ኦስትርያ፡ ሰባስቲያን ካርዝ ምስ ሰልፊ ፍሪደም ንምዝታይ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ

ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ሰባስቲያን ካርዝ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰባስቲያን ካርዝ ድልዱልመንግስቲ ክምስርት ይደሊ

መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ኦስትሪያ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምጥያስ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ንተናሓናሒ ውድብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሰባስቲያን ካርዝ ከምዝብሎ፡ ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን ሰልፊ ፍሪደምን፡ ኣብ ጉዳይ ምንካይ ግብርን ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ስደትን ተመሳሳሊ ኣቕዋም'ዩ ዘለዎም።

እዚ ሓሳብ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ተቓውሞ ዝፀንሐ ሰልፊ ፍሪደም ኣብ መንግስትነት ብፅሒት ክህልዎ ዕድል ይፈጥር።

መንግስቶም ግን፡ ካብቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ብዝተፈለየ መርገፂ፡ ኣብ ጎኒ ኣውሮፓ ዝስለፍ ኣቕዋም ዘለዎ ኮይኑ ከምዝቕፅል ብኣጋ ኣነፂሮም።

ብካርዝ ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓርላሜንታዊ መረፃ እንንተተዓወተ'ውን፡ ደገፍ ብዙሓን ኣይረኸበን። ነዚ ድማ እዩ ልፍንታዊ መንግስቲ ምጥያሽ ዘድለዮም።

ወዲ 31 ዓመት ካርዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል "እቲ ንፁር ሸቶ፡ ኣብ ፓርላመንት ብዙሃነት ዘደልደሎ መንግስቲ ምጥያሽ እዩ። ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ውሑዳን እንኮ ኣማራፂ ክኸውን እዩ" ኢሉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሄይንዝ ክሪስቲያን ዝምራሕ ሰልፊ ፍሪደም፡ ኣንፃር ዘይሕጋዊ ስደት ዝድግፍ ተሪር መርገፂ ኣለዎ

ሰልፊ ፍሪደም ኣንፃር ዘይሕጋዊ ስደት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ መርገፂ እንተነበሮ'ውን፡ ድሕሪ ግዜ ግን እዚ ኣቕዋም እናፎኾሰ እዩ መጺኡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ጉዳይ ስደት ሰፊሕ ኣጀንዳ ነይሩ።

ሰልፊ ፍሪደም ፖሊሲታቱ ብካርዝ ክመዝተሰረቑ ብምግላፅ ከሲሱ ከምዝነበረ ይዝከር።

ሓሰብ ካርዝ ሰሚሩ ልፍንታዊ መንግስቲ እንተተጣይሹ፡ እታ ሃገር ምስ ኣውሮፓውያን መሓዙታ ዘለዋ ርክብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ከምዝኸውን ተንተንቲ ይዛረቡ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሰባስቲያን ካርዝ፡ ቻንስለር ኦስትርያ ንምዃን ኣብ ምድላው ይርከብ