ዘይተዛዘመ መረፃ ኬንያ፡ ናዕብታት ተቓውሞ ከይስዕቡ የስግእ

ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ Image copyright AFP/Getty Images

መረፃ ቦርድ ኬንያ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ፡ ንመረፃ ካብ ዝተመዝገቡ መረፅቲ፡ ትሕቲ 35% ጥራሕ ድምፆም ከምዝሃቡ ኣፍሊጡ።

እዚ ዳግማይ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 80% ኬንያውያን ምስ ዘድመፅሉ መረፃ እንትነፃፀር ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍቶም ኣብቲ መረፃ ንከይሳተፉን ኣገንዚቦም ነይሮም።

ደገፍቲ ተቓውምቲ ውድብ ናሳ፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተጓነፁለን ኣርባዕተ ከባብታት፡ ከይዲ መረፃ ክሳብ መፃኢ ቀዳም ተናዊሑ ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ መረፃ ውድቂ ድሕሪ ምግባሩ፡ ዋላ እኳ ኡሁሩ ኬንያታ ንካልኣይ ግዘ እንተተወዳደሩ፡ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ናሳ ግና ካብቲ መረፃ ንባዕሎም ኣግሊሎም እዮም።

ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ ናሳ ብብዝሒ ኣብ ዝርከብሉ ኪሱሙ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ፡ ብዝተፈጠረ ህውከት፡ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ፀብፃባት የመላኽቱ። ኣብቲ ናዕቢ፡ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ እቲ ሓደ ሰገን ብፖሊስ ከም ዝተቐተለ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ራይላ ኦዲንጋ ደገፍቶም ኣብቲ መረፃ ድምፂ ከይህቡ ምግንዛቦም ስዒቡ ድማ፡ ሓደ ሓደ ደገፍቲ ተቓውሞ ካልኦት ሰባት ድምፂ ከይህቡ ይኽልክሉ ነይሮም።

ቦርድ መረፃ ኬንያውፅኢት እቲ መረፃ ዕላዊ ንምግባር 7 መዓልታት ኣለዎ።

ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ መረፃ ድሕሪ ምክያዱ፡ " ብጎስጓስ መረፃ ኣብ ሃገርና ምስልቻው ተፈጢሩ እዩ"፡ " ሕዚ ካብዚ እንወፀሉን ንቕድሚት እንስጉመሉ ግዜ እዩ " ኢሎም።

Image copyright AFP/Getty Images

መራሕቲ ዓሌታት ኬንያ እንታይ ግደ ነይርዎም?

ኣብ ዛዕባታት ኬንያ ንቢቢሲ ዝትንትን ዲከንስ ኦሎዌ ከምዝገለፆ፡ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ዝመፅእሉ ከባቢ ኪኩዩን ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ዝመፅሉ ከባቢ ካለንጂንን፡ መጠን ድምፂ ወሃብቲ ኣዝዩ ልዑል እዩ።

መቦቆል ራይላ ኦዲንጋ ዝኾነ ማሕበረሰብ ሊዮ ዝርከብሉ ኣብዝሓ ከባብታት ምዕራባዊ ኬንያ ድማ፡ ሙሉእ ብምሉእ ናብ ኖቑጣታት መረፃ ኣይከዱን።

ዓሌት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ኬንያ፡ ኣብ ውሽጢ ኬንያ ሱር ዝሰደደ እንትኸውን፡ ካብ ናይ ሓደ ዓሌት ስልጣን እንተሒዙ፡ ዓሌቱ ተጠቀምቲ ይኾኑ ብዝብል እምነት ከምዝድግፉ ኦሌዌ ይገልፅ።

ዝሓለ ወር ነሓሰ ጀሚሩ እንታይ ኣጋጢሙ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ከም ዝተዓወቱ ምስተገልጸ፡ ብርክት ዝበሉ ናዕቢ ዝተላዓሉ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ህውከት ኣስታት 50 ሰባት ተቐቲሎም።

መራሒ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ፡ እቲ መረፃ ደንጉዩ ንኽካየድ ድሌቶም እኳ እንተነበረ፡ ጥርዓኖም ቅድሚ እቲ መረፃ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር ካብ 7 ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ 2 ዳያኑ ጥራሕ ብምርካቦም ጥርዓን ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ቤት-ፍርዲ ከይተርኣየ ተሪፉ እዩ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዳያኑ፡ ምክትል ዋና ዳኛ፡ ፊሎሜና ምዊሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሓላዊአን ብዝተተኮሶም ጥይት ድሕሪ ምቑሳሎም፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክርከባ ኣይከላን።

ንኻልኣይ ግዜ ዝተደግመ ምርጫ ኬንያ ኣብ ክልተ ተመቒሉ