ቶጓዊ ኣጥቃዓይ ፍራንሲስ ኮኔ ህይወት መጋጥምቱ ብምድሓን ናይ ክብሪ ሽልማት ረኺቡ

ቶጓዊ ተፃዋቲ ኮኔ ንህይወት ሓላዊ ማዕፆ ማርቲን ቤርኮቬች እንተድሕን Image copyright Bohemians
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮኔ (ፀጋም) ኣብ ሜዳ ብዝፈፀሞ ተግባር ጅግና ተባሂሉ

ኣብ እዋን ግጥም ሊግ ቸክ-ሪፐብሊክ ህይወት ሓላዊ ማዕፆ ዘትረፈ ቶጓዊ ኣጥቃዓይ ፍራንሲስ ኮኖ ካብ ፊፋ ናይ ክብሪ ሽልማት ረኺቡ።

ጭውነት ንዝተመልኦ ተግባሩ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተዳለወ ዓብዪ መድረኽ ሽልማት ፊፋ ተሸሊሙ።

ኮኔ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ ንቲ መልሓሱ ውሒጡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ንዝነበረ ሓላዊ ማዕፆ ማርቲን ብሬኮቬች ኣድሒኑዎ።

ነቲ ነብሲ ናይ ምትራፍ ስራሕ ዝፈፀመ፡ ሓላዊ ማዕፆ ቤርኮቬች ምስ ወዲ ጋንትኡ ተጋጭዩ ድሕሪ ምውዳቑ እዩ።

ንመልሓስ ቤርኮቬች ብኣፃብዕቱ ብምስሓብ ድማ፡ ኣተነፋፍስኡ ናብ ስሩዕ ከምዝለስ ገይሩ።

ብድሕር'ቲ ኩነታት ቤርኮቬች፡ ኣብ ፌይስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ "ቀልጢፉ በፂሑ ንዘድሓነኒ ፍራንሲስ ኮኔ ከመስግኖ እደሊ። ስለዘድሓነኒ ኣዝየ ሕጉስ እየ....ደጊመ ድማ ከመስግኖ እደሊ" ኢሉ ነይሩ።

ኮኔ እውን "ዝኾነ ሰብ ትንፋስ እናሓፀሮ፡ ገለ ሓገዝ ከይገበርኩ ደው ኢለ ክርኢ ኣይደልን'የ" ኢሉ ንፊፋ ዶት ኮም ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ቅድም ክብል እውን ኣብ ሰለስተ ተመሳሰልቲ ኣጋጣምታት ከምዝተሳተፈ ሓቢሩ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ መድረኽ ሽልማት ከኣ ብሕታዊ ኣፍሪካዊ ተሸላሚ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተዛማዲ ፈለጋት ኢንተርኔት

ቢቢሲ ንትሕዝቶ ካልኦት ገጻት ኢንተርኔት ኣይሕተትን፡