጣሒሱ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ንብረትና ተወሪርና" ብምባል፡ መጥቓዕቲ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ፖሊስ ጣብያ ጥራሕ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰብ ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንጎሆ ተዓቑቡ ብፖሊስ ይሕሎ ከምዘሎን ሰበይቱን 3 ደቁን'ውን ኣብ ፍርሕን ጸበባን ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ካልእ ቢቢሲ ደዊሉ ዘዘራረቦ ኣብቲ ፖሊስ ጣብያ ዝርከብ ተወላዲ ብሄረ ትግራይ ብወገኑ፣ ኣብ ኢሉኣባቦራ ኣስታት 30 ዓመታት ከምዝተቐመጠን ''ሰሪሕና ዘጥረናዮ ንብረት 'ወያነ ብድጎማ ዝሃበኩም እምበር ኣይናትኩምን' እናበሉ የቃጽልዎን የዕንውዎን ኣለዉ'' ኢሉ።

'' ልቢ ገይረ ኣብ ዝዓበኹሉ፡ ዓደይ ዝብሎ ከባቢ ከምዚ ክገጥመኒ'ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን'' ብምባል፡ ኩነታት እቲ ጸገም ከምዘተሓሳስቦ ዝገልጽ ግዳይ እቲ ሓደጋ፡ ደጊም ህይወቱን ህይወት ደቁን ከትርፍ እምበር ቀጻሊ ኣብኡ ክነብር ተስፋ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾነን ቢቢሲ ምእንተ ደሕንነቱ ሽሙ ዘይገለጾን ኣብቲ ፖሊስ ጣብያ ዝርከብ ካልእ ፍልፍልና ብወገኑ፡ ብኣካል ዝፈልጦም 2 ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ሰብ ፎቖዶ ጫካ ተጣፊኡ ስለዘሎ እምበር ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል እውን ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ህውከትን ዕግርግርን መንገድታት ስለዝተዓፀዉ፥ እቶም ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ከምዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ማእኸላይ መንግስቲ ብህፁፅ እንተዘይበፂሑሎም ደሕንነቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወድቕ ድማ እቶም ግዳያት ይዛረቡ።

ቢቢሲ ናብ ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮምያን፥ ሚኒስትር ጉዳያት ኮምኒኬሽን ፌደራል መንግስትን ብዛዕባ እቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መብርሂ ንክህቡሉ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመን ብዙሓት ምምዝባሎምን ዝዝከር'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት