'ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ ነጥፍእ ኣለና እናበልና ኣልሸባብ ፈጢርና'

ሓደጋ ምፍንጃር ነታጕ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ በሞቃዲሾ በቅርቡ የደረሰው ፍንዳታ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞቓድሾ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ነተጕ

ኣብ ሶማሊያ ንዘጋጥም መስካሕክሒ መጥቃዕትታት፡ ዓለም-ለኻዊ ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ዝገብሮ ደገፍ ምንካዩ ከም ሓደ ምኽንያት ዘልዓሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርይም ደሳለኝ እዮም።

እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም፡ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዕሉ ሕቶታት፡ ምልሽን መብርሂን እዮም ነዚ ዝገለፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ብዝነበሮ ኢድ ኣእዳውነት እንተተነቐፈ'ኳ፡ ኣልሸባብ ብምውጋእን መንግስቲ ኣልቦ ኣብ ዝነበረት ሃገር መንግስቲ ክጣየሽ ኣብ ምግባርን ልዑል

ኣስተዋፅኦ ከምዝፈፀመት እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ተዛሪቦም።

"ዓለም-ለኻዊ ማሕበረሰብ ንሶማሊያ ዝገብሮ ደገፍ ኣቋሪፁ'ሎ፤ ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣር ዝተዋፈረ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ቁፅሩ ክንኪ እንተተገበረ'ውን፡ ብናይ በዓልና በጀት እናሰራሕና ነይርና፡ ሕዚ'ውን ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና" ኢሎም።

ማእከላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ዝፈረሰ፡ ዓመፅቲ ንሰራዊት መንግስቲ ሲያድ ባሬ ስዒሮም፡ ላዕለዋይ ኮይኑ ዝመፀ ሓይሊ ኣብ ዝጠፍአሉ እዋን እዩ። ካብቲ ግዜ ንደሓር ድማ መንግስቲ ኣልቦ ሃገር ኮይና ንልዕሊ 20 ዓመታት ፀኒሓ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ነታጒ ስዒቡ፥ በቲ ኩነታት ተስፋ ዝቖረፁ ሶማልያውያን፥ ርእሰ ከተማ ሞቋዲሾ ብሰላማዊ ሰልፊ ኣጨናኒቖማ። ንምዃኑ ደሕንነት ሶማልያ ዝተሓለወ ንክኸውን ግደ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይምዘን?

ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሚድያታት ነቲ መጥቃዕቲ ሽፋን እንተሃቡዎ'ኳ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ከምልሙድ ገይሩ ዝረአዮን ዕሽሽ ዝበሎን ይመስል።

ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ቦታ'ዚ ዓውዲ ኲናት ኮይኑ ዝቐፅል?

ሶማልያውያን መኣዝ እዮም ሰላም ዝረኽቡ ? ዝኣመሰሉ ሕቶታት እናተላዕሉ ይርከቡ።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ስርዓት ደርግ ኢትዮጵያ ኲናት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ተዳኺሙ።

ካብኡ እታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት መንግስቲ ኣልቦ ኾይና ፀኒሓ።

ብምዃኑ 'ውን ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብታ ዓዲ ስሩዕ መንግስቲ ጠጠው ንምባል ብርክት ዝበሉ ፈተነታት ዘተ-ሰላም ዘካየዱ እንትኸውን፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ድጋፍ ይገብሩ ነይሮም።

እቶም ዘተታት ሰላም ዝተፈላለየ መልክዕ ዝነበሮም እንትኸውን፥ ሕድሕድ ተበግሶ ናይቶም መዘራረብቲ ሃገራት ረብሓ ዘቐደመ ከምዝነበረ ተንተንቲ ፖሊቲካ ይዛረቡ። እምብዛ ዝተሳኸዐሎም'ውን ኣይነበሩን።

ኣብ መወዳእታ ብኢትዮጵያ ዝተገብረ ፃዕሪ ዘተ ሰላም ዕውት ነይሩ። ብውፅኢቱ ድማ፥ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍልጦ ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቁቛም ተኻኢሉ። ነዚ ተኸቲሉ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ መረፃ፡ ዝምራሕ መንግስቲ ሓዲሽ ፕረዚደንት ንክቋቖም መሰርት ኮይኑ፥ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ ስልጣኑ ኣረኪቡ ወፂኡ።

ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ናብ ሶማልያ ምዝማታ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ዝነቕፉ፥ ተመራማሪ ታሪኸን ጎንፅን ምብራቕ ኣፍሪቓ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ፥ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብዘላቒነት ዘስዕቦ ፖሊቲካዊ ኪሳራ ከቢድ ምዃኑ ንቢቢሲ ይገልፁ። ብፍላይ ድማ ቅድም ክብል ታሪኽ ኲናትን ጎንፅን ምስ ዝነበራ ሶማልያ፥ ከምዚ ዓየነት ስጉምቲ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከምዘምዝን ዝዛረቡ እቶም ምሁር፥ "ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐሱ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዓቢይ ምንቕቓሕን ድጋፍን ከሲቦሙሉ" ይብሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ

ኲናት ኢድ ኣዙር

ብፃዕሪ ከይዲ ሰላም ኢትዮጵያን ኣሜሪካን እግሪ ዝተኸለ ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ይርከብ 'ምበር ኣይኮነን ሶማልያ ከም ሃገር ንባዕሉ 'ውን ካብ ፀላኢ ዝከላኸለሉ ፖሊቲካዊ ዓቕምን ወታሃደራዊ ጉልበትን ኣይነበሮን። ብመንግስቲ ኣልቦነት ኣዳደ ስቓይ፥ መከራን ስደትን ዝኾነ ህዝቢ ሶማልያ ግና ዓብይ ተስፋ ሰኒቑ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ብዙሕ ከይፀንሐ፥ ብደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ተኣኻኺቡ እናተጠናኸረ ዝመፅአን ምስ ጉጅለታት ኣልቃዒዳ ስጡም ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉን "ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ"፥ ነታ መላእ ሃገር ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ከውዕል ሒደት ተሪፉዎ ነይሩ። "ዓባይ ሶማልያ" ብዝብል ኣተሓሳስባ ድማ፥ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ዘጠቓልል ግዝኣት ኦጋዴን ንምምላስ ዝሃቀነ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ድማ ጅሃድ ምእዋጁ ዝዝከር 'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ፥ ካብ ፌደሬላዊ ሽግግር መንግስቲ ሶማልያ ብዝቐረበ ፃውዒት ረዲኤት፥ ወታሃደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ኣብ ባይቶ ቤት ምኽሪ ውሳነ ሓሳብ ዘቕረቡ እንትኸውን ካብ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዕንቅፋት ገጢሙዎም ነይሩ።

ብፍላይ ኣባል እቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዝነበሩ ኣይተ ቡልቻ ደመቅሳ፥ እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ቅድሚ ሐዚ ብደርግን ብንጉስ ኃይለስላሴን ዘመነ መንግስታት ብዝተኻየደ ኲናት ምኽንያት ኣብ ሶማልያውያን ዝፀንሐ ቑስሊ ምቑስቋስ ከይኸውን ስግኣቶም ገሊፆም ነይሮም። "ዘላቒ ፅልኢ ንፈጥር ከይንህሉ" ብምባል። ንሕበረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ፥ ብድሕሪት ከይኖም ወታሃደራውን ገንዘባውን ድጋፍ ዝገብሩ ዝነበሩ ከም ግብፂን ቀጠርን ዝኣመሰሉ ምስ ኢትዮጵያ ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሃገራት ዓረብን ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ እዮም ዝብል ፀብፃብ ቀሪቡ። ብፍላይ ግጭት ዶብ መዕለቢ ዘይረኸበሉ መንግስቲ ኤርትራ፥ "ኣንፈት ቀይሩ ከጥቀዐና መፂኡ" ዝብል ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ተኻቲቱ ዝነበረ እንትኸውን፥ መፃርዪ ኮሚቴ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ እዚ ሓቂ ኮይኑ ከምዝረኸቡ መስኪሩ።

ብሓፈሻ ኣብ ሶማልያ፥ ኢድ ኣእታዊነት ክልቲአን ሃገራት ኲናት ውክልና ተገይሩ ብብዙሓት ተተንቲኑ። ብርግፅ ኤርትራ እቲ ክሲ ኾነ እቲ ፀብፃብ ፈፂማ ኣይትቕበሎን።

ኣብ ኣፍሪካ ዝዓስከረ ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ (ኣፍሪኮም) ሐላፊ ጀነራል፥ ጆን ኣቢዛይድ እቲ ውሳነ ኣፀቢቑ ዘይተሓሰበሉን ብታህዋኽ ዝተገብረን ከብሉ ነቒፎሞ ነይሮም።

ይኹን'ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እዚ ኩሉ ነቐፌታ ንጎኒ ገዲፉ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ጊዜ ናብ ምድሪ ሶማልያ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣካይዱ።

እቲ ስጉምቲ ንግዚኡ፥ እቲ ሕብረት ክበታተን ዝገበረ ወፍሪ'ኳ እንተነበረ ብዘላቒነት ግና ኣብ ሶማልያ ድሕንነት ብምርግጋፅ እንታይ ረቢሑ? ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ይመስል።

ታሪካዊ ቑስሊ

ፕሮፌሰር መድሃኔ ከምዝብልዎ፥ ብመሰረት ፖሊሲ ድሕንነት ኢትዮጵያ፥ ኣብታ ሃገር ዝተረጋገአ ፖሊቲካ ክህሉ ከምትደሊ፡ ነገር ግን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣኽረርቲ ውድባት ወይካዓ ጉጅለታት ከይተውድቕ ኣይትደልን። እቲ ወፍሪን ፍርያቱን ካብዚ መነፅር እዮም ዝምልከቱዎ።

ፀረ ኢትዮጵያ ኣቋም ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ጉጅለታት ሶማልያ ከም መፅለሊ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ምዃኖም ብምግላፅ፥ እቲ ሕብረት'ውን ካብዚ ፈሊኻ ክረአ ከምዘይነበሮ ይዛረቡ እቶም ተመራማሪ ጎንፂ።

"ከም ሃገር፥ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ ክነጥፍእ ኢልና ንሶማልያ ኣቲና ኣልሸባብ ፈጢርና ወፂእና" ክብሉ ውፅኢት እቲ ወፍሪ ይገልፁ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓቃቢ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ

ካብ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖሊቲካ ሶማልያውያን ዝስማዕን፥ ኢትዮጵያ ኮነት ኬንያ ዝተረጋገአት ሶማልያ ክሪእዩ ኣይደልዩን ዝብል ሱር ዝሰደደ ኣታሓሳስባ ፥ መድሃኔ ምስ ታራኻዊ ቁስሊ የራኽብዎ። "እዚ ኣተሓሳስባ ብሄርተኛ ሶማልያውያን ብፍላይ ምስ ምስፍሕፋሕ ድኽነትን ምንቅስቓስ ህዝብን ሓቢሩ ዝኸይድ ኣይኮነን" ይብሉ።

"ሎሚ ዶብ ዓፂኻ ምቕማጥ ኣይከኣልን። ቴክኖሎጂን ዘመናዊነትን ኩሉ ነገር ቀይሩዎ እዩ።" ይውስኹ።

ኢትዮጵያ ዝተዳኸመት ሶማልያ ክትርኢ ትደሊ ዝብል ኣተሓሳስባ ንባዕሉ ጊዜ ዝሓለፎን ድሑር አተሓሳሰባን ይብሉዎ።

ወታሃደራዊ ወፍሪን መዘዙን

ኣብ 2001 ዓ/ም ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ፃንሒቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ፥ እቲ ሕብረት ምፍርራስ ሰሙናት ጥራሕ እዩ ወሲዱሉ ነይሩ።

ይኹን 'ምበር ናይቲ ሕብረት ክንፊ መናእሰያት ምዃኑ ዝዝረበሉ፥ ኣልሻባብ ዝተብሃለ ካልእ ዝገደደ ኣኽራሪ ጉጅለ ተፈጢሩ።

ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ናይዚ ጉጅለ ኣፈጣጥራ ብቐጥታ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታዊነት የተኣሳስሩዎ።

ሎሚ እቲ ጉጅለ ጠፊኡ እንትበሃል፥ ፅባሕ ከምቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሞቛዲሾ ዝተፈፀመ ግብረ ሽበራ (ሓላፊነት ዋላ ኣይውሰድ 'ምበር) እንትፍፅም ይረአ።

ሶማሊያውያን ካብ ዝተፈላላየ ሸነኽ ብዝፍነወሎም መጥቃዕታት ማእለያ ዘይብሉ ዋጋ ክኸፍሉ ጸኒሖም'ዮም።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ሶማልያ፡ መረበቱ ራሕሪሑ ኣብ ስደት ከምዘሎን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ተመሓዝዮም ሰብኣዊ መሰላት ከምዝገሃሰን ጸብጻባት ሂዩማን ራይትስ ዎች የመልክት።

'ወተሃደራዊ ኢድ አእታውነት ሳዕቤኑ ከቢድ'ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር መድሃንየ ' ሶማልያውያን ባዕሎም ዘይከኣልዎ እሞ ድማ ታሪኻዊ ቅርሕንቲ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ህንጸት ሃገር ክዕወት ከምዘይኽእል የጣልሉ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ሶማሊያ ብግዴኦም፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን፡ ዛጊድ ንዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሃብዎ ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ንዳግመ ህንጸት ሰራዊት ሶማሊያ ዊዒሉ እንተዝኸውን ዝሓሸ ለውጢ ከምጽእ ምኽኣለ ነይሩ በሃልቲ'ዮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሰማሊያ ከም ብሓድሽ ንምውዳብ ፈተነ እኳ እንተተገብረ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኢድ አእታውነት ግዳማውያን ሓይልታት ስለዘሎ'ዩ ይብሉ።

ዝተፈላለዩ ግዳማዊ ሓይልታት ብሓይሊ ይኹን ብሰለማዊ መንገዲ ፖለቲካዊ ቅልዉላው ሶማሊያ ንምፍታሕ ፈቲኖም'ዮም።

'ኩሎም ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኢዶም ዘእተዉ ግዳማውያን ሓይልታት፡ ሰላም እታ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስ ይኹን መንግስታዊ መሓውር ንምቕያር ዝተገበሩ ጻዕርታት ባህላውን ዘቤታውን ህዝቢ ሶማሊያ ኣብ ግምት ዘእተዉ ከምዘይኮኑ'ውን ፕሮፌሰር መድሃንየ ገሊጾም።

እኳ'ድኣስ ናይ ምዕራባውያን ኣወቓቕራ መንግስቲ ክተኽሉ'ዮም ላሕ ኢሎም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ መረጻ ሶማሊያ

ከም ኣገላልጻ ፕሮፌሰር መድሃንየ፣ ኣብ ሶማልያ መንግስቲ ከጣይሽ ዝደሊ ሓይሊ ፈለማ ባህሊ ህዝቢ ሶማልያ ብዝግባእ ብምጽናዕ ካብ ታሕቲ ናብ ማእኸል ዝብገስ ፌደራላዊ መንግስቲ ከዋቕር ይምዕዱ።

ሰላም ሶማሊያ ዘይደሊ ኣካል ይህሉ'ዶ ይኸውን?

ሶማሊያ ከም ሃገር ርእሳ ኪኢላ ደው ንኽትብል መንግስታትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ፈሰስ እኳ እንተገበሩ ዛጊድ እቲ ጸገም ክፍታሕ ኣይከኣለን።

'ብሰንኪ ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጠረ ጎንጺ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድሌታት ማዕቢሎም'ዮም። ዝተፈላለዩ ትካላት ምግባረ ሰናይ'ውን በቲ ጎንጺ ተረቢሖም'ዮም'። ካብዚ ብምብጋስ ድሌታቶም ከይጎድሎም ዝሰግኡ ኣካላት እቲ ጎንጺ ክቕጽል ከምዝደልይዎ ፕሮፌሰር መድሃንየ ይዛረቡ።

ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብታ ሃገር ወጺኡ፣ ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ዋላ እኳ እንተነከየ፡ ግደ ሰራዊት ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ቱርክን እናዛየደ መጺኡ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ጽልዋ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ፡ ከም ሃገር ኣብዚ እቶ ዝበሃል እኳ እንተዘይኮነ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዘካየደቶም ወተሃደራዊ ወፍርታት ምኽንያት ግና፡ ዜጋታት ሶማልያ ንኢትዮጵያ ብጎቦ ዓይኖም ክጥምትዋ ግድን ኮይኑ'ዩ።

ተነሓናሓቲ ፖለቲከኛታት ካብ መንጎ ፖለቲካዊ ቅስቀስኦም ኣንጻር ኢትዮጵያን ግዳማውያን ሓይልታት ምንባሩን ንዝተዓዘበ ሰብ ድማ፡ ሶማሊያውያን ክንደየናይ ዝኣክል ኢድ አእታውነት ይጽየፉ ከምዘለዉ ዘመላኽት ከምዝኾነ ፕሮፌሰር መድሃንየ ኣረዲኦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት