ተምሃሮ ቅኔ ኣብዚ ሕዚ እዋን

ኣምሃ ይርዳው
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ገማግም ቃላይ ጣና ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ሽምብጥ ሚካኤል፡ ተምሃሪ ቅኔ ኣምሃ ይርዳው

ብዙሓት ቀዳሞት ኢትዮጵያውያን ምሁራት፡ ኣብ እንዳ ቀሺ (ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን) ከምዝተማህሩ እዩ ዝግለፅ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ዘመናዊ ትምህርቲ፡ ኣብ እንዳ ቀሺ ምምሃር እኳ እንተቐነሰ፡ ውሑዳት ዘይበሃሉ መናእሰይ ግን ሕጂ እውን ኣብ እንዳ ቐሺ ምምሃሮም ኣይተረፈን።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት እዩ፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ ትምህርቲ እንዳ ቀሺ ዝጀመረ። ኣብቲ እዋን፡ ተምሃሪ ሓምሻይ ክፍሊ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝተወለደሉ ከባቢ ደቡብ ጎንደር፡ ኣብ ዞባ ሊቦ ከምከም ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን እዩ፡ ንፈለማ እዋን ትምህርቲ እንዳ ቀሺ ዝጀመረ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ፡ ንላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ ናብ ቤተክርስትያን ሽምብጥ ሚካኤል መፂኡ።

ወለዱ፡ ናብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እንዳ ቀሺ ምዝምባሉ እንተዘየጉሃዮም ድሕሪ ግዜ ናብ ዘመናዊ ትምህርቲ ክምለስ እዩ ኢሎም ስለዘተስፈዉ ግን ኣይተቓወሙዎን።

" ትምህርቲ ቅኔ ዝቐሰመ ሰብ፡ ኣብ ዘመናዊ ትምህርቲ ንፉዕ ስለዝኸውን፡ 'ኣጆኻ በርትዕ፡ ደሓር ንቋንቋ ክሕግዘካ እዩ ኢሎምኒ" ይብል።

ንሱ ግና ናብ ዘመናዊ ትምህርቲ ክምለስ ሓሳብ የብሉን፡ "እንታይ ይዓብሰለይ? ይብል።

ብኣንፃሩ ክልቲአን ኣሕዋቱ ድማ ትኹረቶም ንዘመናዊ ትምህርቲ እየን ሂበን። " ኣብ ሓምሻይን ዓስራይን ክፍሊ በፂሐን ኣለዋ። ሓዳር ገይረን ትምህርተን እንተዘይ ኣቋሪፀንኦ፡ መምህር ወይ ድማ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክኾና እየን። " ይብል።

ምዕባይ ሓዉ እውን ነጋዳይ እንትኸውን፡ ንሱ ግን ኣሰር ሓዉ ንምስዓብ ሓሲቡ ከም ዘይፈልጥ ይዛረብ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብምጽወታ ህዝቢ ዝምገብ ኣምሃ

" ትምህርቲ ቅኔ ጥራሕ፡ ነቲ ንፉዕ ዝበሃል ተምሃሪ ክልተ ዓመታት ይወስደሉ" ብምባል ንቢቢሲ ይገልፅ ኣምሃ።

ትምህርቲ ቅኔ ምስ ወድአ ድማ 'ኣቋቋም' ንክመሃር ብቑዕ ይኸውን።

ብድሕሪ እዚ "ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን መርጌታ ክኸውን እየ ዝደሊ" ይብል።

ትምህርቲ ቅኔ ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተዘይከሓደ፡ "በሪ ፍልጠት ዝኸፍት ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ እንተተደኸሞ እውን ዘዋፅእ እዩ" ይብል።

ኣምሃ፡ ካብ መምህሩ ዝወሃቦ ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብ ገማግም ቃላይ ጣና ብሕት ኢሉ የፅንዕ።

ንትምህርቱን መፅናዕቱን ብዙሕ ግዜ ስለዝወስደሉ ግና፡ ንባዕሉ ዝድጉመሉ ስራሕ ንከይሰርሕ ኣፀጊምሉ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ዝበልዖ ነገር ብምልማን እዩ ዝናበር።

ናብርኡ ድማ ኣብ ጸግዒ ቤተክርስትያን ካብ ሳዕሪ ኣብ ዝተሰርሑ ናእሽቱ ጎጆታት ኮየኑ፡ ኣብ ሓንቲ ጎጆ፡ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ መሰልቱ ተምሃሮ ቅኔ ይነብር።

ትምህርቲ እንዳ ቀሺን ዓይነታቱን

ኣብያተ ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ "ሃይማኖታውን ባህላውን ስነ-ሓሳባት፣ ክብርታትን ትውፊታትን፡ ንሰገናትን ኣባፅሕን ንምምሃር ዝተወጠኑ ናይ ኣብያተ ክርስትያን ትካላት ትምህርቲ እዮም " ብምባል ኣብዚ ጉዳይ መፅናቲ ዘካየዳ ወይዘሮ ኣሰለፈች ገብረኪዳን ይገልፃ።

ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ ብዋናነት ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዯጵያ ክመሓደር ፀኒሑ እዩ።

ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ ናይ ጉባኤ ዘርፍታት ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝተኸፋፈለ እንትኽውን፡ ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ፡ ቤተ ንባብ፣ ቤተ ዜማ፣ ቤተ ቅኔ፣ ቤተ ቅዳሴን ቤተ መፅሓፍን ይርከብዎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ መንበሪ ጎጆታት ተምሃሮ ቅኔ

እዞም ዘርፍታት ካብ ስነ-ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብተወሳኺ፡ ናይ ንባብ፣ ሙዚቃ፣ ስነ ግጥምን ስነ ፅሑፍን ፍልጠት ንተምሃርኦም የቕስሙ።

ብፍላይ ከም ትምህርቲ ቀደማይ ብርኪ ክውሰድ ዝከኣል ቤተ ንባብ፡ ኣብ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝርከብ፡ ኣብዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዝተኻየደሎም ሰነዳት ይሕብሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣብያተ ክርስትያናት ከምዘለዉ ዝግመት እንትኸውን፡ ምስዚ ዝመጣጠን ቁፅሪ ዘለዎም ቤተ ንባብ ከምዝህልዉ ኣየጠራጥርን።

እዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትውፊታት ንክዕቀቡ ዝህልወን ግደ ልዑል ከምዝኾነ ዝገልፃ እዘን ተመራማሪት፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ኣባፅሕ ትምህርቲ፡ ኣብ ምግፋሕ ልዑል አበርክቶ ከምዝነበረን እዘን ይገልፃ።

ሰገናት ተምሃሮ ካብ ወለዶም ፍቓድ ንምርካብ ብዙሕ እንከይተጨነቑ፡ ናብ ሓደሽቲ ከባብታት ክንቀሳቐሱ ምኽኣሎም፣ እዞም ተምሃሮ ንትምህርቲ ናብ ካልእ ከባቢ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ድማ፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ምግቢ ብምሃብ ዝድግፎም ምዃኑ፣

እዚ ትምህርቲ ንምዝዛም ብሓፈሻ ክሳብ 40 ዓመታት ዝወስድ ምዃኑን፡ ብኣብዝሓ ግዜ ኣብ ኣፋዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተደረኸ ምዃኑን፡ ካብ ሞንጎ መግለፅታት ኣብያተ ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ ምዃኖም ወይዘሮ ኣሰለፈች ይገልፃ።

ይኹን እምበር ህልውና እዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ ዘመሓድርወን ኣብያተ ክርስትያናት ምጥንካርን ምድኻምን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንፈተና ክቃልዓ ይረአያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ስርዓት ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ ንምሕላውን ንምድጋፍን ዘኽእል ፖሊሲ ምርቃቑ ይዝከር።

እዚ ረቂቐ ፖሊሲ፡ ማህደር ፍልጠት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ቅርሲ ሃገር ዝተብሃለ ትምህርቲ እንዳ ቀሺ፡ ዝያዳ ንምልላይን ንምጉልባትን ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተገይርሉ ኣሎ።

ኣምሃ ኩነታት መነባብርኡ ክመሓየሽ ከምዘይፀልእ ዋላ እኳ እንተገለፀ፡ ክንድ'ቲ ከምዘይጭነቐሉ ግና ይዛረብ።

"ኣቦታትና ከምዚ ኢሎም እንድዮም ተማሂሮም፡ ኣነ ካብኦም ብኸመይ ይፍለ" ይብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ፃኒሒት።

ይኹን እምበር ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበሩ ተምሃሮ እንዳ ቀሺ ንላዕሊ፡ ሕዚ ብዙሕ ፈተና ከምዘጋጥም ይዛረብ።

"ቅድሚ ሕዚ ኩሉ ግዜ ምፅዋት ምርካብ ቀሊል ከምዝነበረ ንሰምዕ ነይርና፡ ሕዚ ግና ሓደ ሓደ ሰባት ብጥርጣረ እዮም ዝርእዩና። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ከተማ ድምቕ ኢሉ እንትርአ፡ ይፈታተነካ'ዩ " ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት