ሓድሽ ክታበት ታይፎይድ ውፅኢታዊ ከምዝኸውን ይግለፅ

ኣብ ረሳሕ ማይ ዝሕምብስ ህፃን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ታይፎይድ ብዝተበከለ ማይን ዝተመረዘ መግብን ይመፅእ

ዓለማዊ ትካል ጥዕና፡ ትሽዓት ካብ 10 ጉዳያት ታይፎይድ ክከላኸል ዝኸእል ሓድሽ ክታበት ኣብ ኣግልግሎተ ንክውዕል ቅቡል ገይሩ።

ሰብ-ሞያ ከምዝበልዎ፡ በብዓመቱ የጋጥም ኣብ ዝነበረ 22 ሚልዮን መልከፍትን 220,000 ሞትን 'ዓብዪ ፅልዋ' ክህልዎ እዩ።

ካብ ካልኦት ክታበታት ታይፎይድ ብዝተፈለየ፡ ብዋንነት ንረኽሲ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ህፃናት እዩ ዝሰርሕ።

እዚ ክታበት፡ ሃገራት ኣብ ምንካይ ታይፎይድ ንዝገብርኦ ፃዕሪ ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ'ሎ።

ታይፎይድ ብ ባክቴርያ ዝመፅእ እንትኸውን፡ ግዳያት ዘርእይዎም ምልክታት፡

  • ንነዊሕ ዝፀንሕ ረስኒ
  • ቃንዛ ርእሲ
  • ስግድግድ ምባል
  • ምንካይ ሸውሃት መግቢ
  • ድርቀት

እቲ ባክቴርያ ብዝለዓለ ደረጃ ዝመሓላለፍን ብዝተበከለ መግብን ማይን ዝጋፋሕን እዩ።

Image copyright Getty Images

ታይፎይድ፡ ብመዳይ ፅርየት ኣብ ዝደኸማን ሕፅረት ማይ ዘለወንን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ደቡብ እስያን ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪካን ብስፍሓት ይረኣይ።

ክልተ ክታበታት ኣፍልጦ እንተተውሃበም እውን፡ ንትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃናት ክውዕሉ ግን ፍቓድ የብሎምን።

ኣብ ዓለማዊ ትካል ትዕና፡ ኣቦ መንበር ጉጅለ ኪኢላታት ስትራቴጂካዊ ምምኻር ምክልኻል ሕማማት(ሳጌ)፡ ፕሮፌሰር ኣሌጃንድሮ ክራቪዮቶ "ንፈለማ እዋን ዕውት ዝኾነ ክታበት ረኺብና ኢለ ይኣምን" ኢሎም።

አቲ ጉጅለ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ክታበት ሽድሽተ ወርሒ ንዝዕድሚኦም ህፃናት ክውሃብ ኣለዎ።

ኣብ ዝተገበረ ፈተነ ላብራቶሪ 87% ውፅኢታዊ ኮይኑ ተረኺቢ እዩ። ነቲ ፈተነታት ዝመርሕ ፕሮፌሰር ኣንድሪው ፖላርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ዓብዪ ፅልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ" ኢሎም።

ትሑትን ማእኸላይን እቶት ንዘለወን 68 ሃገራት ዝቐርብ ክታበት ወፃኢኡ ዝሽፍን ጋቪ ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል፡ እዚ ሓድሽ ክታበት ንምውሳኽ ኣብ ግምት ኣእትዩዎ'ሎ።