ትካል ጥዓና ዓለም ንሮበርት ሙጋቤ ዝሃቦም ኣምባሳደርነት ሰናይ-ፍቓድ ሰሪዙ

ሮበርት ሙጋቤ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሮበርት ሙጋቤ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ሃገር ይወፁኡ

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ንፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤ ዝሃቦም ናይ ክብሪ ኣምባሳደርነት ሰናይ-ፍቓድ፡ ሰፊሕ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ ሰሪዝዎ።

"ስክፍትኦም ንዝገለፁ ኩሎም ኣካላት ብጥንቃቐ ኣድሚፀለኹ" ኢሎም ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም።

እቶም ዳይሬክተር፡ ዚምባብዌ ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ንዘመዝገበቶ ውፅኢት፡ ክብሪ ኣምባሳደርነት ሂቦም ነይሮም።

ኮይኑ ግን እቶም ዝተዋህቡ ርእይቶታት፡ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ዓመታት ከምዝተዳኸመ እዮም ዝገልፁ።

ፕረዚደንት ሙጋቤ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ዝፀንሑሎም 37 ዓመታት ኣብቶም ፈላሞት 20 ዓመታት፡ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ብፅቡቕ ከምዝባፃሕ ገይሮም ነይሮም። ካብ 2000 ንደሓር ግን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምድኻም ቁጠባ፡ ስርዓተ-ጥዕና እታ ሃገር እውን ወዲቑ እዩ።

ሰራሕተኛታት እቲ ዓውዲ ብዘይ መሃያ ክሰርሑ ተገዲዶም፣ ሕፅረት ሕክምናዊ ቀረባት ኣጋጢሙ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ብህይወት ናይ ምፅናሕ ዕድመ ዳርጋ ብሰላሳ ዓመታት ዝሓለፉ ሮበርት ሙጋቤ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ደገ ከይዶም።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ምስራዝ ኣምባሳደርነት ሙጋቤ፡ ምስ መንግስቲ ዚምባብዌ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

መንግስቲ እንግሊዝ፣ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ፣ ዓለማዊ ፌደሬሽን ልቢ፣ ሰብ-ሞያ ሕጊ ዚምባብዌን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ገፃትን ካብ ሞንጎ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ይርከብዎም።

ደገፍቲ ሙጋቤ ግን፡ እቲ ውሳነ መግለፂ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካ እዩ ብዝብል ዝረኣይዎ ይመስል፡ ክብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሪው ሃርዲንግ ካብ ጆሃንስበርግ ፀብፂቡ።

እዚ ኩነታት ኣብ ብቕዓት ኣመራርሓ ሓድሽ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሕቶታት ክለዓሉ ከምዝገበረ ይግለጽ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት