ን 5 ኣዋርሕ ጠፊኤን ዝነበራ መርከበኛታት ኣሜሪካ ድሒነን

ኣሜሪካዊት መርከበኛ ታሻ ፋቡያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል መግብታት ሒዘን ሳላ ዝነበራ ካብ ሞት ድሒነን።

ኣብ ውቅያኖስ ፓስፊክ ንኣስታት 5 ኣዋርሕ ጠፊአን ዝነበራ ክልተ መርከበኛታት ኣሜሪካ ምስ ክልተ ኣኽልብተን ብሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ከምዝደሓና ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣሜሪካውያን መርከበኛታት ጀኒፈር ኣልን ታሻ ፉብያባን፡ ካብ ሃዋይ ብንእሽተይ ጀልባ ተበጊሰን ናብ ታቲ እናተጓዓዛ፡ ብሰንኪ ዘይቅዱው ኩነታት ኣየር ሞተር ጃልበአን ስለዝተበላሸወ'ዩ ኣንፈተን ስሒተን ጠፊአን።

እታ ጃልባ ብዘይ ሓባሪ መኣዝን ናብ ደቡባዊ ኣንፈት ምብራቕ ጃፓን ገጻ፡ ኣስታት 1500 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዛ።

ገፈፍቲ ዓሳ እቲ ከባቢ ናብ ሰብ ስልጣን ኣሜሪካ ሓበሬታ ድሕሪ ምቕባሎም ከኣ እተን መርከበኛታት ካብ ምጥፋእ ድሒነን።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ማለት'ውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣንፈተን ስሒተን ዝጠፍኣ እዘን መርከበኛታት፡ ብሓይሊ ንፋስ ተሓጊዘን ናብ መሬት ክበጽሓ ተስፋ ኣሕዲረን ምንባረን ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ተጓዒዘን ናብቲ ፈላማ ክበጽሐኦ ዝሓሰባ ታይቲ፡ ከምዘይበጽሓ ምስፈለጣ ግን ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ደዊለን ምንባረን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምስ ኣኽልብተን ዝጠፍኣ መርከበኛታት ኣሜሪካ

እዘን ክልተ መርከበኛታት መዓልታዊ ይድውላ ከምዝነበራን፡ ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ራሕቐት ጻዊዒት ቴሌፎነን ክለዓል ከምዘይተኻእለ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ጥቅምቲ 24 2017 ዓ/ም/ፈ ኣብቲ ከባቢ ዓሳ ዝገፉ ዝነበሩ ታይዋናውያን ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ መረዳእታ ከሕልፉ ብምኽኣሎም ግን ህይወተን ክድሕን ኪኢሉ ኣሎ።

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ መረዳእታ ምስ በጽሖ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቂሱ ህይወት ክልተ መርከበኛታት ኣሜሪካ ምስ ኣኽልብተን ኣድሒኑ።

ብሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ህይወታ ዝደሓነት ኣፐል፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብቲ ከባቢና ምስረኣናዮም ሓጎስ ኣይነበሮምን ትብል።

ነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል መግብታት ሒዘን ሳላ ዝጸንሓን፡ እታ ጀልባ መጻረይ ማይ ሳላ ዝነበራን ግን ህይወት ክልተ ኣሜሪካውያን መርከበኛታት ምስ ኣኽልብተን ምድሓን ተኻኢሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ምረዳእታ ምስበጽሖ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ዝበጽሐ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት