ማህደር ስእሊ መረጻ ኬንያ

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ራይላ ኦዲንጋ ንሶምን ደገፍቶም ኣብቲ ምርጫ የለዉን። ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ግን ዜጋታት ኣብ ምርጫ ክሳተፉን ክመርጹን ጸዊዖም ኣለዉ።

ሞምባሳ ነሓሰ 8ን ሎም መዓልትን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ዳግማይ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ (ናሳ) ኣብ ዝበዝሕዎም ኑቑጣታት መረጻ ውሑዳት ድምጺ ወሃብቲ ኣተኣናጊደን። እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ሞምባሳ ኮይኑ ነሓሰ 8 ን ናይ ሎም መዓልቲን ብንጽጽር ዘርኢ'ዩ።

መግለጺ ስእሊ,

ብዙሓት ደገፍቲ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝርከቡለን ኖቕጣታት መረጻ ድማ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ጀሚረን መረጽቲ የተኣናግዳ ኣለዋ። መረጽቲ ኣብ ከባቢ ፖሊስ ጣብያ ኪያምቡ ተሰሊፎም።

መግለጺ ስእሊ,

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ናሳ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ከምዘይሳተፉ ምስ ኣፍለጡ፡ ደገፍቶም፡ ናብ ናቑጣታት መረጻ ኣይከዱን። ተቓውሞኦም ብዘተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። ብዙሓት፡ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝርከቡለን ከባቢታት ሞምባሳ ዕግርግርን ህውከትን ተራእዩ።

መግለጺ ስእሊ,

ደገፍቲ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ዝኾኑ ኣባላት ስድራ ብተመሳሳሊ ክዳን ማዕሪጎም ናብ ናቑጣታት መረጻ ኣምሪሖም።